ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሕጂስ ሓላፍነቱ ክስከም ግቡእ እዩ
23 መጋቢት 2025 ርእሰ ዓንቀጽ
ኣብ ፈለማ’ዚ ሰሙን’ዚ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ ኣስመራ ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታትን ወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣንጻር ኤርትራ ዝጋዋሕ ዘሎ መጋገዪ ሓበሬታን ናይ ሓሶት ክሲታትን ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ክልል ትግራይ ናይ ኢትዮጵያ ከምዘሎ ኣምሲልካ ዝንዛሕ ሓሶት መሰረት ከምዘይብሉ ብምግላጽ ድማ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ሕዳር 2022 ጀሚሩ፡ ናብ ውሽጢ’ቲ ፍሉጥ ኣህጉራዊ ዶቡ ከምዝሰሓበ ኣነጺሩ። ንኤርትራ በጃ ውሽጣዊ ቅልውላዋት ኢትዮጵያ ናይ ምግባር ፈተነ ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ዘቤታዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምዃኑ፡ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣብ ዝተኸስተ ናይ ስልጣን ቊርቊስ ኢዳ ከተእቱ ድልየት ከምዘይብላ ኣረዲኡ። ብተወሳኺ፡ ንሓደገኛ ብህሎታት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምርካብ በሪ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ነቒፉ።
እቲ መብርሂ ነቲ ዘሎ ኩነታት ብቐጥታ ኣብ ርእሲ ምቕራብ፡ ብዙሓት ጉዳያት ዘጒልሐ እዩ ነይሩ። ማሕበረሰብ ዓለም ሰላም ከተባብዕ እናተገብኦ ኣብዚ ዞባ ዘይርጉእነት ኣብ ምጉሃር ዝነበሮ ታሪኻዊ ግደ፣ ሓይልታት ዓለምና ፍትሒን ኣህጉራዊ ሕጊን ክኽበር ኣብ ክንዲ ምጽዋዕ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምግሃስን ወራራት ኣብ ምትብባዕን ዝጸንሖም ተራ ብምንጻር ድማ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ወጥሪ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ጎድኒ’ቲ ንነዊሕ እዋን ዝፈሸለሉ ጉዳይ ፍትሒ ደው ክብል፡ ግህሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ብምዂናን ጸረ-ወራር ጽኑዕን መትከላውን መርገጺ ክሕዝ ሓላፍነቱ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ምንፋግን ዕሽሽ ምባልን
ሃስያ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕ ታሪኻዊ ሰረት ዘለዎ እዩ። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ንግሎባዊ ረብሓታት ተባሂሉ ገንሸል መስዋእቲ ኮይኑ እዩ። ኤርትራ ድሕሪ ብመግዛእቲ ጣልያንን ምምሕዳር ብሪጣንያን፡ ብዘይ ድሌት ህዝባ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ከምእትቚረን ተገይሩ። ሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝነበረ ጆን ፎስተር ዳላስ ኣብ መስከረም 1952 ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝበሎ፡ እቲ ውሳነ ብስትራተጂያዊ ረብሓ ምዕራባውያን ዝተደረኸ ምንባሩ ዘነጽር እዩ፦
“ብዓይኒ ፍትሒ፡ ርእይቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ክኣቱ ነይሩዎ። እንተኾነ፡ ንስለ ስትራተጂያዊ ረብሓ ሕ.መ.ኣመሪካ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪን ዓለማዊ ሰላምን ጸጥታን፡ እታ ሃገር ምስ’ታ በዓልቲ ቃል-ኪዳንና ዝኾነት ኢትዮጵያ ክትቊረን ግድን ገይሩዎ ኣሎ።”
ኣብ ዝቐጸለ ግዜ እውን፡ ኢትዮጵያ ደይ-መደይ ኢላ ንፈደረሽን እናፍረሰቶን ንኤርትራ ብሓይሊ እናለሓቐታን፡ ኩሉ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ እናተጋህሰን ኣህጉራዊ ሕጊ እናተጣሕሰን እንከሎ፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣጽቂጡ እዩ ዝዕዘብ ነይሩ። ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ንሕቶ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ዕሽሽ ስለዝበሎ ከኣ፡ ኤርትራ በይና ብዘይ ዝኾነ ኣህጉራዊ ምትእትታውን ደገፍን፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝነውሐ ኲናት ከተካይድ ተቐሲባ። እዚ ብዘይ ዋላ ሓደ ለውጢ ክሳብ 1991 - ንፍርቂ ዘመን ዝቐጸለ ኩሉመዳያዊ ወጽዓን ግህሰትን’ዚ፡ ኣብ ሰነድ 1980 ናይ ኣህጉራዊ ሊግ ንመሰልን ሓርነትን ህዝብታት ብኸምዚ ዝስዕብ ሰፊሩ ይርከብ፦ “ህዝቢ ኤርትራ፡ ብወተሃደራዊ ይኹን ብፖለቲካዊ መዳይ ዝግባእ ኣፍልጦ ተነፊግዎ ን20 ዓመታት በይኑ ጸኒዑ ተቓሊሱ እዩ።”
ሓደ ዓመት ድሕሪ’ዚ ማለት ኤርትራ ናጽነታ ቅድሚ ምጉንጻፋ ዓሰርተ ዓመት፡ ኮሚሽን ኣህጉራዊ ክኢላታት ሕጊ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፦
“ካብ ኩሎም እቶም ግዳያት ሓያላን ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝኾኑ ህዝብታት፡ እቲ ቅቡልን ክስማዕ ዝግብኦን ሕቶ ዝነበሮ ህዝቢ - ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ኣህጉራዊ ውድብ ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ከተልዕሎ እትደሊ ሃገር ኣይነበረትን። እቲ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ሕቶ ነቲ ውድብ ንባዕሉን ንኻልኦት ተመሳሳሊ ጸገም ዝነበሮም ወገናትን ምንጪ ዘይምርግጋእ ከይከውን ስለዝተባህለ’ዩ።”
ኤርትራ ኣብ 1991 ወግዓዊት ኣባል ው.ሕ.ሃ. ምስ ኮነት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ናይቲ ውድብ፡ ነቲ ዝነበረ ዕሽሽታ ኣመልኪቱ መደረ ኣስሚዑ ነይሩ፡-
“እቲ ናይ ስቓትን ጸማም እዝኒን ዓመታት፡ ንስቓይ ህዝብና ኣናዊሑዎ እዩ። ኢድ ወረርቲ ናጻ ብምግዳፍ ከኣ ጸገማትና ክናዋሕን መስዋእትና ክበዝሕን ዓቢ ግደ ኣበርኪቱ። እንተኾነ፡ ንእምነትና ኣብ ፍትሒ ኮነ ኣብ ተዓዋትነት ጉዳይና ኣየጒደሎን። ከምቲ ምስላ ኤርትራ፡ ‘በትሪ ሓቂስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን’ ዝብሎ ከኣ መወዳእታኡ ፍትሒ ተዓዊቱ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒን ሰላምን ምንጪ ተስፋን ሓጐስን እዩ።”
ዘየቋርጽ ተጻብኦታትን ድርብ መዐየሪታትን
ኤርትራ ዘካየደቶ ገድሊ፡ ምስ ምጉንጻፍ ናጽነት ኣየኽተመን። እኳ ድኣ ድሕሪ ናጽነታ፡ ካብ 1998 ክሳብ 2000፡ መንግስቲ ኤርትራ ምዕላው ዝዕላማኡ ተጻብኦን ኲናትን ገጢሙዋ። ካብ ግዝኣታ እንተላይ ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ገዚፍ መሬት ብሓይሊ ንምምንዛዕ ተሃቂኑ። ብዘይካ’ዚ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘሕለፎ “ናይ መወዳእታን ቀያዲን” ብይን ጥሒሳ፡ ንኣስታት ክልተ ዕቑድ ዝኣክል ብዘይሕጋዊ ወተሃደራዊ ጐበጣ መሬት ኤርትራ ክትሕዝን ብተደጋጋሚ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታት ክትከፍትን ፈቒዱላ እዩ። ሓይልታት ምዕራብ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ኢትዮጵያ ትፍጽሞ ዝነበረት ጥሕሰታት ሕጊ ምዂናን፡ ነቲ ንሳ ተካይዶ ዝነበረት ተጻብኦን ምትንዃላትን ይድግፉ ነይሮም። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ወያነ (TPLF) ከም መሓዛ ምዕራብ ተወሲዳ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ባጀታውን ዓይነታውን ናይ ወጻኢ ደገፍ ተቐቢላን ዕዳኣ ተሰሪዙላን እዩ።
እቲ ዝበኣሰ፡ ብትእዛዝ ሓይልታት ምዕራብን ዞባውያን ልኡኻቶምን፡ ብዘይ ጭቡጥ መርትዖ ናይቲ ዝቐርብ ዝነበረ ጠቐነን ክስታትን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሓደገኛን ቀጻዕን እገዳታት ምትግባሩ እዩ። እዚ ተጻባኢ ስጕምትታት’ዚ፡ ነቲ ኤርትራ ተካይዶ ዝነበረት ሃገር ናይ ምህናጽ ጻዕርን ዞባዊ ዝምድናታት ናይ ምዕዛዝ ተበግሶን ዓንቂጽዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተጻባኢ ተግባራት እውን ከምዝስዕርር ገይሩ እዩ። ዝቐረበ ክሲታት ሓሶት ምዃኑ ድሕሪ ምቅልዑ እውን እንተኾነ፡ እገዳታት ንሓያለ ዓመታት ክጸንዕ ምውሳኑ፡ ንኤርትራ ናይ ምድራትን ናይ ምቁጽጻርን ዓቢ ኣጀንዳ ዘንጸባርቕ ደኣ’ምበር፡ ንሓቀኛ ሰላምን ርግኣትን ዝዓለመ ከምዘይነበረ ግሁድ ይገብሮ።
ክንዮ ፖለቲካዊ ጣልቃ ምእታው፡ ኤርትራ ግዳይ ዘየቋርጽን ዝተወሃሃደን ናይ ሚድያ ዘመተ ክትከውን ተፈሪዳ እያ። እዚ ከኣ፡ ነቲ ኣብ’ዚ ዞባ ዘሎ ቀንዲ ምንጪ ናይ ግርጭትን ዘይርግኣትን ኣጸልሚትካ፡ ንኤርትራ ንምክፋእን ንምስይጣንን ዝተዓለሰ ውዲት እዩ።
መትከላዊ መርገጺ ዝውሰደሉ ግዜ ሕጂ’ዩ
ሎሚ፡ ንቀይሕ ባሕሪ ከቢቡዎ ዝርከብ ቅልጽምካ ናይ ምርኣይ ሓፍ-ሓፍን ብኡ መጠን ዝንህር ዘሎ ወጥርታትን፡ ንዞባዊ ርግኣት ሓደገኛ ስግኣት ፈጢሩሉ ይርከብ። ስለዚ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ መትከላዊ መርገጺ ወሲዱ፡ ነቲ ነዊሕ ዝታሪኹ ፍሽለት ክእርም ዝጅምረሉ ግዜ ሕጂ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ኣብ ክንዲ ሓቅነትን ጭብጥን ዘይብሉ መግለጺታት ምውጻእ፡ ወይ’ውን “ንክልቲኡ ወገን” ማዕረ ዝርኢ ቀልዓለማዊ መርገጺ ምሓዝ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ነቶም ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕሱ ዘለዉ፡ ነቶም ስግኣታት ዘጐሃህሩ ዘለዉ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ካልኦት ሃገራት ስግኣት ዝፈጥሩ ዘለዉ ወገናት፡ ብዝሓየለን ብዘየወላውልን መገዲ ክኹንኖም ይግባእ። እቲ ምንታይ፡ ፍትሕን ሰላምን ክንዮ’ዚ ዝጠልቦ ነገር ስለዘየልቦ።