Date: Sunday, 08 February 2026
ዝኾነ ኤርትራዊ ናይ ሕልና ዕዳ ከም ዘለዎ ዝርስዕ እንተኾይኑ ምሉእ ጥዕና ኣለዎ ክበሃል ኣይካኣልን።
ናይ ሕልና ዕዳይ እንታይ ማለትዩ ኢሉ ዝሓትት እንተሎ፡ ንኤርትራ ዝተኸፍለ መስዋእትነት ዝዘንግዔ ማለት'ዩ። ናይ ሕልና ዕዳይ ብኸመይ ኣገባብ ክኸፍሎ ይኽእል ዝብል/ትብል ናይ ለባማት ሕቶ'ዩ። መልሱ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
1) ኣብ ዓላማቶም ንስለ ነጻነት ሃገርን ህዝብን ዝተበጀዉ ሰማእታት ምእማን።
2) ልእላውነት ሃገር ንከይድፈር ምስቶም ጸኑዖ ዝቃለሱ ብመንፈስ ብሓሳብ ብተግባር ደው ምባል።
3) ነቶም ስድራ-ቤት ሰማእታት ኣብ ጎንኹም ኣለና ኢልካ/ኢልኪ ተስፋ ምሃብን ተግባራዊ ተሳትፎ ምብርካትን።
4) ነታ ዝተሰዉኡላ ሃገር ቁስላ ንምፍዋስ ሕጋዊ ዝኾነ ክልተ ካብ ሚእቲ (2%) ምኽፋል።
5) ህዝቢ ዝፈላሊ ብደገ ይኹን ብውሽጢ ዝፍልሰፍ ሕሱር ፖሎቲካ ብስጥመት ምምካቱ።
6) ካብ ትሕተ ሃገራውነት ነጻ ብምዃን ኣብ ኣነ ዘይኮነ ንሕና፡ ንዓይ ዘኮነ ንዓና፡ ናቶም ዘይኮና ናይኩልና፡ ዝብል መንፈስ ሒዝካ ምጉዓዝ።
7) ሃገር ከም ቤት (ገዝ)፡ መንግስቲ ከም ስድራ (ኣቦን ኣደን) ህዝቢ ከም ደቂታ ስድራ ምርኣይ። ከምቲ ዉሉዳት ነወለዶም ዝምእዘዘ፡ ዜጋታት ንመንግስቲ ክእዘዙ ይግባእ። ንወለድና ዝስምዓና ወይ ዘድልየና ንሓቶም። ዝህቡና መልሲ ንዕገበሉ ኣይንዕገበሉ ነኽብሮ። ንደቆም ጽቡቕ ዘይሓስቡ ወለዲ ኣለዉ እለ ስለ ዘይኣምን። ብከምኡ መንፈስ ንመንግስቲ ንሕተት፡ ብዝህበና መልሲ ከኣ ንዕገብ። እዚ ምስ ንገብር ዘሎና ዕዳ ሕልና ንኸፍል ኣሎና ማለትዩ። ኣባይና ሕልንኡ ይውቀሶ.
ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ።