Dehai News

(Haddas Ertra) ገስጋስ 5 ዓመት እንታይ ምመሰለ?

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 06 October 2023

ገስጋስ 5 ዓመት እንታይ ምመሰለ?

 ዓርቢ 6 ጥቅምቲ 2023    ሓዳስ ኤርትራ

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ ወርሓት መስከረምን ጥቅምቲን 2018፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ 20 ዓመታት ኩነተ-ተጻብኦ ዳግም ተኸፊቱ፡ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ብኣዝዩ ሕጉስ መንፈስ ዝተራኸበሉ፡ ቁጠባዊን ንግዳዊን ንጥፈታት ህይወት ክዘርእ ዝጀመረሉ፡ ምስ ወደባት ዘራኽብ መስመራት መጓዓዝያ ንምሕዳስ ላዕልን ታሕትን ዝበሃለሉ ዝነበረ ትስፉው እዋን’ዩ ነይሩ። እቲ ሃዋህው ብኡ ቀጺሉ እንተዝነብር፡ ገስጋስ ሓሙሽተ ዓመት፡ እንታይ ኮን ምመሰለ?

እቲ ጅማሮ ንደለይቲ ሰላምን ዕብየትን ዓቢ ብስራት’ዩ ነይሩ፣ የግዳስ ምስናይ ስክፍታኡ። ምኽንያቱ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እናኣናቘትካ ቅልውላው ምምሕዳር ዝልማዶም ሓይልታት ዕብለላ፡ እቲ ዝተረኽበ ሰላም ስለ ዘይማእምኦም፡ ምዕልባጦም ርኡይ’ዩ ነይሩ። ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበረ ኣለክሳንደር ሮንዶስ፡ “ናይ ወያነ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ተመሊሱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ መንግስቲ ክሳብ ዘይቆመ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ፈጢሮሞ ዘለዉ ኪዳን ደልዲሉ፡ ንምብራቓዊ ገማግም ቀርኒ ኣፍሪቃ ክቆጻጸሮ ተኽእሎ ኣሎ” ክብል ሻቕሎቶም ምድርጉሑ ኩሉ ዝዝክሮ’ዩ። በዚ ድማ፡ ነቶም ብቑጥዐ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ስልጣን ምግላፎም ዝዓርዓሮም ነዳያት ብምርስሳን፡ መንኰርኰር ታሪኽ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ተንኰል ብተብተብ ክጥጃእ ጀሚሩ።

እቲ ጥጅእ ስውር ኣይነበረን። ስግኣት እናሃለወ ግና፡ ዶባት እንተተኸፊቱ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ እንተተራኺቡ፡ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ኣብ ምዕዛዝ ናቱ ግደ ክጻወት ይኽእል’ዩ ብዝብል ተስፋ፡ ዝተወረ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ’ኳ ገና ከይተመልሰ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ግፍዒን በደልን ይቕሬታን ካሕሳን ከይተሓተተሉ፡ ተበግሶ ሰላም ምድልዳል ቀዳምነት ተዋሂቡዎ። መርኣያ ሰናይ ድሌት ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ንሰላማዊ ጉርብትናን ምሕዝነትን ድማ’ዩ ነይሩ። ከም ኣካል ናይዚ ተበግሶ’ዚ፡ ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ ኣብ ዝተኸፍተሉ ጽንብል፡ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ናይ ምንቛት ጥጅእ ብምኽሻሕ፡ “ንምንታይ ኢኹም ንኲናት ትዳለዉ ዘለኹም? ኲናት ኣየድልየኩምን’ዩ” ዝብል መልእኽቲ ብምትሕልላፍ፡ መራሕቲ ወያነ ንውዲት ሓይልታት ዕብለላ ክነቕሕሉን ልቦና ከዕብዩን ምዒዱ ነይሩ።

ኩሉ ከምዝዝክሮ፡ ከም መራሕቲ ወያነ ገይሩ ንሰላም ዝተለመነ የለን። “ኲናት ባህላዊ ጸወታና’ዩ” እናበሉ ንዕንደራ ኣብ ዝሸባሸብሉ ዝነበሩ እዋን፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝወከሉ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ህቡባት ሰባት ናብ መቐለ ብምኻድ፡ ብፍላይ ኣደታት ተንበርኪኸን ዝርንዛሕ እናነብዓ ንሰላም ምምሕጻነን ዘይሃስስ ዝኽሪ’ዩ። እንተኾነ “ውግእ ንመልኮ ሞያ’ዩ፡ ነቶም ዝለኣኹኹም ሰላም ክገብሩ ለምንዎም” ዝዓይነቱ ብድዐ’ዩ ተመሊሱሎም።

ቀዳማይ ዕንደራ ድሕሪ ምቚልዑ፡ ኣብ ሰነ 2021 መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ምስሓቡ ይዝከር። እዚ ስጉምቲ’ዚ ግን ከም ድኻም’ዩ ተራእዩ። “በሎ ከፊእዎ እንተሎ” እናተባህለ ድማ ብተብተብ ዝሰልጠኑ ኣማኢት ኣሽሓት ቆልዑን መንእሰያትን ህዝቢን ኣኽቲትካ፡ ክሳብ ሰሜን ሽዋ ተበጺሑ። “ሰላማዊ ዘተ ዝበሃል የለን፣ ኲናት ተወዲኡ’ዩ፣ ምስ መን ክንዛተ!” ዝብል ናይ ሽዑ ብድዐ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ካልኣይ ዕንደራ መግትኢ ምስተገብረሉ እውን፡ ፈደራል ሰራዊት ናብ ትግራይ ከይኣቱ’ዩ ተወሲኑ። ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ከኣ፡ በይናዊ ስጉምቲ ምቁራጽ ተዂሲ ተወሲዱ። እዚ ዕድል’ዚ እውን ኣብ ክንዲ ንሰላም ን3ይ ዕንደራ መዳለዊ’ዮም ተጠቒሞምሉ። ኣሸቀልቲ፡ ንኲናት ዝኸውን ዝኣክል መግቢ ረድኤትን ዕጥቂን ምስ ጓረቱ ከኣ፡ እቲ ግብኣተ መሬት ዘቀላጠፈ ሳልሳይ ዕንደራ ተወሊዑ። እዚ ኩሉ ናይ ሰላም ዕድላት ብትዕቢት ነጺግካ “ኣራት ኪሎ እንተዘይሓዝና፡ ኣስመራ እንተዘይኣተና” እናተባህለ ብመቕዘፍቲን መሪር ስቓይን ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ዕንደራ ድማ፡ ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ድሕሪ ምልካሙ፡ ብውዕል ዕጥቂ ምፍታሕ ተኣዲቡ።

ሎሚ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዋጋ ናይዚ ከንቱ ዕንደራ’ዚ ኣብ ዘስተንትነሉ እዋን፡ እዚ መሪር ተሞኩሮ’ዚ፡ ንሰላማዊ ምንብባር መሰረት ዝኸውን ልቦና፡ ዘላቒ ሰላምን ርግኣትን ንምምጻእ ዘገልግል ስትራተጂያዊ ሓሳብ ዘመንጩ ሰፊሕ ኣእምሮ ክፍጠር ትጽቢት ዝግበረሉ’ዩ። ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕን ከቢድን ዘይግባእን ክሳራን፡ ድሕሪ- ደጊም ትምህርቲ እንተተቐሲምዎ፡ ነቲ እምብዛ ዘሕዝን ክሳራን ምረትን ዝድብስ ሰላምን ዕብየትን ኣብ ምምጻእ ኣበርክቶ ክህልዎ’ዩ።
                                                                               ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ

ERi-TV, Eritrea - ኣዴታት፡ ሰብ ሓዳርን፡ ኣደ ቆልዑን ተሳተፍቲ ሳዋ - Mothers who are participating at Eritrean National Service training center in Sawa

Dehai Events