Date: Saturday, 31 October 2026
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ትማሊ 30 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ምሸት ኣብ ቤተ-መንግስቲ ክረምሊን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያትን ዘትዮም።
ንተሳታፍነት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሳልሳይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩስያን ዘመስገነ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ሩስያ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድናታት ብዝበለጸ ንምምዕባል ካብ ዘለዋ ድሌት ብምብጋስ፡ ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ብሓፈሻ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ ቴክኖሎጂ፡ ዕደና፡ ሕርሻን ውሕስነት መግብን ክትሰርሕ ቅርብቲ ምዃና ገሊጹ።

ፕረዚደንት ፑቲን ኣስዒቡ፡ ሩስያን ኤርትራን ኣብ ሓያሎ ኣገደስቲ ጉዳያት ተመሳሳሊ መርገጺ ከምዘለወን ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ኣብ መድረኻት ውድብ ሕቡራት ሕቡራት ሃገራት ንሩስያ ንእትገብሮ ደገፍ ኣመስጊኑ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩስያን ምስታፉን ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ዳግማይ ምርኻቡን ዓቢ ክብሪ ከምዝስመዖ ብምሕባር፡ ሩስያ ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ እትገብሮ ክልተኣዊ ዝምድናታት፡ ብዘለዋ ገዚፍ ናይ ቴክኖሎጂን ኢንዳስትሪን ዓቕሚ መሪሕ ተራ ክትጻወት ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብድሕሪ’ዚ – ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣምባሳደር ኣብ ፈደረሽን ሩስያ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይን ዝተሳተፉሉ መኽፈቲ ርክብ፡ ዕጹው ዘተ ኣካዪዶም።
ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ፡ ምስ ሚኒስተር መጓዓዝያ – ያድሮቭ ዲሚትሪ ቪክቶሮቪች ተራኺቡ ዘትዩ።
ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብዛዕባ ክልተኣዊ ምትሕብባር ኣብ ጽላት መጓዓዝያ ብቐንዱ ድማ መሬታዊ፡ ባሕራውን ኣየራውን ትሕተ-ቕርጺ መጓዓዝያ ተዘራሪቦም።

ፈደረሽን ሩስያ ኣብ’ዚ ጽላት’ዚ ንዘለዋ ድሉብ ዓቕሚ ድሕሪ ምግምጋም፡ ምትሕብባራ ምስ ኤርትራ ከተዕቢ፣ ኩባንያታት ሩስያ ድማ በቲ ኣጥርየንኦ ዘለዋ ዓቕሚ ምስ ኤርትራ ክተሓጋገዛ ንዘሎ ድልውነት ኣረጋጊጾም።
ብወገን ኤርትራ፡ ኣብ ወደባት፡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ጽርግያን መንገዲ ባቡርን፡ ንዝነበረ ምጽጋንን ሓደስቲ ምህናጽን ኣብ ዕብየት ቁጠባ ዘለዎ ግደ ብምግዛብ፡ ምስ ኩባንያታት ሩስያ ተሓባቢርካ ምስራሕ ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ተገሊጹ።