Dehai

"ዝብእሲ ዝብላዕ ኣሎ እንተበሉዎስ፣ ኣበይ ከይበለ ናብ ጋህሲ ይሽመም"

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Wednesday, 22 August 2018

 

https://scontent-frx5-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-1/p80x80/11208633_861720720549636_1033052359174464893_n.jpg?_nc_cat=0&oh=65abb4dea8248b85dc5b3cf532d25aa2&oe=5C063299"ዝብእሲ ዝብላዕ ኣሎ እንተበሉዎስ፣ ኣበይ ከይበለ ናብ ጋህሲ ይሽመም"

 

Berhane Habtemariam

8 Std. ·

ወርሒ ነሓሰ ዕለት 21, 2018 ዓም ፈረንጂ

 

ለባማትን በላሕትን ኣቦታትናን ወራዙት ኣዴታትናን እንክምስሉ "ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትኖኣ ትናፍቕ" ይብሉ። ወይ ድማ "እዚ በዓል ዋጣስ ክዋጢ ዘይኮነስ ከውጠጢ" ይውስኹሉ። ኣብ መሬት ዘይወድቕ ረዚን ምስላ ከምዚ ናይ ገለ ሰባት ሕሱር ተግባራት ምስ ኣጋጠሞም እዩ።

https://img.youtube.com/vi/ASCOF-4lRh0/mqdefault.jpgኣብዚ ታሕቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ እትዕዘብዎ ዘሎኹም ድምጻዊ' ክብሎ ሓሜን ካሕሳይ በርሀ [ኣነ እቲ ዳሕረዋይ ኣምር ይመርጸሉ] መሬትን ርስትን ምዑታት ጀጋኑን ሰውራውያን ዜጋታት ኤርትራን ኣባላት ሓርበኛታት ጀጋኑ ውድብ ህግሓኤን ብሓፈሻ፣ እታ እንኮ ብማንም ንዋይ [ገንዘብ] ዘይትትመን ክብርትን ወርቃዊትን ህይወቶም ምእንቲ ሃገረ-ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን በጃ ዝወደቑን ዝሓለፉ ብሉጻትን ውፉያትን ተጋደልትን ዋርሳይ ስዉኣት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድማ ብፍላይ፣ ከምኡውን ኣብ ክንዲ ነቶም ሓርነት ዘምጽኡን ደሓር ድማ ሃገር ዘድሓኑን ንኣስታት 20 ዓመታት ዝኣክል ኣዒንቶም ሰለም ከየበሉ ኣብ ድፋዓትን ቅድመ-ግምባርን ዓሪዶም ብጽንዓትን ጅግንነትን ካብ' ገባትን ሓሳውን ሰራቕን ዓሌታዊ ስርዓት ሕውሓት ዝተኸላኸሉን ኩለንትናዊ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈሉን ሃዋህው ሰላም ዝምጽኡን ሓርበኛታት ኤርትራ ጐስዩ፣ ኣብ ኣምሰያኡ ናብ ነታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እዉጅ ወራር ኲናት ዝወልዔትን፥ ጠንቂ ኣስታት 20 ሽሕ ጀጋኑ መንእሰያት ኤርትራ መስዋእቲ ዝኾነትን፥ ኣብ ህዝባዊ ትካላት ኤርትራ ኣረሜናዊ ዕንወት ዝፈጸመትንን፣ስድራ-ቤታትን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንምብትታን ስጋብ ካብቲ ቸይ ቸይ ኢላ ተኾይጣትሉ ዝነበረት መግዛእታዊ ስልጣን ቅድሚ ትማል ስጋብ ትዕሎ ብተንኮልን ብመደብን ብግብርን እትሰርሓሉ ዝነበረትን፣ ኣብ ልዕሊ 70 ሽሕ ዝኾኑ በርጌስ ንጹሃን ሰላማውያን ኤርትራውያን ንብረቶምን ገንዘቦምን ዘሪፋን ሰሪቓን ዝሰጎገት ስነ-ስርዓትን ስነ-ምግባርን ዘይብላን ሕጊን ሰብኣውነት ዘይትፈልጥን መሃይም ዝበልዓትሉ ጻሕሊ ተሞኽልያ እትሰብር ጠላም ናይ ሸፋቱ ጭፍራ ሕውሕት፣ ጉምብስን ክምስምስን እናበለ ናብታ ንሳ እትመሓድራ ክልል ትግራይ ብሕጓ ናብ ውሻጠ ከተማ መቐለ ሰተት እናበለ ድርግም ኢሉ። "በሶሮስ ናታ ገዲፋስ ናይ እንዳማታ እናምቦሃቘት ትናፍቕ" ዝበሉዋ ናይ በላሕቲ ኣበዋትና ምስላ፣ ስጋቦይ ኢለ ነዚ ዘመንና ዘምጽኦ ቅጥፈትን ሸርሒን ፖለቲካዊ ሽርሙጥናን ብርግጽ ገላጺት እያ።

ተዓዘብhttps://www.youtube.com/watch?v=7FDIL28hTjY

 

ኣነ ናይ ምኻዱ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘዛርበኒ ዘሎ፣ ለባም ከም ኣቦታቱ እንተዝኸውን ኔሩ፣ ስለምንታይ ቀዳምነታቱ ዘይሰርዔ? ስለምንታይ ቦኽሪን ኣፈና መንገዱን ጉዕዞን ናብታ ሰፈርን ባይታ ጀጋኑን ኣደራሽን ከርሲን ስውኣትን ዝኾነት ክብርቲን ሕብንትን ሃገሩ ኤርትራን ጽኑዕን ተባዕን ህዝቡን ዘየቕንዔን ዘይገበረን? ? ? ?

 

በለጽ፣ ምስሉይነት፣ሓሜንነት፣ሸቐጥ፣ስርቂ፣ [ነዘን ክልተ ዳሕረዎት ኣምራት ናይ ዘመንና ወንጀለኛታትን ሰረቕትን መታለልትን ሓሰውትን ጐሓሉን "Bizness" እዮም ዝብልወን] ዕሽነት፣ሃገራዊ ክሕደት፣ረሳዕነት [ምናልባት ናይ ስነ-ኣእምሮ ጸገማት እንተሃልዩ ማለት እዩ]? ? ? እዝስ ምስ ምንታይ ይቑጸር? ? ? ካልኣይ ሳልሳይ ናይ ሕማም ደግሲ.? ? ?

 

ባዕልኻትኩም ሓሲብኩም ገላቢጥኩም መዚንኩም ተዓዚብኩም ሓሳባትኩም ኣምብሩ። ኣነ ነቲ ዝነበረ ቀብዛሕዛሕን ናይ ኣሳሰይቲ ዝመስል ዘይንቡር ክመስመስን ምስ ተዓዘብኩ እየ ውልዕ ኢሉኒ ነዚኣ ጽሒፈያ። በዚ ሰብ' ሃገራዊ ሓላፍነት ዝጐደሎ ንዝወሰዶ ስጉምቲ፣ ዝኾነ ዝመጽእ ዘርባዕባዕን ዘይምኽኑይ ዘረባን ንምኩሕሓልን ንምቁንጃው ዝግበር ፈተነ፣ ብናተይ ርእይቶ ከንቱ እዩ።  እዚ ዎደሓንኩም፣ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!

 

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!!!


ክብርን ሞሳን ንቶም ደኺምና ከነዕርፍ ከይበሉ ብትግሃትን ብመትከልን ስጋብ ሕጂ ብጊሓትን ቀጻልን ሃገር ዝሃንጹን ዝከላኸሉን ዘሎዉ ሓርበኛታት ጀጋኑናን ናይ ሓርነታውን ምክልኻል ሃገርን ኲናት ምዑታት ስንኩላትና!!!

 

ዓወት ንሓፋሽ!!!


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events