ሓሶትን ሓቅን ንቕድድም ምስ ቀረባ፡ እታቀልጢፋ ንጉያ ትብገስ ሓሶት'ያ። ኣብቲ ሓስያ ከትቦጽሖ ትደሊ ዕላማ ከይበጽሔት ላህሊሃን ደኺማን ራዕ ኢላ ወዲቓ ትተርፍ። ሓቂ ግን ክሳብ ትልህልህ ወይ ትደክም ኣይትጎይን'ያ። ነቲ ትደልዮ ከም ትበጽሖ ተኣማሚና'ያ ትብገስ። ሽቶኣ ብልክዕ ትወቅዕ። ርሑቕ ከይከድና ነዚ ዝኸውን ብቁዕ ኣብነት ኣሎና። ኢትዮጵያን ኤርትራን። መንግስቲ ኤርትራ ንዝወጠኖ ውጥን ኣብ ሽቱኡ ንምብጻሕ ተዓንቂፉ ኣይፈልጥን። ብዘጋጥምዎ ብድሆታት ክደናጐ ይኽእል። ከይተዓወተ ግን ኣይተረፈን። ምኽንያቱ መበገሲኡ ሓቂ ስለ ዝኾነ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን በንጻሩ'ዩ። ሓሶት ክዝርግሑን ተዓንቂፎም ክወድቁን ናይ 3000 ዓመት ዝብልዎ ግድፍና፡ ናይ ክልተ ዎሎዶ ዘቕጸረ ግዚ ምስ እንምልከት ውጺኢቱ ብሩህ ኮይኑ ንረኽቦ። በምሓርኛ ዝምሰል ምስላ ኣሎ። "በሳር የተገነባ ቤት፡ ባለ ቤቱን ሳይገባው ይፈርሳል" ዝብል። ጉራን ጃህራን ፈኸራን ሓሶትን ኣቢይ ኣሕመድ ነዚዩ ዝገልጽ።