Dehai News

ነዛ ዘውዲ’ዚኣ ዝትንክያ ወይልኡ!

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 23 November 2026

 ርእሰ-ዓንቀጽ

ነዛ ዘውዲ’ዚኣ ዝትንክያ ወይልኡ!

23 ሕዳር 2026 

 ኤርትራ፡ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዋ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር’ያ። እዚ ድማ፡ ኣንጻር ገዛእትን ዓመጽትን ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ኣስታት 80 ዓመታት ቃልሲ – 30 ዓመታት ካብኡ ዕጥቃዊ ገድሊ – ዝተረጋገጸ፣ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘመን ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነተን ክረኽባ ከለዋ፡ ብዓሎቚ ተነፊግዋ ዝጸንሐን ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፈሎን መሰረታዊ ሃገራዊን ሰብኣዊን መሰል’ዩ።

ንልኡላውነት ብዝምልከት፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ብዘየሻሙ ቃላት’ዩ ኣነጺርዎ ዘሎ። ብመሰረት ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓንቀጽ 2(4)፡ ኣብ ልዕሊ ግዝኣታዊ ሓድነት ወይ ፖለቲካዊ ናጽነት ናይ ዝዀነት ትኹን ልኡላዊት ሃገር ዝግበር ምፍርራሕ ወይ ምጥቃም ሓይሊ፡ ውጉዝን ክልኩልን’ዩ። ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝቘመሉ ውዕል’ውን፡ መግዛእታዊ ዶባት ብጥብቂ ክኽበር ከምዘለዎ ብድሙቕ መስመር ኣስፊርዎ’ሎ።

ልኡላውነት፡ ብማንም ዘይትንከ ፍጹም ስለዝዀነ፡ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ – መሬቱ፡ ባሕሩን ሰማዩን፡ ቀይሕ መስመር’ዩ። “እርማት ዝጽበ ታሪኻዊ ጌጋ” ዘይኰነ፡ ንታሪኻዊ ዓመጽ ብደም፡ ድምጽን ሕግን ዝኣረመ፣ ወለዶታት ተበራርዮም ረዚን ዋጋ ዝኸፈሉሉ – ዘየማጉትን ዘይግሃስን’ዩ።

ኤርትራ፡ ብ24 ግንቦት 1991 ብመስዋእቲ ደቃ’ያ ናጽነታ ተጐናጺፋ። ኣብ 1993 ብድሌታ ዝገበረቶ ረፈረንደም ድማ፡ ነቲ ብደም ዝተረጋገጸ መሰል – ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዝካየድ ሕጋዊ ፖለቲካዊ መስርሕ መኸተምታ ንምግባር ደኣ’ምበር፡ ባርኾት ናይ ዝዀነ ይኹን ወገን – ኢትዮጵያ ይኹን ካልእ ስለዘድለያ ኣይነበረን። እዚ፡ ክወሓጥ ዘለዎ ጥረ ሓቂ’ዩ።

ነዚ ኣድማሳውን ሕጋውን መርገጺ፡ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ – ኣብ ወርሒ ሓምለ 1991 ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝተኻየደን ኣህጉራዊ ዲፕሎማስያዊ ማሕበረሰብ ዝተረኽበሉን ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መመሊሱ ብዝዂላዕ ወርቃዊ ቃላት ብኣግኡ ኣነጺርዎ’ዩ። ገለ “ልሂቃን” ኢና በሃልቲ ዕሱባት ብልጽግና፡ ሎሚ – ድሕሪ ልዕሊ 30 ዓመታት፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ንዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ“ውዲት” እናወቐሱ ዘስምዕዎ ዘለዉ ጫውጫውታ እምበኣር፡ ትርጉም ዘይብሉ ንብዓት ሓርገጽ’ዩ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት ብልጽግና፡ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ “ብውዲ ወይ ብግዲ” ንምሓዝ ዝገብሮ ዘሎ ታህዲድን ምንቅስቓሳትን፡ ንመትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጻረር፡ ዘይሕጋውን ቅሉዕ ጥሕሰትን’ዩ። ንመስኮት ባሕሪ ምስ “ታሪኻዊ ምትእስሳር”፡ “ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት”ን “ቊጠባዊ ረብሓታት”ን እናተኣሳሰርካ ንልኡላውነት ኤርትራ ዒላማ ጌርካ ዝደጋገም ኣሰልቻዊ ትረኻ’ውን፡ ካብ ወራር ዝፍለ ኣይኰነን። ሳዕቤኑ ድማ ከቢድ’ዩ።

ኤርትራ፡ ንሰላም ወትሩ ድሉውቲ’ያ። ሰላም ንኹሉ ዘርብሕ ብጽሒት ከምዘለዋ ኣማእዝያ ስለእትፈልጥ። የግዳስ፡ ኣብ ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ሕድገት ወይ ልዝብ ከምዘይትገብር፡ ብዘየወላውል ቃላት ኣነጺራቶ’ያ። ተሃንዲዱ ንዘውዲ ልኡላውነታ ዝትንኪ ወይልኡ! ሓጻውኖምን ብዝሖምን ኣሚኖም – ንወራር ተሃንዲዶም ዝመጹ ቀዳሞት ኣበይ ከምዝኣተዉ፡ ሕሉፍ ታሪኽና እኹል መወከሲ’ዩ።

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ


Permutation Law - ሕጊ ምልውዋጥ Math

Dehai Events