Dehai News

ንኤርትራ ዝምልከት መግለጺ ሙላቱ ተሾመ፡ ኢትዮጵያ ዝሃበቶ ግብረ-መልሲ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 01 March 2025

ንኤርትራ ዝምልከት መግለጺ ሙላቱ ተሾመ፡ ኢትዮጵያ ዝሃበቶ ግብረ-መልሲ


ቀዳም 1 መጋቢት 2025


ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ (ዶ/ር) ኣብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ዝጸሓፎ ሓሳብን ብብዙሓት ንወድዓዊ ኵነታት ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ይገልጽ'ዩ ተባሂሉ ዝተዘረበሉ ጽሑፍ፡ ውልቃዊ ርእይቶኡ እምበር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገልጽ ከም ዘይኰነ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ኣብቲ ዞባ ካብ ዝነበሮ ተመኵሮ መሰረት ብምግባር፡ ውልቃዊ ርእይቶኡ ሂቡ፡" ብምባል ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ (ዶክተር) ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ማዕከን ዜና ኣልጃዚራ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ "ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ካልእ ግጭት ንምውላዕ ይሰርሕ ኣሎ፡" ክብል ከሲስዎ።

ነዚ ስዒቡ፡ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብ 'ኤክስ' ኣብ ዝሃቦ ዓሰርተ ነጥቢ ዝሓዘ መልሲ፡ ነቲ ክሲ "ሓሶት" ክብል ነጺግዎ።

እቲ ምኒስተር ዜና ወሲኹ፡ ንጽሑፍ ናይ ፕረዚደንት ነበር፡ "ክፋእ ዝተመልኦን ሓዊ ዘጐሃህርን፡" ክብል ኰኒኑዎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ርእይቶ እንከይሃበ ጸኒሑ፡ ትማሊ ዓርቢ ብኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝሃቦ ስሩዕ ጋዜጣዊ መግለጺ ግን፡ ውልቃዊ ርእይቶ ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣርሒቕዎ።

ሙላቱ ተሾመ (ዶክተር) "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭት ከይፍጠር ግዜኡ ሕጂ'ዩ፡" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣልጀዚራ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ንመንግስቲ ኤርትራ ብትሪ ነቒፍዎ።

ኣብ ጽሑፉ "ኲናት ቀንዲ ዋኒን መንግስቲ ኤርትራ'ዩ፡" ኢሉ ገሊጽዎ ከም ዝነበረ ዝዝከር'ዩ።

እቲ ወሃቢ ቃል ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዘለዎ መርገጺ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

"ኢትዮጵያ ከም ዕድል ኰይኑ፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ፕረዚደንት ነበር ዘለዋ ሃገር እያ፡" ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ እቲ ጽሑፍ ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ውልቃዊ ርእይቶ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከቱ ርእሰ ጉዳያት ወኪሉ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ዝሳተፍ ዘሎ ፕረዚደንት ነበር ሙላቱ ተሾመ (ዶክተር)፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ኢትዮጵያን ሰላም እቲ ዞባን ኣሉታዊ ተራ ተጻዊቱ ክብል ከሲሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ደማዊ ኲናት ትግራይ ዘብቅዐ ውዕሊ ፕሪቶርያ ከም ዕንቅፋት ከም ዝርእዩ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ 'ነዚ ሕጂ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ዘሎ ምምቕቓል ክጥቀመሉ ከም ዝደልን ኣብ ክልል ኣምሓራ ምልሻ ከም ዝፈጠረን'ውን፡" ከሲሱ።

ኣቶ ሙላቱ ተሾመ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ክብል'ውን ኣብ ጽሑፉ ከሲሱ።

ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ" ኣብ ልዕሊ ኣስመራ "ዘይምኽንዩን ዝተጠናኸረን ወፍሪ ጸለመ ኣበጊሱ፡" ክብል ከሲሱ።

ኢትዮጵያ "ምንጭን ማእከልን" ጸገማት ናይቲ ዞባ ከም ዝዀነት ዝጠቐሰ እቲ ሚኒስተር፡ ሃገሩ "ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዳ ናይ ምእታው ድሌት፡" ከም ዘይብላ ገሊጹ።

ዶክተር ሙላቱ፡ "ታሪኻዊ ፍጻመታት ኣዛቢዕኻ ብምግላጽ" ኢሉ ዝኸሰሰ ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ ሃገሩ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፈትሉ ምኽንያት "ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሰፊሕን ብብዙሕ ደረጃታት ዝግለጽን መጥቃዕቲ ንምክያድ መደብ ስለ ዝነበሮ" ከምኡ'ውን "ብዕድመ መንግስቲ ኢትዮጵያ" ከም ዝነበረ ኣብሪሁ።

እቲ ምኒስተር ዜና "ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ማእለያ ዘይብሎም ጸገማት መበገሲኦምን ማእከሎም ኣብ ኢትዮጵያ እምበር፡ ኣብ ካልእ ቦታ ኣይረኽብዎን፡" ኢሉ።

ምኒስተር ኣቶ የማነ ብተወሳኺ፡ "ፍልፍል ግጭት ናይታ ሃገር ካብ ደገ ከም ዝዀነ ኣምሲልካ ወይ ኤርትራ ከም መህደሚት ገይርካ ምሕሳብ፡" ነቲ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ጸገማት ከም ዘይፈትሖ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ተላፊኖም ዝተሳተፋ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ድሕሪ'ቲ ነቲ ኲናት ዘብቅዐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ግን ዝምድናኦም ሻሕኪሩ ኣሎ።


ንኤርትራ ዝምልከት መግለጺ ሙላቱ ተሾመ፡ ኢትዮጵያ ዝሃበቶ ግብረ-መልሲ






ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events