Dehai News

ዓይኒና ብዘይ ሓገዝ ክንርእዮ ዘይንኽእል ነገር ንዓና ኣይንርኣየናን እየን

Posted by: Yonatan Math

Date: Thursday, 08 January 2026

ዓይኒና

ኪኖ ምርኣይ፡ ዓይኒ እንታይ ትርእዮ፡እንታይ ትስእኖ ብዙሕ ግዜ ደቂ ሰባት ንዓለም ብሓሙሽተ ህዋሳት ማለት ምርኣይ፡ ምስማዕ፡ ምትንኻፍ፡ ምጥዓምን ምሽታትን ከም ዝረኽባ ንመሃረና። ካብዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ምርኣይ ከም ዝሓየለ እዩ ዝቑጸር። ብዓይንና ኣቢልና ነንብብ፡ ንመሃር፡ ንጓዓዝ፡ ንጽባቐ ነለልዮ፡ ኵንነት ድማ ንትርጉም። ራእይ ንዓለም ብኸመይ ከም እንርድኣ ይቐርጻ።

ሎሚ ግን ኣብ ጽቡቕ ባህሪ ዓይኒ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ድሩትነቱ እውን ከድህብ እደሊ።

ብስነ ፍልጥት መዳይ፡ ዓይኒ ወዲ ሰብ ዜደንቕ እዩ—ግን ምሉእ ኣይኰነን። ኣዒንትና ንሓደ ጸቢብ ብርሃን [ባንድ ናይቲ ኤሌክትሮማግኔቲክ ስፔክትረም] ጥራይ እየን ክርድኣ ዝኽእላ፣ እዚ ድማ ዝርአ ብርሃን ኢልና እንጽውዖ (400 - 700 terahertz (THz) Frequency ~ ካብ 400 ክሳብ 700 ናኖሜተር ዝቑመቱ ኮይኑ፡ ብዝርአ ብርሃን ዝፍለጥ እዩ።)

ኪኖ እዛ ንእሽቶ መስኮት እዚኣ ሰፊሕ ኵንነት ኣሎ፥ ትሕተ ቀይሕ፥ ኣልትራቫዮሌት፥ ማዕበል ሬድዮ፥ ራጂ ኤክስ፥ ከምኡውን ጨረርታ ጋማ። እዞም ፍሪኩዌንሲታት እዚኣቶም ናይ ብሓቂ፡ ዝዕቀኑን ሓያላትን እዮም፡እንተኾነ ግን "ብዘይ ሓገዝ ንዓና ኣይንርኣየናን እዩ"።

እዚ ኣገዳሲ ሕቶ የልዕል፤ ካብቲ ኣዒንትና ዝረኣዮ ንላዕሊ ክንድዚ ዝኣክል ነገር እንተሃልዩ፡ ክንደይ ክውንነት እዩ ዝጎድለና ዘሎ?

ምዕባለ ደቂ ሰባት ወትሩ ካብ ተፈጥሮኣዊ ደረት ንላዕሊ እንርእየሉ መገድታት ምስ ረኸብና እዩ ዝስጉም።

ምርኣይ ብዛዕባ ዓይኒ ጥራይ ኣይኮነን- ብዛዕባ ምርዳእ እዩ። ንምርዳእ ድማ ጻዕሪን ፍልጠት ንምድላይ ድሌትን ኪኖ እቲ ብኡንብኡ ዝርአ ድልውነትን የድሊ።

እቲ ክንርእዮ ዘይንኽእል ነገር ዘይነበረ ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ከመይ ጌርና ከም እንርኢ ክንመሃር ጥራይ እዩ ዝጽበየና።

ኣብ መደምድምታ ንዓይንና ዝሕግዝ ንገለ ሸነክ ንናይ ቁጠባና ንምሕያል ገለ ገለ ንኣሽቱ ነገራት ኣታ ኣታቲና ነንጥቀመሎም ቁሩብ ሓጋዚ ምኮነ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። 

Thank you 
Yonatan 
Yonathanmath@gmail.com 


ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events