Dehai News

“ብፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ቀሪቡ ዘሎ ዘተ ሰላም ሱዳናውያን ፣ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ተቀባልነት ረኪቡ”ጀነራል ያስር ኣልዓጣ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 01 December 2023

“ብፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ቀሪቡ ዘሎ ዘተ ሰላም ሱዳናውያን ፣ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ተቀባልነት ረኪቡ”ጀነራል ያስር ኣልዓጣ

ትርጉም ዓረብ -ከሰተ ኣብረሃለይ
"ኣስመራ፡ናይ ጽንዓትን ብድሆን ሕራነን ብምዃና እንተላይ ናይ ኣፍሪቃ ክብረትያ"
"ብምዕራብ ምስ ጫድ(ቻድ) ብምብራቕ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ፡ብሰሜን ምስ ግብጺ፡ብሰሜናዊ ምብራቕ ድማ ምስ ኤርትራ፡ዘለና ቅርበትን ኤትኒካዊ ምትእስሳርን ፍሉጥዩ።
ብፍላይ ምስ ኤርትራ ዘለና ቅርበት ክንርኢ ከለና ግን.. ኣስመራ፡ናይ ጽንዓትን ብድሆን ሕራነን ብምዃና እንተላይ ናይ ኣፍሪቃ ክብረትያ።
ኤርትራ፡ብፍላይ ኣብዚ ዳሕረዋይ እዋን ዝወሰደቶ መርገጽ ዘደንቕ እዩ።እዚ መርገጽ እዚ ድማ፡መራሕቲ ኤርትራ፡ብመሪሕነት እቲ ብልህን በሊሕን መራሒ ኩቡር ሓውና ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ፕረሲደንት ኤርትራ ዝተራእየ እዩ።
እዚ ሰብኣይ እዚ(ኢሳያስ) ብጥበቡን ብቕዓት ሓንጎልን ዝድነቕዩ እዩ።ብሳላዚ ድማ፡ኤርትራ ኣብ ኩሉ መርገጻታ ሓጋዚ ተራ እያ ትጻወት።ንሱዳን ትሕግዝያ ማለት ጥራይ ዘይኮነ፡ኤርትራ ንሓቂ እያ ትሕግዝ።ንኽብረት ንዕብየት፡ንብራኸ ንኹርዓት ኣፍርቃ እንተላይ።
ካብዚ ነቒለ ድማ፡ንሓው ዝኾነ ኩቡር ፕረሲደንት ኢሳያስ ብምምስጋን..ሽግር ሱዳን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ኣብ ጉዳይና ግልጽን ተባዕን ዝኾነ መርገጽ እምበር፡ማእከላይ መርግርጽ ወን ወሲዱ ኣይፈልጥን።ሓንቲ ቃሉ ዝነበረት ኲናት ጠጠው ክብል ኣለዎ እዩ ዝብል ኔሩ።
ካብዚ ብምንቃል ድማ፡ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ብፍላይ ኣብዚ ዳሕረዋይ ናይ ኣፍሪቃ መርገጻቱ ዝተራእየ፡እቲ ዘለዎ ብሉጽ መርገጽ፡መቐጸልታ ናይቶም ዝሓለፉ ጥንታውያን በላሕቲ ኣፍሪቃውያን ኮይኑ ተሰሪዑ ታሪኻዊ ኮይኑ ክነብርዩ።
ከም ናይ ጸላም ኣፍሪቃ፡ኣብነታዊ ተጋዳላይ ኔልሶን ማንዴላ፡ከም ጀሞ ኬንያታ፡ጅልየስ ኔረረ፡ሎማምባ፡ጀማል ዓብደል ናስር፡ከም ናይ ሱዳን፡እስማዒል ኣል ኣዝሃሪ ውን" ብምባልዩ ዝገልጽ ዘሎ።
ስዒቡ ዘለዎም ደገፍ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ሰዲዶም። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘለዎ ብሱል ኣተሓሕዛ ንዓና ሱዳናውያን ጠቃሚ ኢዩ ብምባል ሞጊሱ" ጀነራል ያሲር ኣልዓጣ


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events