Dehai

ጸላኢ ዘይብሉ ፈታዊ ኣይደልን እዩ....

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 05 July 2018


ቅድም ቀዳድም እዚ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያ የሕዋት ዝብል ኣተሓሳስባ ክእረም ኣለዎዶ?
Cherunnet Tesfazghi
Just now � 07/05/2018 01:34:26 AM


Image result for eritrean peopleብሰንኪ ቋንቋና ትግርኛ ዕላዊ ቋንቋ ኤርትራ ምዃኑን፣ ብሰንኪ ዋና ከተማና ኣስመራ ኣብ ከበሳ ኤርትራ ምህላዋን ዝፈጠረቶ ገዚፍ ጽልዋን ጸብለልትነትን፡ ኤርትራ ናይቶም ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ጥራይ ጌይሮም ካብ ዘምስልዋ ኣይወሓደን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ የሕዋት ኣለዎ፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ሰፊርና ዘሎና ብሄረ ትግርኛ እወ! ኣብ ኢትዮጵያ የሕዋት ኣለውና። ካብኡ ሓሊፉ ተሪፉ ከምቶም ኩናማ፣ ሳሆ (ኢሮብ)፣ ዓፋር፣ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዘለዉና፣ ንሕና እውን ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ኣሎና! ጥራይ እዩ ክበሃል ዝከኣል። ብኣልማማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ኤርትራ የሕዋት እዮም ዝብል ግን "ግዚኡ ዝበልዐ ናይ ተዋህዶ ፖለቲካ" ጥራይ እዩ ክበሃል ዝከኣል።

ገዛእቲ ኢትዮጵያ ብቀደሞም ነቲ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ ጥራይ እዮም "ህዝቢ ኤርትራ ዝብልዎ" ዝነበሩ። ነቲ መታሕት (በደው) ኤርትራ ከም ኣካል ኤርትራ ቆጺሮሞ ኣይፈልጡን። እዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ እውን ካብዚ ጸንሐ ቱሑዛዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ መሳፍንቲ ክትወጽእ ኣይከኣለትን ዘላ። ብኣቃውማ ሕብረተሰባን ሕላገቱን ካብ ኤርትራ፡ ጁቡትን ሶማልን እየን ንኢትዮጵያ ዝያዳ ዝቀርባ። ከመይሲ በጀካ ዓፋርን ሶማልን ካልኦት ምስ ኢትዮጵያ ዘይዋሰቡ ሕብረተሰባት ስለ ዘይብለን። እንተ ኢትዮጵያ ግን በጀካ ብዶብ ምስ ኤርትራ ዝዋሰቡ ሕብረተሰባታ ገዲፍና ካልእ እተናድየሉ ሰባ የብላን። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ከም እንበዓል በጃን፣ ብንዓምርን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ቀቢላታት (ብሄራት) ወይ ሕብረተሰባት ሕላገቶም ምስ ህዝቢ ሱዳን እንበር ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለ ዘይኮነ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ፍርቂ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ዓጽሙ እንተ ዝነድድ ካብ ምስ ኢትዮጵያ ምስ የመን ብጨና ምስ ተራኸበ። በጀካ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሰብኣዊ (ሰባዊ) ሃብትና ብባህልን ቋንቋን (ዓረብ) ዝራኸብ፡ ካብ ርሑቅ ባሕሪ ሰገር፡ ሓውሲ ዴሴት ዓረባዊት የመን ዝመጹ "ኣሽማት ሰፈራትና" (ምራራ፣ ሰንዓ-ፈ፣ መረብ፣ ወዘተረፈ) ክምስክሩ ይኽእሉ እዮም። እዞም ኣሽማት ኣብ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዉ ጥራይ እዮም። እንድሕሪ ንመላእ ኤርትራ ኮሊልናያ ግን ማእለያ ዘይብሎም ባሕሪ ሰገር ዝኾኑ ኣሽማት ኣለውና። ኤርትራ (ናይ ተዋህዶ ፖለቲክ ዝገዝኣ) ኣካል ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን እያ። ልክዕ ከም ሃገር ሊባኖን ናይ ተዋህዶ ፖለቲክ እናገዝኣ ኣካል ዓረብ ሊግ ዝኾነት ማለት እዩ። ስለዚ ቀዳማይ ሚንስተር ዶር. ኣቢ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ኣብ ሞንጎ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ዘሎ "ዙሑል ኲናት" (ዋላ ከም ስትራተጂ ዘየዋጽኦ ይኹን) ናብ ንብሩ ክንመልሶ ክንጽዕር ኢና እንተ ዝብል ምሓሾ።

እንተ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ብሰንኪ መግዛእትን ድሕሪ ናጽነት ብርክና ከይዓጸፍና ዝኣተናዮ ኲናትን ሞ ፍጹም ንቡር ዝኾነ ጉርብትና ረኺቡ ኣይፈልጥን? እዚ ንቡር ጉርብትና እዚ ኣብ ፈለማ ናጽነትና "ብይቅረ" ምባል እዩ ክጅምር ነይርዎ። ይቅረ ክንበሃል ዝነበረና ንሕና፡ ንህወሓት ክንብል ካሕሳ ዘይሓተትና ባዕልና፡ ኣብዚ ናይ ትማል ኢትዮ ኤርትራ ውግእ ግን ባዕልኹም ጀሚርኩሞ ስለ ዝተበሃልና ንኢትዮጵያ ካሕሳ ክንከፍል ተፈሪድና።

ኢትዮጵያውያን ኣብ ውዕል ኣልጀርስ ዋላ ንሓንቲ ክልኢት ክንሳዓር ንኽእል ኢና ዝብል ጥርጥር እንተዝነብሮም ናብኡ ገጾም ኣይምኸዱን። ሳላ ምዕራውያን መሻርኽቶምን፡ ኣብ ባይታ ዝተራእየ ወድዓዊ ኩነትን፡ ብፍልይ ህግደፍ ክመናናህ ስለ ዝረኣይዎን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣትይዎ ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ መንቀራቅሮ ኣብ ግምት የእትዮምን፡ ኮታ ብኹሉ ማእዝኑ ከም ዝተዓወቱ ነዛ ነብሶም ኣበሲሮም እዮም ናብ ኣልጀርስ ዝኸዱ። ኣብኡ ግን ካልእ ጸኒሕዎም። ከም ዝደለይዎ ኣይሰመረን። ብቅንዕና ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ስለ ዘይቀረቡ ከኣ ንብይን ኮሚሽን ዶብ ነጺጎም ክግተሩ መረጹ። ብድሕሪ'ዚ እዚ ዶብ ንኸይሕንጸጽ፡ ንኢትዮጵያ ከርብሑ ተባሂሎም ዝተፋሓሱ ማእለያ ዘይነበሮም ውጥናት ተማህዙ።

1.     ታሪኽ ምዝንባዕ ከም መትከል ተታሒዙ ተሰሪሕሉ፡ (በጀካ እቶም ብኣምሓረኛ ዝተጻሕፉ ማእለያ ዘይብሎም መጽሓፍቲ፣ ሰውራ ኤርትራ ካብ ዜሮ ተበጊሱ ንዜሮ ክምለስ እዩ፣ ሳሕል ኬይድና እንታይ ኣምጺእና፣ ዓዋተ ሽፍታ፣ ንስለ ስዉእ ኢልና ማስቲካ ካብ ኣፍና ኣይነውጽእን ዝብሉ ኣዝዮም ዝወረዱ ኣሉታት ዘመተ፣ ካብ ልክዑ ዝረሓቀን ቀይሕ መስመር ዝረገጹ ተዘሪብሎምን ተጻሒፎምን)
2.    ኣንጻር ክብርታትና ዝዓጠቑ Cybersociety ፈጢርካ ሰብ ኣብ ክንዲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭብጢ ኣልዒሉ ዝመክርን፣ ዝቃለስን፣ ዝሟጎትን ንዝተሰንዑ ወረታት ከም ዝኣምን ጌርካ "እቲ ሓደ ኣብ ሓደ ብሓደ ከም ሓደ" ንኸይውደብን ንኤርትራ ዘርብሕ ስልጡን ለውጢ ንኸየምጽእን ከም ዕጫ ባቢሎን ብሓሳብ ንኸይንረዳዳእ ምስራሕ...
3.    መፈላለዪ ኣጀንደኣን ዘይርድኣካ ንኢትዮጵያ እንበር ንኤርትራ ፍጹም ከገልግላ ዘይራኣናየን ማእለያ ዘይብለን ሓውሲ ውድባት (ብብሄር፣ ብሃይማኖት፣ ብወገን) ዝጫጫሓሉ ፋብሪካ (ሰንዓ ፎርም) ሰኒዕካ ግትር ምባል...
4.    መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ኣብ ሃገሩ ኮይኑ ንለውጥን ስነ ዕብየትን ንኽቃለስ ምትብባዕ፡ ካብ ሃገሩ ንኽሃድምን ብመገዲ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ንኤውሮጳን ሴሜን ኣሜሪካን ካናዳን ዝወስድ መንገዲ ተኸፊቱልካ ኣሎ ዝብላ ናይ ኣጋር ወረን ሬድዮታትን ተኺልካ፡ ሕሱም ኣሉታዊ ጎስጓስ ፈጢርካ ንመንእሰያትና ምዝንባል ...
5.    ነዚ ርጉም ስትራቴጂ ንምዕዋት ከኣ እዚ በዓል ክልተ ዝብልሑ ካራ "ኣይሰላም ኣይ ውግእ" ዝብል ትልሚ ፊሒስካ ንነዊሕ ዓመታት ደው ምባል...
6.       እዘን ሞኒቶር ናይዛ ዓለምና ዝኾና ሓያላን ሃገራት ብሰንኪ ምስ ኤርትራ ዘለወን ዲፕሎማስያዊ ጎንጺ ኣብ ረብሓኻ ስለ ዝወገና፡ ከም ሓላዊ ወሰን፡ ኤርትራ ንብይን እገዳ ሕቡራት ሃገራት ጢሒሳ ኢልካ ትኸስስን ተሳውርን፡ ኣሜን ኢልካ ዝኣተኻዮ ብይን ኮሚሽን ዶብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ባዕልኻ ትጥሕስ ...

እዝን እትን ተደማሚሩ ኤርትራ ነዚ ኩሉ ውጥን ክትጾሮ ስለ ዘይትክእል ከይተንከፍናያ ባዕላ ክትወድቅ እያ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝሓዘ ስትራቴጂ ድሕሪ 16 ዓመት ነብሱ ለኪሙ "ጻሕ" ኢሉ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ነዚ ዶብ ብዝምልከት ኣብ ቅድሚ "ሕጊ" እንበር ኣብ ቅድሚ "ፈተና" ማዕረ ከም ዘይነበራ ከኣ እነሆ ኣብ 17 ዓመቱ ተረጋጊጹ።

እዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ድሕሪ እዚ ኩሉ ኣላሽ እነሀት ንስለ ፍቅርን ሰላምን ብዘይ ቅድመ ኩነት ንብይን ኮሚሽን ዶብ ኣኽቢረ ክሰርሕ ተዳልየ ኣለኹ ትብለና ኣላ። ኮነ ኢላ ንውድቀትና ሃቂና ን17 ዓመት ደው ዘበለቶ ጉዳይን መዘዙን ብሓላፍነት ክትሕተተሉ ይግበኣ።

ብዙሕ ከሲርና ኢና፡ ንድሕነት ሃገር ክንብል ንውሽጣዊ ጉዳይና (ዕብየትን ዲሞክራስን) ኣብ ሓደጋ ከነእቱ ተገዲድና ኢና፡ ይኣኽለና ካብ ክብርታትና ክቆርስ ዝምነ "ኣፍቃሪ" ኣየድልየናን እዩ። "ፍቅሪ" ንዓና ምስ ክብርታትናና ዝተወሃሃደ ሓደ ኣካል እዩ። መሬትናን ባሕርናን ዶባትናን ከኣ ኣካል ክብርታትና እዮም። እዞም ልኡላውያን ዝኾኑ ብጽሒትና እንተተኸቢሮም "ጸላኢ" የብልናን፡ ጸላኢ ዘይብሉ ህዝቢ ከኣ ፈታዊ (ኣፍቃሪ) ኣይደልን እዩ...

ቤተ ቸሩ
ኣምስተርዳም

ምንጪ ጽሑፍ፡ ሰኪዔት ምስከረም


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events