Dehai News

ፖሎቲካ ብልጽግና ኣርትፍሻል።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Friday, 30 May 2025

ጉያጉያ ብልጽግና ካብ ፖሎቲካዊ ሹርሙጥና ሓሊፉ ብርጌድ ንሓመዱ ኣዕጥቕካ ኣፍደገ ባሕሪ ወደብ ዓሰብ ክትረክብ ምሕሳብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ምዝንጋዕን፡ ሓድነት ኤርትራውያን ዘይምምባብን ዘንቀዶ ሃላሊ ምንዮት እዩ። ኣቦ ወንበር ብልጽግና ዶ/ኣብይ ኣሕመድ ባዕሉ ዝመስከሮ ቅዝፈት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ዶብ ምርስዑ ካብ ብልጭልጭ ዝፈቱ መራሒ ምዃን ሓልዮት ህዝቢ የብሉን። ቆልዓ ጥራሕ'ዩ ምስ መንነቶም ዝተደናገሮም ብርጌድ ንሓመዱ መኺሩ ሰላም ክዘርግ ዝደሊ። መንግስቲ ኤርትራ ምስ ጎረባብቱ ይትረፍ ምስቶም ንልዕሊ 100 ዓመት ዝበደልዎ ሰላም ምስ ጸውዔ እዩ። ብልጽግና'ውን ንሰላም ተሓቲቱ ተሓሲሙ እዩ።  መንግስቲ ኤርትራ ሃሊሉ ንዝመጽእ ዳግማይ ክሓስብዩ ዝመክር። ኣይትሓዙኒ እንተኾይኑ እቲመልሲ ግን ሻዕብያ ዋዛ ኣይኮነን መዔገሲ ፈውሲ ኣለዎ።  





ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events