Dehai

***ጽን በሉ***ብገዲም ተጋዳላ ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ) ጀርመን 2018

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Saturday, 03 November 2018

***ጽን በሉ***
ኣቱም በዓል  ዒኮ ሚኮ 
ዒደር መልሓሶም ዓኮ
ዳንዴር ዝቦቖሎ ልሳኖም ኳኹቶ
እዝንኹም ጽለዉ በዓል ከንቶ መንቶ

       እቲ ቃሉን ግብሩ ዝሳነ
ብሓያት ዘይምለኽ ዘይዳነ
ርእሲ ከደምቲ ዘድነነ
ጽን በልዎ ነቲ ኣድሃ ፈዳይ ሕነ

     ኣንቱም በዓል መዘርባዕ
ዝበልኩም ኔው ነጀው ጸፋዕ ፋዕ
ተካል ንፋሶም ንፋስ መንጠሊና ዝቅድሙ
መጸኩም በሉ ነቢይ ከስምዓኩም፡የጥዕሙ

       ኣንቱም መንባሃቕቲ  ርቡጻት መንፈስ
ጽን በልዎ ጽባሕ ነቲ ሓጥር ዘይቅለስ
***ባሕርና ሸይጡ  ውዕላት ፈሪሙ** ክትብሉ
ኣእዛንኩም ኮክዑ በዓል ጽንግሊል  ሽሉ ምሉ

      ኣንበሳ ዞባና ኣርሓ ኣርሓታት ኣድሃ
ሓራ መስመሩ ኣሚኑ ጸላምና ዘብርሃ
እቲ ዕጉስ ነብይ ወዲ ኣፎም ሓየት ኮርዒዳ
ረባዕ ሓዋይ ገመል ዝራብዕ ብዓል መንጉዳ

     ጽን በልዎ እዝንኹም  ዝዃኺ
ወሓጥዎ ድምጺ ጓዛሚ ወዲ ኣፈወርቂ
 ኣንቱም በዓል ዋሎ ክሑናት ኣእምሮ
ጽባሕ የራሕበና ኣብቲ ስብራ ምስ ኤሱ ኣባ ነብሮ

   እንተ ንሕና እኳ እሙን ሊእኽና ንቐስን
ሃዋርያት መሪቕና ነፋኑ ነቲ ናይ ሃገር መድሕን
ጎንና ዓሊቡ መዓስ ተማቲእናሉ  ንእሙን
ተመስገን ኢልና ኢና ብርኩ ብርኪ ሓጺን ትኹን

   ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
ጀርመን

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events