Dehai

ጽሙም ክትክውን ኣሎካ ክርድኣካ (You Have To Be Deaf To Understand (Translation)

Posted by: hbokure@aol.com

Date: Thursday, 07 June 2018

እዛ ቅድሚ ብፕሮፈሶር ዊላርድ ማድሰን  ኣብ ጋላውደት ዩኒቨርስቲ ዝምህር ዝነበረ ብ1971 ዝተገጠመት ኢያ። ናብ ሸውዓተ ቋንቋታት ዓለም ዝተተርጐመት ኢያ። ኣነ ብወገነይ ከም ዝጥዕመኒ ጌይረ ተርጒመያ ኣሎኹ። ሰናይ ንባብ።
 
 
“ምስ ጸመምካ’ዩ ዝስቆርካ”
 
ብኢድካ “ምስማዕ” ከመይ ይመስለካ
በል  ኣጸቢቁ ምእንቲ  ክርድኣካ
ዝጸመምካ  ክትከውን ኣሎካ።
 
 ከመይ ይመስል
ንእሽቶ ቆልዓ ምዃን
ኣብ ቤት-ትምህርቲ
ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ምውዓል
ዋላ ሓንቲ ድምጺ ዘይብሉ
ምስ ሓንቲ መምህር ሰዓታት ክሓልፍ
ወትሩ ክትልፍልፍ እትውዕል።
ብድሕሪ’ዚ ናባኻ ቅርብ ትብል
ከም ዝተረዳእኻያ ክትመስል።
እንታይ’ሞ  ይገበር ይብለካ
ምስ ጸመምካ’ዩ ዝስቆረካ!!!
 
ወይ እታ መምህር ንበላ
ንፉዕ ተማሃራይ ክትኮነላ
ቅድም ቀዳድም እምበኣር
ትዳፋፍኣካ ኣዘራርባ ክትምሃር
ኣእድዋ ኣብ ገጽካ ገቲራ በሉ
ንሰዓታት መወዳእታ ዘይብሉ
ምስ’ዚ ኹሉ ዓቅሊ ጽበት
ክሳብ እተተንፍስ ብድኽመት
እንታይ’ሞ  ይገበር ክብለካ
ምስ ጸመምካ’ዩ ዝስቆረካ!!!
 
ኣንታ ህንጡይ ምዃን ከመይ ይመስል
ጽምኣትካ ከተርዊ ፍልጠት ክትድልብ
ኣየወ ምስ’ዚ ኹሉ ሃረርታ ዘቃጽል
ክትፈልጥ ንሓውኻ፡ ንሓፍትኻ ክትሓትት
ኰይኑ እንተ ዘይሰማዕክዮም ይብለካ
“ ድሓን” ጥራይ ይብሉኻ።
እንታይ’ሞ ገበር
ምስ ጸመምካ’ዩ ዝስቆረካ እምበር።
 
ኣየወ ኣብ’ቲ ኩርናዕ
ጠጠው  ክተብለካ
ዋላ ሓንቲ ዝገበርካዮ ዘይብልካ
እንትርፎ ዘረባ ብኢድካ
ዛጊት ሓሳብ ቁልጭ ክብለካ
ምእንቲ ዘይሰምዑ ብጾትካ
ርእዮም ክርዱኡኻ።
እንታይ’ሞ ገበር
ምስ ጸመምካ’ዩ ዝስቆረካ እምበር!!!
 
ገሊኦም  እናጨደሩ ክዛረቡኻ
ከመይ’ከ ይመስል
ምእንቲ ክትሰምዖም’ዶ ክብል፡
ኣየወ ከተድምጽ ቃላት ብጌጋ
መላገጺ ይገብሩኻ ዳርጋ።
እንታይ’ሞ ገበር
ምስ ጸመምካ’ዩ ዝስቆረካ እምበር!!!
 
እንታይ ዝኸፍእ ኣሎ ብሓቁ
ኣብ ቅድሚ ገጽካ እንዳሰሓቁ
ክትብሎም “ኣይሰማዕኩን ግና
ድገሙለይ እንደገና።”
እንታይ’ሞ ገበር
ምስ ጸመምካ’ዩ ዝስቆረካ እምበር!!!
 
ኰይኑ ዝብልዎ ቃል እንተደገሙልካ
ኣደማምጽኡ’ውን የሸግረካ
በዚ ዝተላዕለ ድማኒ
ክትብል ትግደድ “ ሓግዙኒ!”
እንታይ’ሞ ገበር
ምስ ጸመምካ’ዩ ዝስቆረካ እምበር!!!
 
 
ካብ ደውሉለይ ምባል
እንታይ ዝኸፍእ ኣሎ ይበሃል
እንዳበልካ ከምዚ በላ
ከምዚ በሎ
ኦሮማይ….
ምስጢርካ ዘውጽእ ኣደባባይ።
ግን ስኣን ምርድዳእ
ዋላ ይለፍልፍ
መልእትኻ ከይሓለፈ ይተርፍ።
እንታይ’ሞ ገበር
ምስ ጸመምካ’ዩ ዝስቆረካ እምበር!!!
 
ጽምዋ ዘጥቅዖ ጽሙም
ከመይ ይመስል ንበሎ
ኣብ ሞንጐ ዝሰምዑ ከሎ
ብቀባሕባሕ ብቀንፈዘው በሉ
ዋላ ሓደ ዝሕግዞ ዘይብሉ።
እንታይ’ሞ ገበር
ምስ ጸመምካ’ዩ ዝስቆረካ እምበር!!!
 
ዝተራኸብካዮ ሰብ  ግዲ
ኣየወ ንእግረ  መንገዲ
ቀልጢፉ ክዛረበካ
ከይሰማዕካዮ  ይሓልፈካ።
እንታይ’ሞ ገበር
ምስ ጸመምካ’ዩ ዝስቆረካ እምበር!!!
 
 ደጊም ኣሎ’ዶ ካብ’ዚ ዝዓቢ ምርቃ
ዓሰርተ ኣጻብዕ ኣብ ኢድ ዝጠበቃ
ተኽእሎ ዘለወን ንኹሉ ክገልጻ
ብህድኣት ብሓጐስ ዘስሕቃ
ኣብ’ዛ  ናይ ሓባር ዓለም
ክንነብር ብርግኣት ብሰለም።
እንታይ’ሞ ገበር
ምስ ጸመምካ’ዩ ዝስቆረካ እምበር!!!
 
ተርጓሚ ሃይለ ቦኹረ
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events