Date: Saturday, 25 August 2018
"ዕንቝርዖብ`ሲ ያኢ ንሓርማዝ ክትመስል ተነፊሓ ተነፊሓ ኣብ መወዳእታ ከም ፍሒኛ ትትኮስ" ዓቕማ ዘይትፈልጥ ጭፍራ ሓሳዊት ሕውሓት'ውን ኣብ`ዚ እዋን`ዚ እዚ`ዩ ኣጋጢሙዋ።
ወርሒ ነሓሰ ዕለት 25, 2018 ዓም ፈረንጂ
"መንግስቲ ኤርትራ ብሓይሊ ክንኣሊ ዓቅሚ ኔሩና" ይብል እዚ ዓንጃል ጌታቸው ረዳ ሓደ ድሓር ናብ መሪሕነት ጭፍራ ሕውሓት ዝተጸምበረ ኣእንዶ ወይ ልቢ ዘይብሉ ዓዋን! ውግእ ያኣሲ ኣባልዓ ጥሕሎ ዓድኻ መሲሉካ? እታ ንመንግስቲ ኤርትራን ንህዝባዊ ግምባርን ዝዀዓትኩማ ጉድጓድ ግን ብጽንዓትን ሓያል ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን ኣብታ ጋህሲ ንባዕልኹም ተሸሚምኩማ!|....................
ኣዚ ሓደ ጉዳመኛ ወይጦ ኸኣ ከይሓፈረ ብትዕቢትን ጽልእን ከም`ዛ ዓይበት ተነፊሑ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፣ „እቲ ሓደ ቃል ልንኣትዎ ከምቲ ል ሶቭየትን ደርግን ልሰዓርናዮም ንመሪሕነት ሻዕውያ`ውን ከም እንስዕሮም ብዘይጥርጥር ብምግላጽ እዩ“። ቃል ናይ`ቲ እዋን ኣብ ግዜ ውግእ ባድመ *1998-200* ናይ ክሊ ትግራይ መስፍናዊ ገዛኢ ኣባል ጭፍራ ሕውሓት ነበር ዝነበረ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ካብ ዝፈከሮ ሓሶት ብኸፊሉ…………………….ኣየ ዓዶኽዶኽኽኽኽኽ!
ሓሰውቲ! ንስኹም ደኣ ኣሹንኳይ ንሶቭየት ክትስዕሩ ንደርጊ`ውን ናይ ምስዓር ዓቕሚ ፍጹም ኣይነበረኩምን። ንሶቭየት`ከ ደኣ ኣበይ ረኺብኩማ ወደይ? ወይሲ እቲ ብህግሓኤ ዝተኻየደ ብ „ሓመድ ድበ ናደው“ ዝፍለጥ ዓቢ ኲናት ወይ ወትሃደራዊ ስርሒት እሞ ኣውኡ ሰለስተ ላዕለዎት መኮንናት ሶቭየት-ሕብረት ነበር ዝተማረኹሉ እዋን ከምቲ ኩሉ እዋን ትሕስውዎ ንሕና ኢና ጌርናዮ ክትብል ደሊኻ? ዓይኑ ዘውጽኤ ጐልሓጥ ሓሶት! ዓቕምኹም`ባ ፍለጡ!
ንስኻትኩም/ሕውሓት ደኣ ኣብ በረኻ ትግራይ ክትሰርቁን ኮለል ክትብሉን ገለ ጠርቆሽቆሽ ከተብሉን እምበር እቲ ዓበይቲ ውግኣት'ሲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ እዩ ተፈጺሙን ብደርጊ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ`ውን ኣውኡ ኣብ ኤርትራ እዩ ተሳዒሩን። መን እዩ‘ኸ ደጀንኩም ደደቢት ብሰራዊት ደርጊ ብ1989 ዓም ፈረንጂ ክድምሰስ ቁሩብ ምስ ተረፎ ብኣውያት ዝመስል ናይ ርድኡና ጻዊዒት ንህግሓኤ ዘቕረበ? ሕውሓት`ዶ ኣይኮነን ዘእወየ? ህግሓኤ'ዶ ኣይኮነን ሰራዊቱን ታንክታቱን መዳፍዑን ኣሰሊፉ ኣብ ጎንኹም ኮይኑ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ንሰራዊት ደርጊ ኣብ ሽረ እንዳስላሴ ደምሲሱ ብድሕሪኡ ሰራዊት ደርጊ ንትግራይ ርዖኡ ጠቕሊሉ ከም ዝወጽእ ዝገበረ? ወፍሪ ስግረ-ዶብ ስጋብ ምትሓዝ ኣዲስ ኣበባ'ኸ ረሲዕኹም ዲኹም? ወይ ጉድድድድድድድድ!
YOUTUBE.COM
Eritrea - መንግስቲ ኤርትራ ብሓይሊ ክንኣሊ ዓቅሚ ኔሩና ይብል Getachew Reda - Ethiopia Tigray
#HakiFitewu #Eritrea #Eritrean