Dehai News

መንእሰይ ኤርትራ - ሓበን ኣፍሪቃ!

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 04 July 2024

መንእሰይ ኤርትራ - ሓበን ኣፍሪቃ!

   ረቡዕ 3 ሓምለ 2024   ሓዳስ ኤርትራ

African rider Biniam Girmay of the Intermarche-Wanty team celebrates on the podium holding his medal after winning Stage 3 of the Tour de France in Italy on July 1, 2024.
ብንያም ግርማይ

ካብ ብሉጻት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዓለምና፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ብንያም ግርማይ፡ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ 3ይ መድረኽ ዝነውሐ ውድድር (230.8 ኪ.ሜ.) ‘ቱር-ዲ-ፍራንስ’፡ ልቢ መላእ ኣፍሪቃውያን ዝፈንጨሐ በዂሪ ታሪኻዊ ዓወት ብምምዝጋብ፡ ኣርእስቲ ውሩያት ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይኑ።

ከምዝፍለጥ ዘመናዊ ግጥማት ስፖርት፡ ካብ ከባቢናን ኣህጉርናን ብተዛማዲ ኣብ ኤርትራ ዝነውሐ ዕድመ ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዝሓለፈ 20 ክፍለ-ዘመን እዩ ምስ ዘመናዊ ስፖርት ተላልዩ። ካብኡ ንድሓር፡ ስፖርት ኣካል ባህሊ ኤርትራውያን መንእሰያት ኮይኑ። ታሪኽ እንተተወከስና ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ እዋን መግዛእቲ ጀሚሮም፡ ብዝተፈላለየ ዓይነት ስፖርት፡ ኣውራ ብቕድድም ብሽክለታን ኣትለቲክስን ኣብ ሓያሎ ዓለማዊ መድረኻት ተወዳዲሮም፡ ልዑል ብቕዓቶምን ብልጸቶምን ብምድማቕ፡ ሓበን መላእ ኣፍሪቃ ኪኾኑ በቒዖም እዮም።

ከምዚ ዓይነት መሰረት ዘለዎ ስፖርታዊ ንጥፈት ኤርትራ፡ ነዊሕ ሓርነታዊ ኲናትን ድሕሪ ናጽነት ዝቐጸለ ዓለማዊ ተጻብኦን ውዲትን ምስትርሓው ስለዝኸልአ፡ ማዕረ ባህግና ሰጒሙ ክንብል ኣይንኽእልን። ይኹን’ምበር፡ ኣብዚ ውሁብ ኩነት እውን እንተኾነ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓለማዊ ውድድራት እናተሳተፉ፡ ክብሪ ህዝቦምን ሃገሮምን ምዕርግቲ ሰንደቖምን ደጋጊሞም ካብ ምዂላዕ ኣይተዓግቱን። ምስናይ ድሩትነት ጸጋታትን ብድሆታትን፡ ማህጸን ኤርትራ፡ ኣንጸባራቒ ዓወት ዝሓፍሱ ብሉጻት መንእሰያት ምፍራይ ኣይኣገማን። ኤርትራውያን ክዋኽብቲ፡ ዓመት መጽአ፡ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ መላእ ኣፍሪቃ ብምዃን ጎብሊሎም ክወጽኡ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ካብ ኣህጉርና ሓሊፎም ድማ፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ስሙያት ተወዳደርቲ እናኾኑ ይኸዱ ኣለዉ። 

እዚ ድሙቕ ዓወታትን ትስፉው ኣንፈትን’ዚ፡ ማዕረ’ቲ ዝፈጥሮ ባህታን መንነታዊ ሓበንን፡ ኣብ መንእሰያትና ንዘሎ ተውህቦን ዕቑር ክእለትን፡ ጸጋታት እናኣጐሳጐስና ዘድሊ ወፍሪ ኣፍሲስና ከነስፍሖን ከነሐይሎን ከም ሕብረተሰብ ሓላፍነት ዘሰክመና እዩ። ኩሉ ዓውድታት ስፖርት ብማዕረ እናሰጐመ፡ ኣብ’ቲ እንምነዮን እንዓግበሉን ደረጃ ክበጽሕ ጻዕርና ከነሐይል ሃገራዊ ፍናን ዘበርኽ እዩ። ናይ ቅድምን ሕጂን ቅያታት ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ንክህሎትን ብልጸትን መንእሰያትናን ትስፉው መጻኢኦምን ወሪዑ ዝእምት እዩ። 

ክንዲ ዝኾነ፡ ስፖርታዊ ንጥፈት ዝመርሑ ኣካላት መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስድራቤታት፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ሰራዊት፡ ትካላት፡ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ማሕበረ-ኮማት፡ ሰብ ጸጋን መላእ ሕብረተሰብን፡ መንእሰያትና ባህርያዊ ትዕድልቶም ክዂላዕ፡ ኣሰር ክዋኽብቲ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን እናተኸተሉ፡ ንባዕሎም ደሚቖም ስም ሃገሮም ከድምቑ፡ ሞራላዊን ንዋታዊን ድርኺቶም ከሐይሉ ይግባእ። 

ዮሃና! ነቲ ኣብ ዝወፈሮ ዓውዲ ጀጋኑ ምፍራይ ዝልማዱ ወትሩ ዕውት ህዝቢ ኤርትራ! ክብርን መጐስን ነቶም ሃገርን ኣህጉርን ዘዂርዑ ዘለዉ ዕውታት መንእሰያት ኤርትራ! 

 ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ


ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events