Dehai

ዝበልዓትሉ ጻሕሊ እትሰብር ተንኮለኛን ጠላምን መስፍናዊት ጉጅለ መሪሕነት/ስርዓት ህውሓት፣ ብሰንኪ ማንታን ሕቡእ ዛዕባኣን ገባትን ኣስፋሕፋሕን ሸውሃታን ዘይጭበጥ ሕልማን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን እውክሎ እየ ኢላ ትዋረዘየሉ ህዝቢ ትግራይን ዘውረደቶ ዕንወትን ሃስያን።

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Monday, 13 August 2018

 

ወርሒ ነሓሰ ዕለት 12, 2018 ዓም ፈረንጂ

እታ ጠላምን ዝበልዓትሉ ጻሕሊ ተሞኽልያ ብቃጻ እትሰብርን ዓሌታዊት ሰራቒት ዘይናታ ገባቲት ሓሳዊት ብዘይሰርሓቶ ሰሪሔዮ ኢላ ትጅሃር ጉጅለ መሪሕነት መሳፍንቲ ሕውሓት ኣብ ሊዕሊ ኤርትራ ብ1998-`2000 ዓም ፈረንጂ ዘካየደቶ ቅሉዕን እዉጅን ነውራም ወራር ግን ኣብቲ ዓውደ-ውግእ ምስ ተሓምሸሸትን ዕላምኣ ንምትግባር ምስ ፈሸለትን ምስ ምዕራባውያን ኣሸቀልታ ከም ከዳሚት ክምስምስ እናበለትን እናተዃሸመት ንሃገርና ንኸይትትርንዕን ጉዳይ ውራይ ገዝኣ ብምሉእ ዓቕማን ሓይላን ኣተኲራን ኸይተሳልጥን ነቲ እግባይ ዘይበሃሎን ናይ መጨረሽታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣህጉራዊ ዶብ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳኔ ብምሕሳም ንኤርትራ ከም ሓራ ሃገር ንኸይትቕጽል ንምቕሃም ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንምብትታንን ንምድካምን *"ትምክሕቲን ሕቖን ደቂ-ከበሳ ንሓዋሩ ክንሰብሮ ኢና"* ኢላ እናፈከረት ንኣስታት 16 ዓመታት ተሓሲማቶ ጸኒሓ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ግን ብሳላ እቲ ሓያል ቃልሲ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራን/ህዝባዊ ግንባርን ጽኑዕ ህዝቢ ኤርትራን ጀግና ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራን ዘካየድዎ ህዝባዊ መኸተን መሪር ቃልስን ዝኸፈልዎ ኩለንትናዊ መስዋእትን ብሓደ ወገን፣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንግዙእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተስፋን ድፍረትን ፍናንን ኣስኒቑ ዕጥቂ ሂቡን/ደጀን ኮይኑን ኣንጻር ገባቲትን ሓሳዊትን መስፍናዊት መሪሕነትን ስርዓትን ሕውሓት ተላዒሉ ኣብ ናይ ታሪኽ ጐሓፍ ስለ ዝደርበያ፣ እቲ ሓዲሽ መሪሕነት ኢትዮጵያ ነቲ ብይን ዶብ ብዘይ-ቕድመ-ኩነት ሓንጎፋይ ኢሉ ስለ ዝተቀበሎ እንሆ ኣብ ሃገርና ናይ ሰላም ኣፈናዊ ሃዋህውን ናይ ህዝቢ ኤርትራ መስተርሆ ብግብሪ ይርኤ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ዝንቡዕን ሕቡእ ማንታ ዛዕባን ገባትን ኣስፋሕፋሕን ሸውሃት ዘይጭጽበጥ ሕልሚን ጸቢብ ኣገባብን ኣረጊት መስፍናዊ ኣተሓሳስባን ግን ዝተጓሕፈ ድሑር ስርዓት ሕውሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ትግራይን/ኢትዮጵያን ዝወረዶ ዕንወትን ሃስያን ዝተኸስረ ናይ ህዝብን ሰባት ዕድላት ድማ ብወገኖም ዝሰነድዎን ዘጋወሕዎን ዝተዛረቡሉን ሰነድ ኣብ`ዚ ታሕቲ ተለጢፉ ዘሎ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብጽሞና ተኸታተልዎ ኢኹም።

https://www.youtube.com/watch?v=WdBBWEPolwU


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events