Date: Wednesday, 14 November 2018
ምስሊ ጽንዓትካ ኣብ'ዚ ኢዩ ዘሎ!
እነሆ እቲ ንዓመታት ኣብ ዝባንካ ተጻዒኑ ዝነበረ: ዘይሕጋዊ ዝተስገደደ እገዳ ካብ ዝባንካ ተቐንጢጡ ይወርድ ኣሎ እሞ እዚ ብሳላ ጽንዓትካን ተወፋይነትካ ዝጨበጥካዮ
ዓወት ኢዩ እሞ -ዮሃና -ደጊም ጉዕዞኻ: ሎሚ 'ውን ከም ትማሊ ሕልምኻ ንዳግመ ህንጻ ሃገርን
ክብሪ ሉኡላውነትን ይኹን! ንኹሉ ተጸሚሙ: ናብ'ዚ ደረጃ ዘብጸሓካ: መሪሕነትን ህዝብን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን! ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት 14 ሕዳር 2018
ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ ዘይፍታሓዊ ማዕቀብ/ እገዳ እቲ ንትሽዓተ ዓመታት ሓንኪሎም ሒዞሞ ዝጸንሑን እቲ ኣብ 1952 ዓ.ም ዓሎቅዝተገብረን ጌጋ
ውሳኔታት ምኻኑ ይቕረ ክሓቱን ክኽሕሱን ምስ ዝኽእሉ ጥራሕ እዮም መቐረት ሓቕን ትርጉምን ፍትሕን ኣብ ዓለም ዝረጋገጽ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ናይ'ቲ ንነዊሕ
ዓመታት ዝተበደሎ ባይቶ ጸጥታ ሕብራት ሃገራት ኢድ ነሲኦም መሊኦም ዝኽሕስሉ ኣጋጣሚ ንጽበ!
ክብርን ሞጎስን ነቲ ጸኒዑ ዘጽንዐ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን መሪሕነት መንግስቲ ሃገረ ኤርትራን! ዮሃና! ነቲ ዓወት ሰኒቑን ኣብ ዓወት ዝጸንዐ ህዝቢ
ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን መሪሕነት መንግስቲ ሃገረ ኤርትራን!
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና !
ዓወት ንሓፋሽ