Dehai News

፡ብልጽግና ሰልፊ ሕስድና

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Friday, 13 February 2026

*ብልጽግና፡ ሰልፊ ሕስድና*
ስልፊ ብልጽግና ስሙን ተግባሩን ተጻረርቲ፡ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ሰልፊ፣ በየናይ መለክዒ ብልጽግና ክበሃል ይኽእል? ብልጽግና ማለት እኮ ክንዮ ሃብቲ፡ ሰላም፡ ቅሳነት፡ ርግኣት፡ ብሩህ ተስፋ፡ተሪር እምነትን ፈሪሃ እግዝኣብሄር ዘለዎ ንጽቡቕ ተግባር ዝዕጠቕ ማለት'ዩ። ብልጽግና ነዚታት ዘንጸባርቕ ሓሳብ ይኹን ተግባራት የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክልላት ነንሕድሕደን ከፋልሰን ዝተዓጥቀ ሰልፊ እዩ። ንዑኡ ዝምጥን ስም ‘ሰልፊ ሕስድና’ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝገብሮ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ከይኣኽሎ፡ ምስ ጎርባብቲ ሃገራት የሕድሩዎ ዘሎ ቅምታ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዓንከል ጽልኣት የትዩዎ ይርከብ። ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ዘይተኸፍተላ ክልል ኣበይ ኣላ? ውግእ ፍጡራት ዘህልቕ፡ ብሕማም ዘማስን፡ ስእነት ሰላም ዘዕቢ፡ ብጥሜት ዝቀትል፡ እንታይ ዓይነት እሞ ኣብ ኢትዮጵያ ዘየለ።
*እቲ ዝገደደ ነዛ ዓባይ ሃገር ሱዳን ፈታው ሰላም ዝኾነ ህዝባ ቀሲኑ ከይነብር፡ ንሓይልታት ኣሸበርቲ ዳዓም ኣልሰሪዕ ( ققوات الدعم السريع ) ደጊፉ ሱዳን ንምፍራስ ካብታ ቀንዲ ንዞባና ንምህዋኽ ተዓጢቓ ዘላ ኢማራት ዝልኣኽ ሎጂስቲክ (ኣጽዋር) መተሓላለፊት ኮይና ዘላ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ምስ ህዝቢ ሱዳን ኲናት ከም ዝወልዔት እዩ ዝሕብረና። እዚ ኩሉ ናይ ብልጽግና ሸበድበድን ምምብራኽ ኣብ ኢማራትን ምስ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት ኣብ ነውጺ ኣእቲኻ ነታ ብሓድነታን ጽንዓታን ቀዳማይ ቦታ ሒዛ ዘላ ሃገርና ኤርትራ ኣጻቢብካ ከተጨንቓ ምፍታን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ነቶም ብሕልና ዕሩባት፡ በተሓሳስባ ድፉናት፡ ብትውልዲ ቅልውላው ዘለዎም፡ ገለ ትሕቲ ሃገራውነት ዝተሰርዑ ዝሩጋት መዓንታ፡ ኣብ ኤርትራ ውልቀ መላኺ ኣሎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ባርያ ኣገልጋሊ ህግደፍ ዝብሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ጸረ ሃይማኖት እዩ እናበሉ ፖሎቲካ ሓሶት ነዚሖም ብትዃቦ ዝነብሩ ምስ ጉልቦቶም ዓቕሞምን ከለዉ ዝለመሱ፡ ብልጽግና ጽምዶ ክኾኑዎ ዝሓሰበም ፈሳማት፡ ተስፋ ስለ ዝሰኣነሎም ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕናስ ምስ ሃገርና ኢሎም ተስፋ ዘቕረጹዎ ሓደ ክልተ ልቢ ዝገበሩ እውን ሃንደበት ቃንዛ ስለ ዝኾኖ ዝወሰዶዎ ምርጫ ንሰልፊ ሕስድና ናብ ግብኣተ ሜረት ከእትዎ ዝተረፎ የለን። ሙልእ ዓወት ንሰራዊት ሱዳን፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸዚኑ ዝነበር ኣጽዋር ቁልጡፍ ሓገዝ ሓይልታት (قوات الدعم السريع) ዕንወት ስለ ዘውረዱሉ፡ ብልጽግና ብመዓንጣ ከም ተሓንቀት ደርሆ የንፈጥፍጥ ኣሎ።
*ካልእ ንብልጽግና ኣእሙሩኣ ዘንጸራርዋ ዘሎ፡ ምትሕብባር ኣሜርካ ከም ቀደም ጥቡቅ ዘይምህላው’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን መርገጽ ኣሜርካ በለጽ ዝሓዘ ኮይኑ ኣሎ። ንኢትዮጵያ ከም ቀደማ ሙሉእ ደገፍ ክትገብረላ ኣይትርኤን ዘላ። ምናልባት ብተላኣኽታ ጌራ ምሕጋዝ ኣይተርፍን ይኸውን፡ ግን ጉሁድ ከም ቀደም ኣይመስልን። 1) ሓይልታት ፋኖ ብፍጥነት ይምርሽ ስለ ዘሎ ኩነታት ብርግጽ ኣበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝሕብር ኮምፓስ የብላን ። 2) ኩነታት ትግራይ መዕለቢኡ ስለ ዘይተፈልጠ። 3) ጽምዶ ኤርትራን ትግራይን ኣብ ልዕሊ ብልጽግና ራዕዲ ስለ ዝፈጠረ። 4) እቲ ዝዓበየ ግን ጽልዋ ኤርትራ ዋላ ነተን ሃብተን ተተርኢሰን ረጥ ኢለን ደቂሰን ዝነበራ ጎረባብትን ማሓዙትን ሃገራት ንመሰለንን ክብረንን ጸጥታኤንን ክከላኸላ መንግስቲ ኤርትራ ስለ ዘበራበረንን፡ ኣብ ሞንጉኤን ሓድነታዊ ስምምዕ ክገብራ ስለ ዝኽኣላን እዩ። ኣብ ዞባናን ዞባ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ኩነታት ንኣሜሪካ ዝብድህ ስለ ዝኾነ። ግን ኣሜሪካ ምስዚ ኩሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበራ ተስፋ ምቕሃሙ፣ ርእሳ ምስ ሜሬት ከም ጠበቕ ኣጥቢቓ ትብለጸሉ ዕድል ከተማዕዱ እያ። ምኽንያቱ ኣብታ ሃገር ዘፍሰሰቶ ናይ ነዊሕ ዓመታ ንዋይ (ገንዘብ)፣ ኣዝዩ ግዙፍ ስለ ዝኾነ እታ ሃገር ተሸይጣ ከትከፍሎ ዘይትኽእል ዕዳ'ዩ ተኾሚሩ ዘሎ። ብዝኾነ መልክዕ ክምለስ ዘይከኣል፡ ስለ ዝኾነ ኣይክትርሕቃን ክሳብ ረብሕኣ ንምርግጋጽ ዕድል ትረክብ ብዘይርኤ ባላ ክትድግፋ እያ። መግረፍቲ ሱዕድ ዓረብ ንኢማራት ካብ የመን ክትሃድም ዝገበረ ተርእዮ ኣብ ዞባና ዘበርከቶ ኣወንታዊ ኣስተዋጽኦ ኣዝዩ ክምስገን ዝግብኦ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንኣሜርን ካልኦት ሓያላን ሃገራት ንሱዑዲ ዝዝውርኣ ዝብአራ ብምጉርዳዕ ማይ ዘይዕገስ ሕቕታ ገሩለን ኣሎ። እዝውን ንገዛ ርእሱ ሓይሊ ሓያላን ይዳኸም ከምዘሎን፡ ኣብ ከደምተን ዝነበረን ተስፋ ይበንን ምህላዉን ተረዲኤንኦ ኣለዋ።
*ሓደ ከም ኤርትራውያን ኣዝዩ ዘሕብነናን ብጣዕሚ ክንኮርዓሉ ዝግብኣናን፣ ኣብ ሞንጎ መንግስትን ህዝብን ሱዳን ብመንግስትና ዝግበር ዘሎ ደገፍ እዩ። ህዝብ ሱዳን ኣብ ጎንና እንተዘይነብር፡ እቲ ሓደሓደ ሓጎጽጎጽ ብቀዳሞት መራሕቲ ሱዳን ዝነበረ ገዲፍና ህዝብና ኣበይ ምትዓቖበ። መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ግን ንሕማቕ ግዜ ኣይርስዖን'ዩ። ኣብ ሕማቕ ግዜ ዋላ ትንኣስ ጽቡቕ ዝገበረልካ ዕጽፍትታ ገርካ ምኽሓስን ምምስጋንን፣ ኣብ ጸገሙ ብዘለካ ምድጋፍን ጭውነት ምዃኑ ጉዕዞ ፕረስደንት ኢሰያስ ናብ ፖርት ሱዳን ኣመስኪሩ እዩ። ፕረስደንት ንሃገርን ህዝብን ወኪሉ'ዩ ኣሎና ኣብጎኑኹም ዝበሎም። ብኻልእ ወገን ኣብ ኤርትራ ተሰዲዶም ዘለዉ ሱዳናውያን ከም ስደተኛታት ጌርና ዘይምርኣዮም'ዩ። ከምቲ ኩቡ ርፕረሲደንት ዝበሎ “ ንሕና ንሱዳናውያን ኣሕዋትና ከምተን ቴንዳ ዘርጊሕና ንቐይሕ መስቀል/ወርሒ ክንድዚ ብዝሒ ሱዳናውያን ሰደተኛታ ኣለዉና ብምባል ኣሳእል ዘርጊሔን ረብሕኤን ክድልባ ዝሓታ ሃገራት ኣይኮናን። ሓደ ባህልና ኣይኮነን። ካልኣይ ሱዳናውያን ኣሕዋትና ኣብ ሕማቕ ግዜ ስድራ ዝኾኑና እዮም። ብዓቢኡ ኣምላኽ ዝፈትዎ ስራሕ ኣይኮነን። ሃይማኖታትና ኮምኡ ኣየምሃረናን። ኣብ ቤትና ዝበላዕናያ ክበልዑ፡ ዝሰተናያ ክሰትዩ መርሓባ ኢልና ኢና ንቕበሎም ዝበሎ። ንሕና ኤርትራውያን ኣሽንኳይዶ ዘዕቆበና ህዝቢ ሱዳን፡ ክቐትሉና ዝመጹ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ግዜ ደርጊ በሽሓት ሚእቲታት ዝቑጸሩ ምስ ተማረኹ ማዕረ ህዝብና፡ እኳድኣ ሓኪምና ኣብሊዕና ኣስቲና ሚህርና ነጻ ምርጫ መፋነዊ ሂብና ዘፋነና፡ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ርህራሄ ዘርኤና ህዝቢ ኢና። እዚ ናይ ቀረባ ታሪኽ ኣቢይ ኣሕመድ ተጠሊዑ ምስ ጀነራላቱ ዝመስከሮ፡መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ነቲ ኣብ ሴመን ዝነበረ ሰራዊትና ብወያነ ተሃዲኑ ዶብ ሰጊሩ ሰራዊት ኤርትራ ከም ጸላኢ ዘይኮነ ከም ኣሕዋት ተቐቢሉ ሓኪሙ ኣብሊዑ ኣስትዩ ኣልቢሱ ኣዕጢቑ ዳግም ሰብ ዝገበሮም ዝበልዎ ታሪኽ ዘሎና ህዝቢ እኳ ኢና።
*እዚ ሰናይ ተግባር ኣብ ሞንጎናን ሞንጎ ሱዳንን ዝግበር ዝነበረን ዘሎን ሕውነት፣ ነቓዕ ክፈጥር ዝህቅን ሃሱስ መንግስቲ ይኹን ፖሎቲካዊ ሰልፉ፡ ወልቀ ይኹን እኩባት ሃሱሳት፡ ብዘይ ኩርማጅ ዝቐጽዕ ሓለንጊ ምዃንኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕልሊ ህዝቢ ሱዳን ጽልኢ ከም ዘይብሉ ብሩህ እዩ። ህዝቢ ሱዳውን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኮምኡ እዩ። እንተኾነ ግን ዘራጊ ከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ ከምዝብሃል፡ *ሰልፊ ሕስድናን ጀነራላቱን* ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝገብሩዎ ዘለዉ ምትኹታኽ ትዕግስቲ እንተዘይገሮም ንዓናውን ስለ ዝጸልወናን ዘገድሰናን ብቱኽረት ክንከታተሎ ግድንዩ።
*ንምጥቕላል ኣብ ዞባና ሓንቲ ሓያልን ጽንዕትን፡ ሓቀኛ ትጉህ ጻዕራም ተፋቒሩ ብሰላም ዝነብር ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኤርትራ ትበሃል ስለ ዘላትና፣ ብኻልእ ሸነኽ ጽኑዕ ብቃልስን ባህልን ስነ-ስርዓትን ተኾስኲሱ ዝዓበ፡ ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ብሰላም ክነብር ዝብጆ ዘሎ ሰራዊት ስለ ዘሎ፣ ዕድሚኡን ነብሱን ወፈፍዩ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ስለ ዘሎና ከነመስግን ይግብኣና። ሓሓሊፉ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብጹሑፍ ይኹን ብስእሊ ዝዝርጋሕ፡ ንመንግስትን ስበ-ስልጣናትን ዘጸልም ነውራም ተርእዮታት፡ ካብ ብዕሉጋት ንጽበዮ እኳ እንተኾና፡ ቁምነገር ክንጽበ ስለ ዘይንኽእል ከም ሓድሽ ተርእዮ ጌርና ክንወስዶ ኣይግብኣናን። ሪኢናን ሰሚዕናን ስቕ ክንብል'ውን የብልናን። ተደጋጋሚ ጸለመን ሓሶትን መልሲ ምስ ዘይረክብ፡ ኣርሒቖም ንዘይሓስቡ፡ ንግሩሃት ብንጽህና ዝጎዓዙ፡ ንተጠራጠርቲ ዝኣመሰሉ ሓቂ ክመስሎም ስለ ዝኽእል፡ ብዝያዳ ንተበለጽቲ ክትዓጻጸፉ ስለ ዝሕግዞም፡ ብቅርጡውን ውርዙይ ኣገባብ መልሲ ክንህብ፡ ንህዝብና ከነጉርሕ፡ ንመንእሰያትና ከነልብም፡ ነቶም ናይ ጸልማት ተንተንቲ በሃልቲ፡ ብዘይ ንሕስያ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘሎኹ፡ ብውሕሉልን ህዱእ መንፈስን፡ ፈሊጥናዮም ከም ዘሎና ከነፍልጦም ሃገራዊ ሓላፍነትና የገድደና፡ ዋላ ብሓንቲ ቃል መኸተና ከነርእዮም ኣሎና። ደጊመ ኣብ ዞባና ሓንቲ ሓያልን ጽንዕትን፡ ሓቀኛ ትጉህ ጻዕራም ተፋቒሩ ብሰላም ዝነብር ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኤርትራ ትበሃል ካብ ሃለወትና፡ ንዕቃበኣን ሰላማን ራህውኣን መንፈስናን ተግባርናን ቃላትናን ብማዕረ ተፋቒርና ንስርሓላ።
ዓወት ንሓፋሽ፡
ገብረንጉስ መስመር
ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእትና፡




++


ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events