ጭንቀት ሰልፊ ‘ፖተምኪን’ ይዓርግ ኣሎ
ኩነተ-ኣእምሮ ናይዚ ብቕብጸት ተስፋ፡ ዘሎን ዘየሎን እርይ ቁጽር እናበለ ዝህውትትን ኣብ ዓዘቕቲ ሰጢሙ ዘዕለብጥን ዘሎ ስርዓት ብልጽግና (ሰልፊ ፖተምኪን)፡ በዞም ዝስዕቡ ጉሉሓት ምልክታት ብዝበለጸ ክቃላዕ ይኽእል፥
- ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ መዓልታት፡ መራሒ ናይቲ ሰልፊ፡ ምስ ኣምሓራ ኮርፖረሽን ሚድያን (AMECO) ኦሮሞ ብሮድካስቲን ኔትዎርክን (OBN) ዝገበሮ ማራቶናዊ ቃለ-መጠይቓት፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኮረ እኳ እንተተባህለ፡ ንኤርትራ ብዝተዃቱኽ ሓሳባት ዝተጎብአ ምንባሩ፣
- ሰበስልጣን ስርዓት ብልጽግናን ምስቲ ስርዓት ምትእስሳር ዘለወን ማዕከናት ዜናን - ከም ኣገልግልት ዜና ኢትዮጵጵያ (ENA)፡ ኮርፖረሽን ፈነወ ኢትዮጵያ (EBC)፡ ኮርፖረሽን ፈነወ ፋና (FBC)፡ ኢንስቲትዩት ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ፡ ሆርን ረቪው ወዘተ. ብተብተብ ዘቕረቡዎ ንኤርትራ ዝምልከት ዓንቀጻት ወይ ናይ ቴለቪዥን ፕሮግራማት፣
ኣብቲ ቃለ-መጠይቓት፡ ብዛዕባ ዘቤታዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዝቐረበ ሓዲሽ ትረኻ፡ ብቐንዱ ንውሽጣዊ ጉዳያት ዝምልከት ደኣ እምበር፡ ምስ ኤርትራ ዘተኣሳሰር ኣይነበሮን። የግዳስ፡ ናብቲ ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን ተንተንቲ ዝህውትቱሉ፡ ንሓጺር ዝጠመተን ንናይ ርሑቕ ሓደጋ ዘይርእን ስትራተጂ ኣቲና ግዜና ከነጥፍእ ኣይንደልን። እቲ ቃለ-መጠይቓት፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ብሄራት ኣምሓራን ትግራይን ኤትኒካዊ ምትፍናን ክፈጥር ዝህቅን፡ ከምኡ’ውን ምክፍፋል ፈጢሩ ንህዝቢ ኦሮሞ ክኸስብ ዝፍትን ተንኰል ዝተሓንገጠ እዩ ነይሩ።
እቲ ንኤርትራ ብዝምልከት፡ ብማዕከናት ዜና፡ ብሰበስልጣን ኢትዮጵያን ብመራሕቲ ሰልፊ ብልጽግናን ዝተነዝሐ ስኑዕ ትረኻታት፡ ኣብ ፈጠራዊ ዓጀውጀውን ጽውጽዋያዊ ድሌትን ዝተሰረተ ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ታሪኻዊ ሓቅታትን ፍጻመታትን ፍጹም ዘይቃዶ እዩ።
ብሕጽር ዝበለ፡ ስርዓት ብልጽግና ንዕዳጋ ኣቕሪቡዎ ዘሎ ሓዲሽ ስኑዕ ትረኻታት ከምዚ ዝስዕብ እዩ፥
1.ኦሮሞ፡ ሓደ እዋን ንኤርትራ ብምውራር፡ ነቲ ብምድረ ባሕሪ ዝጽዋዕ፡ ኣብ ማእከላይ ዘመን፡ ንከበሳን ምብራቓዊ መታሕትን ናይዛ ሕጂ ዘላ ኤርትራ ዝውክል ቦታ፡ ምሉእ ብምሉእ ሒዞምዎ ከምዝነበሩ ክገልጹ ተሰሚዖም። ነዚ ንምእማን መራሕቲ ብልጽግና፡ ንመሰረት ኣልቦ ቋንቋኣዊ ምምስሳል ከም ዘየወላውል መርትዖ ኣቕሪቦሞ። ባረንቱ ምስ ቦራና ናይ ኦሮሞ፡ ሓደ መበቆል ዘለወን ምዃነን፣ እቲ ዝነውሐ ጎቦ ናይ ኤርትራ እምባ-ሶይራ ምስ ደብራ፡ ከምኡ’ውን፡ ምስ ቋንቋ ኦሮሞ ዘመሳስል ኣስማት ወይ ላህጃታት ዘለዎም ካልኦት ቦታታት ኤርትራ (ኣብቲ ቃለ- መጠይቕ፡ ኣስማቶም ብግልጺ ዘይተዘርዘሩ)፡ ምስ ታሪኽን ባህልን ኦሮሞ ኣተኣሳሲሮም ዋንነት ኦሮሞ ከምስሉዎም ፈቲኖም።
2.እዞም ናይ ቀቢጸ ተስፋ ዓጀውጀዋት፡ ሓደገኛን ዝበኣሰን ሳዕቤናት እንተ ዘየኸትሉ ነይሮም፡ ብቐሊሉ ከም ዕሽነት ክውሰዱ ዝኽእሉ እዮም።
3.መራሒ ስርዓት ብልጽግና፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ብምውራር፡ “ዋንነት ልኡላዊ ባሕሪ” ክህሉዎ ምዃኑ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብቲ ሽዑ ዝበሎ ዘሕንኽ ዘረባ፡ “ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራ ዝገልጽ ወግዓዊ ሰነድ ኣብ ቤት መዝገብ ኢትዮጵያ (ካቢነ፡ ባይቶ ወዘተ.) ክረክብ ከም ዘይክኣለ” ገሊጹ ነይሩ። ከምኡ’ውን፡ ንስለ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት “ፕሮጀክት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ” ክብል ድሒሩ ዘቕረቦ ናይ እጀታ ሕቶ ኣብ ደሴት ዳህላክን ደቡባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን እውን፡ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጃኡ ዓሪጉ ኣሎ።
4.ኣብዚ እዋን ብግብሪ ንዕዘቦ ከም ዘለና፡ ናይ ስርዓት ብልጽግና (ሰልፊ ፖተምኪን) ክልስተኛ ታሪኽን መርዛም ኣጀንዳን፡ ነቲ ፈጺሙ ዘየከራኽር ልኡላውነት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ናብ ምኽሓድ ተሰጋጊሩ ኣሎ። እዚ ብተደጋጋሚ ኣንጻር ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ትንኮያታትን ዝእውጆ ዘሎ ኲናትን፡ ብርግጽ ነቲ ኣብ 2018 ዝተኸተመን መራሒ ናይ’ቲ ስርዓት ሽልማት ኖቤል ዝተቐበለሉን፡ ኢትዮጵያ ንኣህጉራዊ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ክትግዛእን ንብይን ኮሚሽን ዶብ ከተኽብርን ዘገድድ ስምምዕ ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጻባእ እዩ።
5.እዚ ናይ ትንኮያን ኲናትን ኣጀንዳ ስርዓት ብልጽግና፡ መደናጋርን ግርምቢጠኛን ከም ምዃኑ መጠን፡ ሕጂ ድማ ስልብጥ ኢሉ ቃናኡ ናብ ናይ ርእሰ ምክልኻል እናለወጦ ይኸይድ ኣሎ። ነዚ ሓቂ ንምምሳል ከኣ፡ መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ብልጽግና፡ ንኤርትራ ከም “ብተፈጥሮኣ ውሕስነት ዘይስምዓን ከም ሃገር ህላወኣን ቀጻልነታን ኣብ ቀጻሊ ዘይምርግጋእ ናይ ኢትዮጵያ ዝምርኮስን” ገይረን የቕርባኣ ኣለዋ። ነቲ ናጽነታ ንምርግጋጽ ዘካየደቶ መሪር ሓርነታዊ ቃልሲ’ውን፡ ከም ሓደ “ንኢትዮጵያ ንምድኻም ደይ መደይ ተባሂሉ ዝተማህዘ ናይ ግዳም ውዲታዊ ኣጀንዳ” ኣምሲለን የናሽዋኦ ኣለዋ።
6.ኩሎም እዞም ግሁዳት ሽጣራታት፡ ናብ ኣዕናዊ ኲናት ዘምርሕ “ታሪኻውን ሕጋውን መጎት” ንምድላው ኮነ ተባሂሎም ዝግበሩ ዘለዉ እዮም። እቲ ሓቂ ግን፡ ኤርትራ ንዘይምርግጋእ ኢትዮጵያ ክትሰርሕ ፖለቲካዊ ውጥን ይኹን ድሌት የብላን፣ ነይሩዋ’ውን ኣይፈልጥን እዩ። ኤርትራ፡ እቲ ብዙሕ መስዋእቲ ዘኽፈላ ነዊሕን መሪርን ሓርነታዊ ኲናት’ውን እንተኾነ፡ ብሰንኪ’ቲ ኢትዮጵያ ዘበገሰቶ ናይ ምስፍሕፋሕ ጥሙሕን ንኣህጉራዊ ሕጊ ብቕሉዕ ጥሒሳ ዝፈጸመቶ ጎበጣን ተገዲዳ ዝኣተወቶ እዩ። እቲ ኣብ 1998- 2000 ዝነበረ ዶባዊ ኲናት’ውን እንተኾነ፡ እቲ ንስርዓት ደርጊ ተኪኡ ናብ ስልጣን ዝደየበ ስርዓት ኢህወደግ ንኣህጉራዊ ሕጊ፡ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብምጥሓስ ነቲ ፍጹም ክትንከፍ ዘይግባኦ መግዛእታዊ ዶባት ንምቕያር ክብል ብዝወሰዶ ስጕምቲ ዝተባርዐ እዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጸላልዩ ዘሎ ኩነተ ወጥርን ኲናትን እውን፡ ውጽኢት ናይቲ ስርዓት ብልጽግና ዝኽተሎ ዘሎ - ንኤርትራ ናብታ እኖ-ሓጎኣ ዝብላ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስን ናይ ምዕብላልን ግጉይ ፖሊሲታት እዩ። እቲ ኣብ 2024 ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተሞ ዘይሕጋዊ ናይ ምርድዳእ መዘክር፡ እቲ ንሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ንምሕጋዝ ክብል ብትእዛዝ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝደኮኖ - እቶም ሱዳናውያን ተቓወምቲ ዝግልገልሉ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ ከምኡ’ውን እቲ ኣንጻር ኤርትራ ብዘይ ምስልካይ ብቕሉዕ ዘስምዖ ዘሎ ናይ ኲናት ምጕብዕባዕን ዘርእዮ ዘሎ ወተሃደራዊ መናውራታትን፡ ንምሉእ ስእሊ እቲ ስርዓት ዝኽተሎ ዘሎ ኣብዚ ዞባ ዘይምርግጋእ ዝፈጥር ናይ ዕብዳን ፖሊሲታት ዘንጸባርቕ እዩ። እዚ ከኣ፡ ንኣቓልቦ ህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ውሽጣዊ ጸገማት ንምጥምዛዝ ኢሉ ዝኽተሎ ዘሎ እዩ።
7.ኣብ መወዳእታ፡ ኤርትራ፡ ኣብቲ ሕሉፍ ግዜ ንዝተፈላለዩ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዝነበሩ ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት ናይ ኢትዮጵያ፡ እንተላይ ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ 1980ታት እትድግፈሉ ዝተወደበ መርበባት/ መስመራት ነይሩዋ እዩ። እዚ ከኣ፡ ኣብ ፍሉጥ ረቛሒታትን መድረኻትን ተቓውሞ ንጭቆና ተኸታተልቲ ስርዓታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ሕጋዊ መሰል ኤርትራ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ናይ ምልቓቕ ዕጥቃዊ ቃልሳ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ መሰረት ዝገበረ እዩ ነይሩ። ዋላ ኣብዚ እዋን’ዚ እንተኾነ’ውን፡ ኤርትራ ኣብ ሓድነት ህዝብታትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘለዋ መትከላዊ መርገጺ ንጹርን ዘየወላውልን እዩ። እዚ፡ እንተላይ ኣብቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝምድናታቱ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ ኣብ ጥሪ 1985 ዘዳለዎ ወግዓዊ ሰነድ ከይተረፈ ኣነጺሩዎ ኣሎ።




