ነውጺ ፖለቲካ ብልጽግና
ፖለቲካ ሰልፊ ብልጽግና (ሰልፊ ፖተምኪን)፡ ሕጅ’ውን ፋሽን ብዝመስል ቅዲ፡ ከም ፐንዱለም ሰዓት ኣብዘን ዝስዕባ ክልተ ጫፋት እናተላግዐ፡ ምንዋጹ ይቕጽል ኣሎ፥
1. “ልዑላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ” ብዝብል ባዕላዊ ኣምር፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ናይ ወራር ኣመትን ምትዅታዅን፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ከምዘለካ ናይ ምርኣይ ገልጠምጠምን ብሓደ ወገን፣
2. ንነብስኻ ከም ዝተወጽዐ ግዳይ ውሽጣውን ግዳማውን ውዲታት ኣምሲልካ ምቕራብ፡ በቲ ካልእ ወገን።
ኣብዚ ሳልስቲ፡ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፡ ህወተታ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብልጽግና ደጊሙ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ እዩ ኣዅዲዱ። ኣጋንኖን ፋልሶ ድራማን ንጎድኒ ገዲፍካ፡ ሓቅን ጭብጢን ኣብ ዝኾነ እዋን ዝቕየር ኣይኮነን። እቲ ዘሕዝን፥ ዘየድልን ክውገድ ዝኽእልን ወጥሪ ናይዚ ዞባ፡ ሓላፍነት ብዝጐደሎ ፖሊሲታት ሰልፊ ብልጽግና፡ እናተናኸሰ ይቕጽል ምህላዉ እዩ።
ንንጹር ስእሊ፥
1. ምስ ሱዳን ዘሎ ጉሉሕ ፍሕፍሕ፡ ከም ሳዕቤን ናይቲ ብልጽግና፡ ብትእዛዝ ገለ ግዳማውያን ሓይልታት፡ ኣብ በንሻንጉል ጉምዝ፡ ኢትዮጵያ፡ ናይ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ወተሃደራዊ መዓስከር ብምእንጋድ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ዝገበሮ ቀጥታውን ሓደገኛን ምትእትታው ዝመጸ እዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ኩሉ ዝፈልጦ፡ ዘዕለቕለቐ ሓበሬታ እዩ።
2. ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ሰልፊ ብልጽግና ምስ ሶማሊላንድ ብሰላሕታ ዝፈረሞ መዘክር ምርድዳእ እውን ካልእ ዘይሕጋዊ፡ ሓላፍነት ዝጎደሎ፡ ኣብዚ ዞባ፡ ስግኣት ዘለዓዓለ ግጉይ ስጉምቲ እዩ ነይሩ። እዚ ተግባር’ዚ፡ ንሕጋጋት ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን መሰረታዊ መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ኣብ ጉዳይ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት ብቅሉዕ ዝጥሕስ እዩ።
3. ሰልፊ ብልጽግና፡“ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ” ብዝብሎ ናይ ባዕሉ ኣምር፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመትን ፈረቓን “ብዝኾነ መገዲ፡ ወደብ ዓሰብን ገማግም ባሕሩን ምቁጽጻር” ዝብል መርዛምን ክልስተኛን ዘመተ ኣንጻር ኤርትራ ከካይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።
4. እንተ’ቲ“ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዘይተሓጐሱን ንምፍሻሉ ዝሰርሑን ሓይልታት” እናበለ ብቐጻሊ ዝጠቕሶ ጉዳይ፡ ቅሉዕ ተንኰል እዩ። ብኣመለኻኽታ ኤርትራ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ኢትዮጵያ እዩ። ምስኡ ኣተኣሳሲርካ ግዳ፡ ጌታቸው ረዳ፡ ሕጂ ዝናዘዞ ዘሎ፡ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣዋርሕ ቅድሚ ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶርያ (ኣብ ርክባት ጅቡቲን ሲሸልስን) ኣንጻር ኤርትራ ክኣልሞ ዝሃቀነ ውዲት ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ።
ብሒደት ቃላት ንምጥቕላል፡ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብልቢ ዝብህጉዎን ዝግብኦምን ዘላቒ ዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ንምርግጋጽ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ብህውቱትን ፋንታዝያውን ፖሊሲታት ሰልፊ ብልጽግና ይግዳዕ ምህላዉ ርኡይ እዩ።