Dehai News

ዝኽሪ ተጋዳላይ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Wednesday, 21 January 2026

ዝኽሪ ተጋዳላይ፡
ዝኽሪ ሕሰምን መከራን፡
ዝኽሪ ጻዕርን ድኻምን፡
ዝኽሪ ስእነትን ድኽነትን፡
ዝኽሪ ጽምእን ጥሜትን፡
ዝኽሪ ዕርቃንን ስእነትን፡
ዝኽሪ ምስትንታንን ናፍቖትን፡
ዝኽሪ ቁርን ቀዝሕን፡
ዝኽሪ ሃሩርን ሙቖትን፡
ዝኽሪ ሃረርታን ተስፋን፡
ዝኽሪ ውግእን ቶኽስን፡
ዝኽሪ መውጋእትን መስዋእትን፡
ዝኽሪ ዓወትን ነጻነትን፡
ዝኽሪ ሰላምን ቅሳነትን፡
ዝኽሪ ምህናጽን ልእላውነትን፡
*እዚ እኳዩ ዝኽርታት ተጋዳላይ።
24 ሰዓታት ከይደቀሰ፡
24 ሰዓታት ከይበልዔ፡
24 ሰዓታት ከይሰተ፡
24 ሰዓታት ብቁሪ ከርዲዱ፡
24 ሰዓታት ብሙቖት ነዲዱ፡
24 ሰዓታት ከየዕረፈ ተጓዒዙ፡
*ብመውጋእቱን መስዋእቱን ዓወት ዘበሰረ ፍጥረት እኳዩ ተጋዳላይ።
ዝሓለፉ ሰማእታትና፡
ዝሰንከሉ ሓርበኛታትና፡
ኣብ ሪሙ ዝጸንዔ ህዝብና፡
ደኺመ ከይበለ ዝቃለስ ዘሎ ሰራዊትና፡
ሃገር ዝመርሕ ዘሎ መንግስትና፡
ክብርን ሞጎስን ንኹሉም።

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events