Dehai News

ቀቐዋ ሎሚ ቕነ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 01 March 2025

 

ቀቐዋ ሎሚ ቕነ

ሓዳስ ኤርትራ      1 መጋቢት 2025

ግሪኻዊ ፈላስፋ ፕላቶ፡ “ጥርሑ በርሚል ዝያዳ የድምጽ” ይብል ነበረ። 

ኣብዚ ቅንያት’ዚ፡ ኣእዛን ዝዃዂ ቀቐዋ (cackling) ደሚቑ ቀንዩ። ምዕባለታት ዞባና ዝከታተል፡ ነዚ ቀቐዋ’ዚ ዝጐስዐ፡ ኣብ ባሕሪ-ከብዲ ዘሎ ገብኢ ስለዝፈልጥ . . ነገሩ ክምስ! ዘብል እዩ። የግዳስ ተልመዴን ተንታኖ፣ መሃይማን ታሪኽ፣ ተማህለልቲ ግጭትን ህውከትን፣ ተናበይቲ ማሕበራዊ ሚድያን ሃሱሳትን እናተቐባበሉ ብኾን ዶኾን ክዓፍሩ ቀንዮም። 

 ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ሚድያ ምስ ብዙሕ ጥቕምታቱ፡ እልቢ ዘይብሎም ሸርሻሮ እውን ኣሰሲኑልና እዩ። ውሑዳት ቁም ነገራውያን ገዲፍካ፣ እቶም ዝበዝሑ ባዶ ፍልጠት፡ ጣቋ ዘይብሉ ሃለውለው፡ ፈጣጥ ሓሶትን ጽያፍ ቃላትን ‘ሼር በሉልና’ እናበሉ ትኳቦ ምምሕጻን ሞያ መንብሮ ዝገበሩዎ’ዮም። ወረ ክነዝሑ ምንጪ ኮነ እሙን ሓበሬታ ኣየድልዮምን። ዘውረዩዎ ሓሶት ምዃኑ ምስ ተቐልዐ፡ ስኽፍ ከይበሎም ናብ ካልእ ይሰግሩ’ሞ፡ ብዕምቈት ዘይርድእዎ፡ ብብቕዓትን ሞያን ዘይምጥኖም ጉዳይ እናልዓሉ፡ ንባዕሎም ሃውቲቶም ስራሕ ዝሰኣነ ከሀውትቱ ይውዕሉ። 

ኣብ ግዜ ስርዓት ናዚ ጀርመን፡ ሓላፊ ፕሮፖጋንዳ ዝነበረ ጆሴፍ ጐብልስ፡ “ኣብ ፕሮፖጋንዳ ዕዉት ንምዃን ኩምራ ቃላት ዘድሊ ኣይኮነን። ሒደት ቃላት መሪጽካ ብዘይዕረፍቲ ምድግጋመን ጥራይ እዩ፣ ዓቢ ሓሶት እውን ይኹን፡ ምሒር ምስ ዝደጋገም ከም ሓቂ ክውሰድ ይኽእል እዩ።” ይብል ነበረ። 

በዚ ቅማረ’ዚ ይመስል፡ ለይቲን መዓልቲን ብምቕቓው ያኢ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዝርከብ ዝመሰሎም ዝተሃመሉ ወይ ዝተዓስቡ ልሂቃን፡ ኣብ መሳዅቲ ቴለቪዥንን ማሕበራዊ ሚድያን እናቐረቡ፡ ብሕልሚ ደርሆ ሰባት ከጎምጅዉ ዓመት መመላእታ ከይረብረቡ ለፍሊፎም። ሕሉፍን መሪርን ተመኩሮ ጽቡቕ ገይሩ ዝመሃሮ እቲ ዝበዝሐን ለባምን ህዝቢ ግን፡ ሃለውሳኦም ካብ ጥዑም ሕልሚ ዘይሓልፍ ምዃኑ ስለዝፈልጥ፡ ስሒቑዎም እምበር - እዝኒ ኣይሃቦምን። እንተኾነ ከምቲ ናፖልዮን ቦናፖርተ ዝበሎ፡ “ካብ ድምጺ ዘጽቀጡ ሚልዮናት ለባማት፡ ያዕያዕታ ዓሰርተ በሃማት ዝያዳ ይስማዕ።

ህዝቢ ኤርትራ ረዚን፡ ወረጃ፡ ርጉእን ዓቃልን ህዝቢ’ዩ። ቋንቋኡ ልፍለፋ ዘይኮነ ቋንቋ ግብሪ ምዃኑ ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦን ዕዉት ታሪኹ ዝምስክሮን እዩ። በዓል ነዊሕ ተመኩሮን በሪኽ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ስለዝኾነ ድማ፡ ዝደጋግስ ስሕታን ቅመራ (Miss calculation) እንተሎ መዋድቖኡ ኣበይ ምዃኑ ኣማእዝዩ ይፈልጥ እዩ። ‘ትም’ ዝብል፡ ዝበሃል ጠፊኡዎ ዘይኮነ፡ ነዚ ስለዝፈልጥ እዩ።

ስቕታ ኤርትራውያን ንዕቀት ዝመስሎም ኣይሰኣኑን። የግዳስ ውጽኢት ካዕበት ተመኩሮ’ዩ። ልዑል ርእሰ ተኣማንነት ህዝቢ ኤርትራ ዝገርሞም ኣይሰኣኑን። እቲ ምስጢር ምልከት ስነጥበብ ኲናትን ወትሩ ዕዉት ጉዕዞን ዝፈጠሮ ርጉእ መንፈስ እዩ። ህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኖም፡ ብዙሓት እንተላይ ናይ ሎሚ ተሰልበጥቲ፡ ትማሊ ትማሊ ዓው ኢሎም ዝመስከሩዎ እዩ። እቶም ንኲናት ዝህንደዱ ኮነ እቶም ብቀቐዋ ዝሰናበዱ - እቶም ኲናት ዘይፈልጡ ጥራይ እዮም። 

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ




ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events