Dehai

ግጥሚ *** ግብዝ ንኣመሉ *** ብገዲም ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 24 August 2018


        ***ግብዝ ንኣመሉ***

እቲ ዘይነሰሐ 
ምኒን ወግሐ ጸብሐ
ሕምሩግ ዝተመራሰሐ
ሽንፍላ እንደኣሉ ፥ተሓጺቡ ዘይነጸሀ

      ወትሩ ናብ ቁሪምሪም
     ፓፓጋሎ ዝበልዎ ዝደጋግም
     ነገር ዝለቓቕም ፥ዝገፋግፍ ቀሪም
     ለኣኽቱ ክግነዙ ፣ንሱን  ተደኒሱ ዝሓምም

ወጅሁ ዘህደመ ፥ሕሙስ ተረፍ ሚሐ
ገመል "ዶ ሕጂ ተዓንቂፉ፥ ንሱ እንተነበሐ
ጅላሕ ቅኒቱ ፤ድምጸ-ሕሉቕን እንተቃልሐ
ሓሹል ንኣመሉ፣ ጽልሙት ኣየብርሀ

         ክንዲ ዝናዘዝ ፥ኣበሳ ኣብ ልዕሊ ኣበሳ
ክንዲ እቕረ ዝብል፣ ዝናሳሕ ካብ ጽባሕ ጣዕሳ
ጽያፉ ሰቲሩ ትም እንተዝብል ውን፥ እደለ ምኾነ
ብኣዛብእ ቀትሪ ፤ብሓሳዳት ጓኖት ዝቃነ

       ዓመት መጸት ፣ናብ ሓንካስ ታቦት ዝነግድ
ብዕስበት ዝኽድም ፥ናብ ደመኛ ዝሰግድ
ካብ ቀዳማዩ ፣ዳሕራዩ  ዝገድድ
ግብዝ ንኣመሉ፥ መጋርያ ህውከት ዘንበድብድ
 
         ኣንታ መጉሃይ ዘመዱ
 ጥምዙሕ ሸያጢ ዓዱ
ብኻ ከይቦቖልካ ተሪፍካ፥ ማዳ ሃገር
ከይተኣኻ ሕረር ፥ከም ቃንጥሻ መሮር

       እቲ ውልዶ ዕሸል ፤ሃገር ዘውሓሰ ፋርስ
ዶባቱ ዘጽነዐ  ፥እቲ ሓላው ወሰን ዘርኢ ኣናብስ
ክንዲ እንቋዕ መጎሰካ  ትብሎ፤ ኣንታ ግብዝ መኹዘዘይ
ንህውከት ክትምህለል ሎኽላኽ ፥ንጀነቫ   ክትጎይይ

      መሲሉካ ደኣ ፤ኣንታ ሓታል ተረፍ መኹባዕቲ
ሰላም ህዝቡ ዘይእንታዩ ፥ ስርኤል ሳጥንኤል ዛርቲ
ሽኩሹካ  ዘፍትወሉ፥ ንፋስ መንጠሊና ንፋስ ቃኤል
ዝሩግ ሓሞት፤ ናይ ዘበንና ረሲእ  ግናይ ተቄል

      መንነቱ ዝኸሓደ ፥ ባርነት ዝናፍቕ ሰነፍ
ባንዴራ ሕድሪ ተሓሲሙ ፣ ምስ ሰመያዊት ዝስለፍ
ደመ ርጉእ መጋበርያ ሓሳድያን፥  ናይ ልኡኻት ልኡኽ 
መሸተ  ግብዝ፤ ኣብ ዳስ እንዳማቱ ዘውደኽድኽ

       ሓሹል! ዝወለደትካ ፥ ዓረም ዝብኢ ቀትሪ
ንመልቀሳ ዲኻ ንጀነቫ ፤ኣፈርክቡ ሓመድ ድበ ቀብሪ
ግብዝ ! መን ደኣ እዩ ከትኩዓካ፥ዘኽቲምካ ዶ ሕጂ
 ኣንታ መስከብ ሽለት ፣  ዘርኢ ክርዳድ ጉሻ ጉርዲ

         ምስ ቶም መናፍቓን ፥ሃዋርያት ዘርጊ ትመሓዞ
ሰላም ምስ ተረኽበ ፥ ምስ ተጀመረ  ሰናይ ጉዕዞ
ኣመል ከይተርፍ ፥ታቦት ጀነቫ ቅርዓት ርቡጽ ትነግድ
  ግብዝ  ንኣመሉ ኢኻ ኣብ እግሪ ወያነ ትሰግድ


        ዓወት ንሓፋሽ
     ኣሸናፊ ኣብርሃም((ኣሼ))
            ጀርመን
           24/8/ 2018


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events