Dehai News

ልዕሊ መንግስቲ ንህዝቡ ዝሓሊ የለን።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Wednesday, 17 September 2025

ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቡ ዝሓሊ ካልእ ኣካል ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ክልተ ኢድካ ዘርጊሕካ ትኳቦ ምጽባይ እዩ።  ውጺኢት ምጽወታ ኢድካ ጠሚሩ፡ እግርኻ ሓሊኹ፡ ኣእምሮኻ ደፊኑ፡ ኣፍካ ሎጒሙ፡ ከም ሕሱር ንብረት ዓዳጋይ ዝሰኣነ ቀንፈዛው ይገብረካ።  ካብዚ ዝኸፍእ ሕፍረት የለን።  ህጻን ቀዳሞት መማህራኑ ወለዱ እዮም። ካብ ብንእሽቱኡ ነብስኻ ናይ ምኽኣል ኣብነት እንተ-ዘየስኒቕካዮ ዝበዝሐ ዕድሉ ናትካዩ ዝስዕብ። ማለት ጻዕራም እንተኔርካ ጻዕራም ናይ ምዃን ዝለዓለ ተኽእሎ ኣለዎ። ተጸባያይ እንተኮንካውን ዝለዓለ ናይ ምጽባይ ተኽእሎ ኣለዎ። ኤርትራዊ ኮንካ ምዕባይ ዓቢ ጸጋ ኣብ ካልኦት ኣህዛም ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ዝርኤዩ።  ነቲ ዘሎና ኩቡር ጻዕራም  ባህሊ ኣብ ኢድካ ዘሎ "ወርቂ ዳርጋ ጨርቂ" ከይንገብሮ ንጠንቀቕ።

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events