መሪሕነት ኣመሪካ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓበይቲ ውሽጣዊን ዓለማውን ጉዳያት ተጸሚዱ ከም ዘሎ ብምእማት ድማ፡ "ኣብዚ ሕጂ ብዙሓት ኵነታት እናሓለፉ ይኸዱ ኣለዉ፤ ናይ ዩክረይን ኣሎ ዘይተወድአ፡ ናይ ቻይና ኣይተወድአን ኣሎ። ናይ ፓናማ፡ ግሪንላንድ፡ ካናዳ - እዞም ክድርበዩ ዝጸንሑ ባሎናት ወዲኦም ኣለዉ። ከምዚኦም ባሎናት ንፋስ እናወሰዶም ምስ ከደ፡ ኵሉ ነገር ናብ ምርግጋእ ምስ መጽአ፡ ብድሕሪኡ ኮፍ ኢልና ክንረዳዳእ ኢና፡" ኢሉ።
ኣጠማምታን ፖሊስን ኣመሪካ እውን ኣብዚ ዞባታት ዘለዎ ጽልዋ ክቕየር፡ ከመዓራረ ኣለዎ ብምባል ድማ፡ እዚ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሉ ዝምልከት ምዃኑ ኣመልኪቱ።
እዚ ድማ እቲ ኤርትራ ምስ ካልኦት፡ "እተካይዶ ዘላ ጽምዶታት ኣዛሚድና ነዚ ጐደቦና ዘርብሕ ክኸውን ክንሰርሕ ኢና፡" ኢሉ።
"ነቲ ናይ ኣፍሪቃ ጉዳይ ከም ቀዳምነት ናይ ቀዳምነት ክስርሓሉ ዘለዎ'ዩ፣ ካብኡ ናብኡ ናብ ጎደቦና መጺእና ናይ ጎዶቦና ኵነታት ክንዛረብ ክንክእል ስለ ዘለና፡ ኣብቲ ቀጻሊ ከም መኣዝን ናይ ፖለቲካ ሒዝና ንሰርሓሉ፣ ኣብ ኣቀራርባና ይዅን ኣተሓሕዛና ናይቶም ጉዳያት ብስምዒት ብባህጊ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብተጨበጥትቲ ፕሮግራማት ክንሰርሓሎም ዘለና ጉዳያት'ዮም። እዚ ከኣ ዓበይቲ ብድሆታት እንብሎ ንዘመንናን ነዚ ከባቢናን ዝጸሉ ዘሎ'ዩ፡" ክብል ተሰሚዑ።
ኣተሓሒዙ፡ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዞባ ብሓፈሻ ብሰንኪ ዝተኸተለቶ "ግጉይ" ዝበሎ ፖሊሲታት ዝሰዓበ ዕንወት፡ "ምዝጉብ ዳታ ኣሎና፡" ኢሉ።
ከም ዝፍለጥ ኤርትራ ነዊሕ ዝጸንሐ ዝሕቱል ዝምድና ምስ ኣመሪካ እዩ ዘለዋ። ሕጂ ግን ኣብ 2026 ሓድሽ ጽምዶ ክትጅምር ምዃና እቲ ፕረዚደንት ኣተንቢሁ።
4) ኢትዮጵያን 'መስኮት ባሕሪ'ን
ኣብቲ ቃለመሕትት፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያን ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ጉዳይ ዝለዓለሉ ዘሎ ኵነታት ኢትዮጵያን ምስኡ ዝዛመዱ ዛዕባታትን'ውን ሰፊሕ ምላሽ እዩ ሂቡ። ብቐንዱ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ መግለጺታት፡ "ናይቶም በሃልቱ ኣጀንዳ ኣይኰነን፡" ክብል ንታሪኻዊ ነጥቢታት ጠቒሱ ኣስሚሩሉ።
ነቲ ኢትዮጵያ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝጸሓፈቶ፡ ንናይ ኲናት ምድላዋት ኤርትራ ዝምልከት ደብዳበ፡ ዕሸላውን ስለበጣን እዩ ብምባል፡ ኢትዮጵያ ንባዕላ ንዂናት ትዳሎ ከም ዘላ ኣመልኪቱ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ ድማ እቲ ኣብታ ሃገር ይዅን ኣብቲ ዞባ ሰፊኑ ዝነበረ ተስፋን ባህግን ስለ ዝበነነ ካብኡ ንምህዳም ተባሂሉ ዝተፈጥረ ኵነታት እዩ ክብል ገሊጽዎ።
ነቲ ደብዳበ ዝምልከት ካብ ዋና ጸሓፊ ኣንተንዮ ጉተረዝ እንታይ ምላሽ ተዋሂቡ ብዘየገድስ፡ "እቲ ሰብ ዝሰምዕ'ውን እዝኑ ይዀዅዮ ክኸውን ኣለዎ እዚ ዘረባታት'ዚ። ዕሸላዊ'ዩ፣ ህጻን ከምኡ ገይሩ ይዛረብ'ዩ ኢልካ ኣይትሓስብን ኢኻ። ቀዳምነት ናይ ቀዳምነት ኰይኑስ፡ ብሰልበጣ፡ ብሓሶት፡ ብዝዀነ ነገር ምሂዝካ ኣምጺእካ ናብ ዋና ጸሓፊ መልእኽቲ ክሳብ ክንዲ'ዚ ምጽሓፍ መድለየ? ነዚ ሓሶት'ዚ፡ ርካሽ ሓሶት፡" ኢሉዎ።
ኢሳይያስ ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ "ቅልውላዋት" እውን ዘርዚሩ። ነዚ ኢትዮጵያ ከተካይዶ ትደሊ ዘላ "ኲናታት" ንምጕልባብ እዩ ብምባል፡ ከምዚ ዝበለ ኵነታት፡ "ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ'ውን ኣይፈልጥን እዩ፡" ኢሉ።
እቲ ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝተሓሓዝ ነቲ ኢትዮጵያ፡ "ኣመሪካ ኣብ ጐድንና ኣላ..." እናበልካ ዝወሃብ መግለጺታት ሓቅነት ከም ዘይብሉ'ውን እቲ ፕረዚደንት ኣሚቱ።
"መስኮት ባሕሪን ሓይሊ ባሕሪን ዝስማዕ ዘሎ ዘረባታት ዝጸንሐን ናይቶም ዝዛረብዎ ዘለዉ ጉዳይ'ውን ኣይኰነን፡" ብምባል ድማ እዚ ጉዳይ፡ "ፕረዚደነት ኢማራት ዘካይዶ ዘሎ ውልቃዊ ዕንደራ፡" ምዃኑ ጠቒሱ።
እቲ ጉዳይ ንዅሉ ኣብዚ ዞባ ዘሎ ወደባት ንምቍጽጻር፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ የመን ካልእ ዝግበር ዘሎ ምትእትታዋት ምስ ኢማራት ዝተሓሓዝ ምዃኑ'ውን ኣመልኪቱ። እዚ ጉዳይ ብሓፈሻ ናይተን ኣብዚ ዞባ ሓያላት ኢና ዝብላ ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ኢድ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኢድ ትካላት ስለያ ኣመሪካን ዝሓወሳሉ እዩ እውን ኢሉ።
"ናይዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ኣጀንዳ ኣይኰነን፡" ብምባል፡ "ሓደገኛ ሳዕቤን ከምጽእ ይኸልል እዩ፡" ብምባል ድማ እዚ ጉዳይ ኣብቲ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ትገብሮ ዘላ ጽምዶ፡ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሃገራት እስያን... ብቐንዱ ንርግኣት እዚ ከባቢ ወሳኒ ስለ ዝዀነ፡ "ከነልዕሎ ኢና፡" ኢሉ።
5) ጐደቦ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገሩ ምስ ኵሎም ጐረባብታ ኣድማዒ ጽምዶ ብምግባር ርጕእ ዞባ ክፍጠር ትሰርሕ ከም ዘላ ኣመልኪቱ።
እቲ ኣብ ዞባዊ ውህደት ክፈጥር፡ ነቲ ኣብ ፈለማ 1990ታት ዝነበረ ባህጊ ከም መካኒዝም ዝተፈጥረ ኢጋድ "የሎን" ኢሉ። ብተመሳሳሊ ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ኣድማዕነት ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
ኣብዚ ቅንያት ምስ ቢቢሲ ፍሉይ ቃለመሕትት ዝገበረ ገዲም ዲፕሎማሰኛ ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ፡ ንኢጋድ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢጋድ ብዘይካ ኣብ ፈለማ 1990ታት ዝዀነ ሓባራዊ ስጕምቲ ወሲዱ ከም ዘይፈልጥ ሓቢሩ ነይሩ። እተን ቀንዲ ደፋእቲ ናይቲ ውድብ ዝነበራ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኲናት ምስ ኣተዋ [1998-2000]፡ እቲ ናብ ሓድነትን ምትሕብባርን ከምጽእ ተስፋ ዝተነብሮ ውድብ ከም ዝተዳኸመ ገሊጹ እዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ መግለጺኡ፡ "ብሽም ኢጋድ ክፍጸም ኣይተኻእለን? - ሽግር የሎን፣ ብሽም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣይተፈጸመን? - ጸገም የሎን። ብሽም ሕቡራት ሃገራት ኣይተፈጸመን? - ዘጸግም የሎን። ኣብ ነፍሲወከፍ ሃገር ዝመጽእ ዘሎ ጸገማት፡ ምስዚ ሕጂ እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ ሽርሕታት፡ ነቲ ሽርሕታት ኣሊና፡ ናይ ብሓቂ ምቹእ ሃዋሁን ባይታን ፈጢርና፡ ናይ ኵሉ ኣብቲ ጎዶቦ ዘሎ ተዋስኦ ከም ዝህልዎ ምግባር ዝወንዘፍ ጉዳይ ኣይኰነን። እሞ ኣነ እዚ፡ ብዘላቕነት ክንምክቶ ዘለና ጉዳይ'ዩ፡" ክብል ገሊጹ።
ብዘይካ'ዚ፡ ሱዳን ንምብትታን ዝግበር ዘሎ ዓቢይ ውዲት ከም ዘሎ ብምጥቃስ ድማ፡ ምንጻል ደቡብ ሱዳን ኣንጻር ደቡብ ሱዳናውያን ዝተገብረ ታሪኻዊ ሓደጋ ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ ሶማል ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ውድቕቲ ሃገር ንምግባራ ዓቢይ ውዲት ከም ዝተገብረ ብምጥቃስ፡ እቲ ኤርትራ ዝሃበቶ ወተሃደራዊ ስልጠና ትካላት ኣመልኪቱ፡ "10,000 ዝዀኑ ሶማላውያን ኣሰልጢንና ዓሊምና። ንምንታይ? ልኡላዊ ትካላት ናይ ሶማል ክፍጠር ምእንቲ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካ ንቕሓት ጥራይ ዘይኰነ እቲ ትካላት'ውን ንገዛእ ርእሱ ክህነጽ ኣለዎ ተባሂሉ። [ግን] በታቲኖሞ፡ ምስዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ። ነንበይኖም ብድሆታት ኣጋጢሞምና ግን ተስፋ ንቘርጸሉ ጉዳይ ኣይኰነን፡" ብምባል በቲ ክሳብ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ውዲታት ግን፡ "ተስፋ ኣይንቘርጽን፡" ኢሉ።