Date: Tuesday, 28 August 2018
ማዕከናት ዜና ብዝደጋግመኦ ዜና ሓሶት: ዝቕየር ሕብሪ የለን!
ህዝቢ ክፈልጦ ዘሎዎ ጉዳይ!
ብዘርኣይ ሰሎሞን ዓባይ ብሪጣንያ
ወርሒ ንሓሰ ዕለት 28, 2018 ዓም ፈረንጂ
ወለዲ ክምስሉ እንከለዉ:- “ተዛረበለይ ኣይ ከም ኣፍካን: ግበረለይ ኣይ ከም ኢድካን::” ኢሎም:: መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ? እንዲዩ! ኣፍ እንከለና ክንዛረብ: የእዳው እንከለና ክንንቀሳቐስ ካብ ከኣልናስ: ንምንታይ ናብ ተዛረቡልናን ግበሩልናን ንጽበ:: ዝመስለና ካብ ደረት ሕግን ስርዓትን ከይወጻና: ሓሳባትናን መጽናዕትናን ዘይንጽሕፍ ካብ ዝብል መሰረት ኢየ ነዚ ምስላ ኣቕሪበዮ:: ምኽንያቱ:- “ምስ ተወቓዕካ ምንጽርጻር: ዝብኢ ምስ ከደ ሓጹር ምሕጻር:” ፋይዳ ስለ ዘይብሉ::
ትማሊ: ሎሚ: ጽባሕ: ካብ ልቢ ዝነቐለ ክትዕ እንተዝጠማጠማ: ኣነ እሕይል: ኣይፋል ኣነ እባ ድኣ እንተዝበሃሃላ: መን ኮንምረትዐት? ርግጸኛ ኢየ ኣብ’ቲ ጥምጥም: ሎሚ ዘመና ኮይኑዋ እትዕምጸን ኮይኑ ይስመዓኒ:: ግዳ በብሸነኹ ነናተን ሓይሊ ከይሃለወን ኣይተርፍን ኢዩ:: ከም ትማሊ ገይሩ ምስ ናይ ሎሚ ዝተጨበጡ ምንባር ዘራኽብ ክህሉ ኣይክእልን:: ከም ጽባሕ ብተስፋ ንማዕዶ ዘጠምት ‘ውን የለን:: ኣብ ትማሊ ታሪኽ ይስራሕ:: ኣብ ሎሚ ሕሉፍ ይስነድ:: ኣብ ጽባሕ ከኣ ግዜ የርክብ: እቲ ዝሓለፈ ግዳ ትዝታን ዝኽርን ውርሻን ይገድፍ:: ዓወት ገዚፍ ዓንኬል ኢዩ ዘለዎ:: ብዛዕባ ሰባት እንተኾይኑ: ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ዕዉት ኢዩ ክትብሎ እንተ ድኣ ኮይንካ: ብውሑዱ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ በዳህቲ ተባሂሎም ንዝጥቀሱ ሓይልታት ዝመልኽ ክኸውን ኣለዎ:: ብቐመር ህዝቢ ዝልካዕ ዓወት እንተኾይኑ ኸኣ: ንትምክሕቲ ዘይኮነ: ብህልው ውሽጣዊ ክውንነቱ ዓለም ፈሊማ ዳግማይ ከተተግብሮ ዘይከኣለቶ ዘለኣለማዊ ዓወት ዝተጓናጸፈ ህዝቢ እንተሃልዪ: ሓደ ህዝቢ ጥራይ ኢዩ:: ንሱ ኸኣ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ::
ካብ' ዚ ቀረባ እዋን ንደሓር: ብሕልፊ - ገለ ማዕከናት ዜና ዓለም: ‘ዜና ሓሶት’ (Fake News) ይንዛሕ ከምዘሎን: ከም ሞያ ተታሒዙ ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ናይ ፈጠራ ወረ ዝዝርግሑ: ምንጭታት ተለኣኣኽቲ ዕሱባትን ይበራኸቱ ምህላዎምን ደጋጊመን ይሕብ ኣለዋ:: ዜና ሓሶት ከኣ: ኣብ ሓደ እዋን ማሕታ ሂቡ ዝቕህም ኣይኰነን:: ንሓያሎ ዓመታት ብሞያውያን ምንጭታት ክስረሓሉ ዝጸንሐ ብምዃኑ: ምብዛሕ ምንጭታት ‘ዜና ሓሶት’: ከም ስነ-ኣእምሮኣዊ ውግእ: ወይ ኹናት ገይሮም ዝቘጽርዎ ወገናት ኣለዉ::
ተለቪጅን ኣልጀዚራ: ንኩነተ-ኩነት ፖለቲካ ኤርትራ ኣመልኪታ እትዝርግሖም ዜናዊ ሓበሬታታት: ምንጫ ኣብ ባይታ ካብ ዘሎ ክውንነታዊ ሓቂ ዝብገስ ዘይኮነስ: ኣብ ማሕፉዳኣ ካብ ዝኸዘነቶ ፖለቲካዊ ሕሳባት ዝብገስ ምዃኑ: ዝህረም ዘሎ ተርባጹ ዝማህመነ ከበሮ ዜናዊ ሓሶት ህያው ኣብነት ኢዩ:: ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንባዕሉ: በቲ ብናይ ሓሶት ዜና ዝተፈብረከ: ኤርትራ 2000 ሰራዊት ናብ ሶማል ሊኢኻ ዝብል ናይ ሓሶት ዜና: ክሳብ ናብ ዘይፍትሓዊ ዝተስገደድ እገዳ ዘብጽሐ ምዃኑ: ገና
ቐለሙ ዘይነቐጸ ናይ ትማሊ ጽዋ ኢዩ::
FCO: ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጸኦ ናይ ዜናዊ ስትራተጂ ውጥን ስራሕ: ናብ ቢቢሲ (BBC) ዝቐንዐ ናይ 20 ሚልዮን ወጻኢ ብምግባር: ኤርትራ ንእትርከበን 11 ሃገራት ዜናዊ ሸፈነ ክገብረለን ኣሚሙስ: ድሮ ጀሚሩዎ ኣሎ:: እዚ ዜናዊ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ሸፈነ' ዚ ብቛንቛታት ትግርኛ ዝፍኖ ኾይኑ: ኣብ ራድዮ ትግራይ ኦን ላይንን ዝነጥፉ ዝነበሩ ሓሙሽተ ትግራዎት ኣቢሉ ነቲ ናይ ቢቢሲ ትግርኛ መደብ ' ኳ እንተጀመሮ: ከም ቀዳማይ ዕላማ ናይ' ቲ መደብ: ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ብምንባሩ: ነቲ ኤርትራ እትኽተሎ ልምዓታዊ ዜናዊ ስትራተጂ ንምኽላፍን ምዝባዕን: ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ግዳም ይኹን ኣብ ውሽጢ: ብሕጽረት ዜናዊ ሓበሬታ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ኣምሲልካ ብምድዋን: ነቲ ሕቡእ ኣጀንዳ ንምትግባር: ላህጃ ናይ' ቲ ድሮ በቶም ትግራዎት መደብ ትግርኛ ቢቢሲ ተባሂሉ ዝፍኖ መደብ: ብኤርትራውያን ተቐባልነት ክህልዎ ከም ዘይክእል ምስ ተፈልጠ: ቢቢሲ ሓድሽ መደብ ፈነወ ትግርኛ ክምድብ ነይሩዎ:: ስለ ዝኾነ ኸኣ: ብኣላይነት ጋዜጤኛ ቢቢሲ ነበር ማርቲን ፕላውትን: ኣባል ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ኪኖክ ( Bar ones s Ki nnoc k of Hol yhead) ኤርትራውያን ክነሶም: ኤርትራዊ ሃገራውነቶም ዘህሰሱ: ብግዝያዊ ጥቕሚ ዝዓወሩ ሰባት ከናደዩ ነይሩዎም::
…………………………..ምንባብ ቀጽል
ብርሃነ ሃብተማርያም
ምንጪ ጽሑፍ፡ መርበብ ሓበሬታ ራይሞክ