Dehai

EriGazette.org፡ ሓቀኛ ታሪኽና መግለጺ ቃልስናን ጽንዓትናን’ዩ 1ይን 2ይ ክፋላት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 05 May 2017

ሓቀኛ ታሪኽና መግለጺ ቃልስናን ጽንዓትናን’ዩ    1ይ ክፋል

ብበርሀ በራኺ

ወርሒ ግምቦት ዕለት 5, 2017 ዓም ፈረንጂ

ኤርትራ ዋላ’ኳ ካብ መግዛእቲ ጣልያን ንነጀው ከም ሃገር ትፈለጥ’ምበር፥ ቅድሚ መግዛእቲ ጣልያን ሓንሳብ ብምድሪ ሓማሴን ሓንሳብ ብመረብ ምላሽ (ካብ መረብ ነጀው) እንዳበሉ ኤርትራውያን ሓቢሮም ካብ ወራር ተጋሩን ወራር ቱርኳውያንን ናይ ምክልኻል ኲናት ብሓባር የካይዱ ከምዝነበሩ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ።

ንኣብነት ነቲ ኣብ ኣኽርያን ኣብ ጉራዕን ኣብ መንጎ ራእሲ ወልደሚካኤል ሶሎሞን፥  ራእሲ ኣሉላ (ትግራዋይ) ዝተኻየደ ኲናት፥ ሎሚ ተጋሩ ክትርኽዎ ከለዉ “ንራእሲ ወልደሚካኤል ግብጻውያን ስለ ዝሓገዝዎ እዩ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ትዓዊቱ” እንዳበሉ ይገልጽዎ። እዚ ውን ኤርትራውያን ክሳብ ስግረ ባሕሪን ናይ ዲፕሎማሲን ብሓባር ምስራሕን ዝምድና ይገብሩ ከምዝነበሩ ዝሕብር ታሪኽ’ዩ።

ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ድማ እታ ገዛኢት ሃገር ጣልያን ምዕብልቲ ስለ ዝነበረት፥ ኤርትራ ግዝኣት ጣልያን ከምዝኾነት ኣብ ዓለም ምስ ኣወጀት  ነሱ ድማ ንሓንቲ ግዝኣት ጣልያን ዝኾነት ካብተን ዝዳውባኣ ፍልይትን ንጽርትን ክትከውን ምእንቲ፥ ካርታኣ ዝተነጸረ ኣብ ናይ ዓለም ካርታን ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላይብረሪ ዝተመዝገበን ክኸውን ስለ ዘለዎ ጣልያን ድማ ከምኡ ገይራ።

እዚ ጭብጥታት’ዚ እኹል ስለ ዝኾነ መግዛእቲ ጣልያን ድሕሪ ኲናት ምስ እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ስለ ዘብቅዐ፥ ሕቡራት መንግስታት ድማ ንኤርትራ ከምተን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነት ከምዝግብኣ ስለ ዝኣመና፥ ንኤርትራ ባንደራ ዘለዋ ዶባታ ዝተሓነጸን ዝተነጸረን ሃገር ከምዝኾነት ኣሚነን።

እንተኾነ ግን ብቕንዕና ድዩ ብተንኮል፥ “ኤርትራውያን ክሳብ ዝዳለዉ ኢትዮጵያ ምእንቲ ከይትጎብጦም (ከይትወሮም) በዘን ሎሚ HUMAN RIGHT ይተሓሎ እንዳበላ ዝግዕራ፥ንእንግሊዝ ኣብ 1942 ን10 ዓመት ሓልዉዮም ተባሂላ።

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ድማ 1952 ማለትዩ ኤርትራ ካብ ሓለዋ እንግሊዝ ናጻ ወጺኣ ባዕላ ክትመሓደር ዝነበራ፥ ናብቲ ዝዓበየ ጥልመት ዘብጽሕ ግዜ ንምምጣጥ ኢለን፥ እንግሊዝ “ኤርትራውያን ገና ኣይተዳለዉን እዮም ዘለዉ” ዝብል ናይ ተንኮል ምስክርነት ስለ ዝሃበት፥

“እምበኣረይ እንደገና ንኻልእ 10 ዓመት ብፈድረሽን መልክዕ ኣብ ትሕቲ ዘይኮነስ ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ትጽናሕ”  ኤለን ክሳብ 1962 ወሲነን። ኣብ 62 ድማ ኤርትራ ነጻ ክትወጽእ ዝግብኣ ዝነበረ፥ ሃይለስላሰ ብዘይ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ውዕል ፈደረሽን ኣብ 61 ኣፍሪሱ ንኤርትራ ከም ናይ ኢትዮጵያ ኣውራጃ ክገብራ ከሎ፥ ህዝቢ ኤርትራ ጥራዓኑ ከስምዕ ኢሉ ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት እንዳ ተመላለሰ ማዕጾኤን ክኩሕኩሐን ከሎ ንኸይሰምዓ ኣእዛነን’የን ዝዓጽዋ ዝነበራ እዘን ሎሚ “HUMAN RIGHT” ይትሓሎ ክብላ ዝስምዓ ዘለዋ።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝተጋህሰ ናይ ናጽነት መሰሉ ንምምላስ ብረቱ ኣልዒሉ ክቃለስ ክሎን ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈላለየ ግፍዒ ክፍጸም ከሎ እቲ መሰል ወዲሰብ ዝብል ሕገን ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይምልከቶ’የን ኣስቂጠን ዝርእያ ነይረን። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኹሉ ጽምዋን ግፍዒን ስጊሩን፥ 1991 ብረታዊ ዓወቱ ንዓለም ኣበሲሩ። ቀጺሉ ድማ ኣብ ትሕቲ ትዕዝብቲ ማሕበረሰብ ዓለም ረፈረንዱም ኣካይዱ  ናጽነቱ ንዓለም ደጊሙ ኣፍሊጡ።

ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ንኤርትራ ከም ልዑላዊት ሃገር ፈሊጥዋ። ድሕሪ’ዚ ውን እታ ካብ 50ታትን ኣብ 60ታትን ጀሚራ ትጻባእ ዝነበረት ዓባይ ኣሜሪካ፥ ንነጻ ኤርትራ ተጻብኦኣ ሽዑ ንሽዑ’ያ ኣብ መጀመርታ 90ታት እንደገና ቀጺላቶ።

ትማሊ ኣብ 2017 ውን “መንግስቲ ኤርትራ ካብ 91ን ጀሚሩ’ዩ መሰል ሰብ ክገፍፍ ጀሚሩ” ክትብል ገሊጻ። እዚ’ንታይ ማለት’ዩ ኣሜሪካ እንደገና ካብ ጽባሕ ናጽነት ውን ነቲ ናይ ቀደም ተጻብኦ ቀጺላቶ ማለት’ዩ።

ናይ ኣሜሪካ ተጻብኦ ስምብራቱ ንኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ሃስዪዋ፥ ነታ ቀንዲ መሓዝኣ ዝኾነት ኢትዮጵያ እንኮላይ’ዩ ክሃስያን ጸኒሑን ገና ሎሚ ውን ዝሃስያ ዘሎ  ዘሎን።

ፕሮፈሰር መስፍን ወ/ማርያም ኣብቲ 2015 ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ሆተል MARITOT ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ንሄርማን ኮሄንን ን ደይቪድ ሺን ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ካብ ግዜ ሃይለስላሰ ኣትሒዞም ክሳብ ሎሚ ናይ ረብሓኦም መሳርሒ ይገብርዋ ከምዘለው ኣብ ቅድሚኦም ክገለጸሎም ከሎ ዝርኢ ኣብ ቪደዮ ተቐሪጹ’ሎ። ቀጺሉ ውን

“ኤርትራውያን ግን ምእንቲ ሓገዝ ክብሉ ከምዚ ናይ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣይተምበርከኹን ነዚ ካኣዮም ክቡር ዋጋ ዝኸፍሉሉ ዘለው” ክብል ውን ገሊጹ።

*ኣሜርካ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናትን ኣብ ጥምየትን ተሸሚማ ክትነብርን ንዓና ሓገዝ ክትሓትትን ንሕና ድማ ከም ሓገዝቲ መሲልና ኣብቲ ቦታ ክንመጽእን ቅድመ ኩነት ክንገብረላ ከለና፥ ጽልዋና ከነሐይል ከለና ኢትዮጵያ ድማ ናትና ምእዝዝቲ ሃገር ኮይና ክትነብር’ያ ኢላ እትገብሮ ዘላ ስልቲ’ዩ። ከምዚ ናይ ሎሚ ንወያነ ነስኹም ኣብ ሶማል ዘሎ ኲናት ባዕልኹም ኣካይድዎ፥ ንሕና ድማ “ክሻ ተረንሽዋ” (ሓገዝ) ክንህበኩም ኢና ኢሎሞም። ከምኡ ድማ ይገብሩ’ለዉ። ንወያነ ከሐጉሱ ኢሎም ውን ካበ ዘየሎ ገበናት ኣምጺእካ ንኤርትራ ክትእገድ ኣለዋ ይብሉ’ለዉ።

(ክሻተረንሽዋ ኣብ መጀመርታ 60ታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ክቑሙ ከለዉ ከም መላለዪ ኢሎም ንህዝቢ ዝዓደልዎ እዩ “ክሻ ተረንሽዋ’የ ሃበትም በሊዖሞ ድኻታት ከለውየ” ተባሂሉ ውን ይድረፍ ነይሩ’ዩ)።

ኣብ 3ይ ወራር ወያነ ባረንቱ ምስ በጽሐ፥ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ምሉእ ዓወት ዝተዓወቱ መሲሉዎም ንኤርትራ ኣብ 8 ዞባታት ክመቕልዋ ሓሲቦም ስለ ዝነበሩ ነቶም ናይ ገሊኦም ናይ ተ.ሓ.ኤ. ተጋደልቲ ዝነበሩ 8 ሰባት ን8 ዞባታት ኣምሓደርቲ ክኾኑ ኣብ መቐለ መሪጾም ኣብ ባረንቱ ኣምጺኦም ምስ ህዝቢ ከምዘላለዪዎም ይግለጽ’ዩ።

ዓወት ንሓፋሽ!!

ይቕጽል ............

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

ሓቀኛ ታሪኽና መግለጺ ቃልስናን ጽንዓትናን’ዩ!!!    2ይ ክፋል

ብበርሀ በራኺ

ወርሒ ግምቦት ዕለት 5, 2017 ዓም ፈረንጂ

 

 ኣብ መውዳእታ ናይ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ወያነ ኣብ 3ይ ወራር ባረንቱ እንተበጽሐስ ኣስመራ ዝበጽሕ መሲሉዎ ከምቲ ሕልሙ ንኤርትራ ኣብ 8 ምምሕዳራት ክኸፋፍላ ኢሉ ድሮ ነቶም ሰባት ከምዝረቑሖምን ምስ ህዝቢ ከምዘላለዮም ኣንቢብና ነይርና።

ሰናይ ንባብ ኣብ ካልኣይ ክፋል

ኣብ ግዜ ወራራት ዝነበረ ኣጀንዳ ወያነ ንኤርትራ ኣብ 8 ዞባታት መቛቒሉ፥ ኣብ መቐለ ኩይኑ ድማ ብሪሞት ኮንትሮል እንድዩ ከማሓድራ ሓሲቡ ነይሩ ግን ኣይቀንዖን። እዚ ሎሚ ዝስማዕ ዘሎ ኣብ ደገ ናይ ኣውራጃታት ኣኼባታት ምክያድ ዝግበር ዘሎ ነዚ ዘሎ መንግስቲ ኣልጊስና ነናትና ኣውራጃ ወይ ዞባ መንግስቲ ከነቕዉም ኢና ዝበሃል ዘሎ ሎሚ፥ መቐጸልታ ናይ ኣብ 3ይ  ወራር ዝነበረ ኣጀንዳ ወያነ እዩ። እዞም ሎሚ ንኣጀንዳ ወያነ ከተግብሩ ኢሎም ኣብ ደገ ኮይኖም ብግዜ ሃይለስለሰ ዝነበረ ናይ ኣውራጃታት ስምዒታት እንዳምጽኡ ድዛረቡ ዘለዉ፥ ክንብሎም ዘለንና፥ ሕማም ኣውራጃታትን ሕጉን ብደም ኩሎም ስውኣት ተሓጺቡን ጸርንዩ እዩ።

እዚ ዝሓለፈ ናይ ኣውራጃታት ሕማም፥ ብሓድነትን ጽንዓትን ቃልስና ክፈሽል ምዃኑ ክፈልጡ’ለዎም።

ወያነ ኣብዚ ሎሚ ተቐርቂሩዎ ዘሎ ግዜ ካብ ኢትዮጵያ ናይ ምፍላይ ግዚኡ ኣኺሉ’ዩ ነዚ ናይ ሎሚ ናይ ምፍላይ እኹል ምድላዋት እዩ ኽገብረሉ ጸኒሑ። ፋብሪካታት ዩኒቨርስታት ዓበይቲ ሆተላትን ካብ ኣምሓራን ጋምበላን መሬት ግምዕ ኣቢልካ ብምውሳድ ንትግራይ ነጻ ዓባይ ትግራይ ናይ ምዃን ግዚኡ ኣብቂዑ’ዩ ኣብ ዝብልሉ እዋን’ዮም በጺሖም። ኣምሓራን ኦሮሞን ምሽ ኪዱልና ይብልዎም ኣለዉ፥ ነሶም ውን ሕራይ ክንከደልኩም ኢና ክብልዎም ቀሪቦም’ዮም ዘለዉ።

ኣብዚ ገለ ካብ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ትግራይ ክትፍለ የብላን እንተ ኢሎም ድማ ወያነ እኹል መልሲ ኣለዎም ሓደ እቲ ኣብቲ ናይ ብሄረ-ብሄረሰቦች ነናትና ምምሕዳር ካብኡ ሓሊፍና ውን ነብስና ከነማሓድር ንኽእል እንተኮይንና ክንፍለ ንኽእል ኢና ዝብል ውዕል ስለ ዘለና፥ ሎሚ ድማ ንሕና ትግራዎት ተዳሊና ኢና ነብስና ክንክእል ካልእ ድማ ውጹልና ትብሉና’ለኹም ክብሉ’ዮም። ቅሩባት’ዮም ዘለዉ ከምዚ ክገብሩ ጥራሕሲ ናይ ሻዕብያ ጉዳይ ከምቲ ዝሓሰብዎ ኣይኮነሎምን ስለዚ ፈትዮም ጸሊኦም ንሻዕብያ ከም ሓያል ጎሬበት ክኣምኑላ’ለዎም።

ግን በዚ ዘሎ ሎሚ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣንጻር ተጋሩ ምልዕዓል ክወድቁ ድዮም ወይስ ክፍለዩ፥ኩሉ ግዚ ነሶም ክወድቁ እንተኮይኖም ሻዕብያ ክተርፍ ኣይደል’ዩን’ዮም። ክፍለዩ እንተኮይኖም ውን ሻዕብያ  ክትህሉ ኣይደልዩን’ዮም።   እዚ ግን ንህዝቢ ትግራይ ዘየርብሕ ናይ ተንኮል ዕሽነት ወያነ’ዩ።

እዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕቂ ዘለዎ ፕሮፓጋንዳታት ናይ ሚልዮናት ዶላራት ወጻኢታት ብምግባር ጸሓፉ፥ተኣከቡ፥ ተዛረቡ፥ ሓስዉ፥ ኣዳናግሩ፥ እንዳበለ ነዘን ኩለን ናይ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ናይ ረዲዮ ማዕከናት ዝግዕራ ዘለዋ፥ ናይቲ ወያነ ዝዘረኦ ዘሎ ሚልዮናት ዶላራት ፍርያት’የን። ኣብ ንፋስ ዝተዘርኤ ዘርኢ ድማ ንፋስ ኮይኑ’ዩ ዝተርፍ።

እቲ ዘገርምን ዘሕዝንን ግን እቶም ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ደገ ኮይኖም ገሊኦም ፍርቂ ኣካሎም ዝኸፈሉላ ሃገር ኣብኤን ቀሪቦም ነቲ ባዕሎም ዝፈጸምዎ ናይ ጅግንነት ታሪኽን ቃልሲን ናይ ባዕሎም ዝተኸልዎ መንግስታዊ ምሕደራን ከካፍኡ ኢሎም ክፍትኑ ክትሰምዕ ከለኻ’ዩ። “ጌጋ ርኢና ራሕሪሕናዮ መጺእና) ይብሉ። ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ግፍዒ ክትፍጽም ከላ ድኣ ንኤርትራ ራሕሪሖማ ዘይሃደሙ?

ሎሚ ኸ ኣብ ኤርትራ ጌጋ እንተልዩ ንኸተዐሪ መቃላሲ ቦታ የለን’ድዩ? ከይንእሰር ከይንቕተል ፈሪሕና በሃልቲ እንተኮይኖም ድማ ብግዜ መግዛእቲ ድኣ ከይንእሰር ከይንቕተል ከይንስዋእ ኢልኩም ዘይፈራሕኩም ዘይሃደምኩምን?

እሞ ክቡራት ኤርትራውያን እዛ ሎሚ ዘላ ኤርትራ ንኽትመጽእን ህልውቲ ንኽትከውንን ደገፍትን ተቓወምትን ዘለኹም ኩሉኹምን ዝተሰዉኡን ኩሉኹም ዝጻመኹምላ ሃገር እያ’ሞ፥ መፍቶ’ዞም ናይ ሓባር ጸላእቲ ከይትኸውን’ዛ ሃገር ነዚ ዘሎ ዓቢ ይኹን ንእሽቶይ ፍልልያት፥ ዓቢ ተጻወርነት ብምግባር ብሕድገትን እቕረን ብምብህሃልን ምእንቲ ንኹልና ኣብ ዘርብሕ ምዕራፍ ክንበጽሕ ብኽልቲኡ ወገን ካብ ምውንጃልን ምጽራፍን ህድእ እንተንብል ምሐሸ።

እቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ዝኾነ ወያነ ኢዱ ክህብ እንዳቀረበ ከሎ፥ ኣብ ነንሕድሕድና ክንትሃናኾት ክርኢ ከሎ  ናይ መጻንሒ ሞራል ወሰኽ እንዳረኸበ’ዩ ዝጸንሕ ዘሎ።

ኩልና ኤርትራውያን ሃገርና መሰልና ዶባትና እንተበልና ነዚ ሓቅነትና ዘራጉድ ነዚ ናይ ካይሮ ውዕል ነንብብ ዋላ’ኳ ናጽነትና ብብረታዊ ቃልሲን ረፈረንዱምን ገይርና ኣረጋጊጽና’ዮ እንተኾንና፥ እቲ ተጻብኦታት ይቕጽል ስለ ዘሎ፥ ንሕና ውን ክንድኡ ክንትርኽ ክንገልጽን ኣለና።

ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 1964 ኣብ ካይሮ ትኣኪበን ኣብ ዝነበራሉ ግዜ፥ እዚ ብባዕዳውያን ገዛእቲ  ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ተገይሩ ዘሎ ካርታ፥ ከምቲ ዘለዎ ከነጽድቖ ኣለና ምእንቲ ኣብዘይ ውዳእ ኲናትን ምፍሳስ ደምን ተሸሚምና ከይንነብር ኢለን ኣጽዲቐንኦ እየን። ኣብቲ ግዜ’ትን ኣብቲ ቦታን ኣብ መድረኽ ወጺኡ ነቲ ዝተሰማማዓሉ ጉዳይ ዶብን ካርታን ብቓል ዘስምዐ  ኢትዮጵያዊ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ዝነበረ ሚኒስተር ኣክሊሉ ሃብተወልድ እዩ።

እዚ ናይ ናይ ካይሮ ናይ 64 ውዕላትን እንደገና እቲ ብጣልያን ዝተሳእለ ካርታን ተነጺሩን ጸዲቑን ዝጸንሐ  ኣብ ናይ ኣልጀርስ መጋብኣያ ንኤርትራ ጠቒምዋ’ዩ።

ኢትዮጵውያን እዚ ሓቅታት’ዚ እንዳፈለጡ ከለዉ ንኤርትራን ንኤርትራውያን ዓመት መጸ ክተዃትኹና ከለዉ፥ ኣብ ልዕሊ’ቲ ናይ ደገ ረብሓ ንምትግባር፥ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካብቲ ናይ ውሽጦም ጸገም ዝብገስ’ዩ።

ንህዝቦም ድማ “ኢትዮጵያ ዓባይ’ያ ብዘይ ባሕሪ ክትነብር ኣይትኽእልን’ያ እንዳበሉ የእምንዎ’ሞ፥ ነቲ ኣብ ስልጣን ንኽነብሩ ኢሎም ዝጥቀሙሉ ስልቲ ኣንጻር ኤርትራ ኲናት ምውላዕ’ዩ። ነቲ ኲናት ድማ ምጨረሽታ ከምዘይህልዎ ይገብርዎ’ለዉ። ብሕልፊ ደቂ ትግራይ ዝኾኑ በቲ ዘለዎም ዋሕዲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብዝሒ ዘለዎም ብሔራት ኣምሓሩን ኦሮሞን ተቐባልነት ክረኽቡን ስልጣኖም ከናውሑን ኢሎም ንታሪኽ እንዳጠምዘዙ “ንኤርትራ ክንመልሳ ኢና ንዓሰብ ከነውህበኩም ኢና” ሓንሳብ “ንሻዕብያ ከነዳኽሞም ኢና፥ ንህዝቢ ካብ ህግደፍ ክንፈልዮ ኢና” እንዳበሉ፥ ሚእቲታት ሚልዮናት ንዝተፈላለየ ናይ ፕሮፓጋንዳ ህዝባዊ መራኸታትን የውጽኡ ኣለዉ።  

ዓወት ንሓፋሽ!!                        

ይቕጽል................

በርሀ በራኺ

 

    

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events