Dehai

"ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ፣ ቆርበት በጊዕ ኣንጽፉለይ በለ" ወይ ድማ "ጋሻ ዓዲ [ዓዲ ጓና] መሐሰዊ"

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Monday, 17 December 2018

 
 
Berhane Habtemariam hat einen Beitrag geteilt.
ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 17, 2018 ዓም ፈረንጂ
 

እዚ ሰብ ኣዚ ተመስገን "ካሕሳይ" ትብል ስም ኣቦ ብሓሶት ተጠሚቑ ሓቀኛ ምሉእ ስሙ ግን ከም`ዚ ሓደ ሓው ኣብ ታሕቲ ሓቢሩና ዘሎ "ተመስገን ኪሮስ" ዝበሃል ኮይኑ፣ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየ ዜግነቱ ግን በቡኡን በዲኡን ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ እዩ። በቲ ምቕሉል ዜግነታዊ ሕጊ ኤርትራ ግን እቲ ክቡር ኤርትራዊ ዜግነት ክቕበል በቒዑ እዩ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ "ንስኻ ትቦ" YT. መርበብ ናቱ ኣጉዶ ከፊቱ ካብ'ቲ ውሻጠኡ ብመስኮት ተቐልቂሉ ብሓሶት "ኤርትራዊ ሃገራውነት ተጠሚቑ" ወግሐ ጸብሐ ኣንጻር ኤርትራን ስነ-ምግባርን ባህልን ኤርትራ ጸለማዊ ወፈራ ካብ ዘካየድ ሓይሎይ ግዜ ኮይኑዎ ኣሎ።

 

እቲ ዘገርም ከምዝን ንዕኡ መሰልቲ ተዛረብቲ ቛንቑ ትግርኛ ግን ብመበቘሎም ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ከነሶም ብጉጅለ ህውሓት ተዓሲቦምን ተቘጺሮምን ብኻልእ ናይ ሓሶት ስም ብምሉኡ ወይ ድማ ብኸፊሉ ተጠሚቖም ከም ኤርትራውያን መሲሎም ኣንጻር ኢርትራን ህዝባን ለይትን መዓልትን ኣብ'`ዚ ዘመን ኣምጽኦ ድሕረ-ገጻት ክግዕሩ ምዕዛብና እዩ።

 

ኣዞም ሓሰውትን መደናገርትን ተብለጽትን ጸጉሪ በጊዕ ዝተኸድኑ መታለልቲ ቶዃሉን ግን ውዒሎም ሓዲሮም ከይተኸሽሑን ከይሓፈሩን ከም ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ከይኮኑ ከም ዘይተርፉ ዘበት እዩ። ናይ'ዚ ኣብነት ከኣ ኣብ'ዚ ታሕቲ ኣትርእይዎ ዘሎኹም ስቡሕ ድዑል ዝመስል ደረቕ ስእሊን ምስኡ ተታሓሒዙ ብሓደ ኤርትራዊ ሓውና ዝቐረበ ንዕኡ ዝምልከት ኣብ ጭብጢ ዝተመስረተ ጽሑፋዊ መግለጺ እዩ።

 

ናይዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ባዕዳውያን ቁጹራት ባእታታት፣ ከምቲ ለባማት ኣቦታትናን ወራዙት ኣዴታትናን ነቲ እኩይ ስርሖምን ተግባራቶምን ዝምልከት ዝምስልዎ "ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ፣ ቆርበት በጊዕ ኣንጽፉለይ በለ" ወይ ድማ "ጋሻ ዓዲ [ዓዲ ጓና] መሐሰዊ እዩ" ይብሉ። ዝኾነ ሰብ ባእታ ወይ ጉጅለ ዝሓሰወ ሓስዩ ሰሪቑ ኣታሊሉ ኣደናጊሩ የዳናግር፣ ካብ ዓይኒ ቁራኛ ሓፋሽ ተሓቢኡ ክነብር ወይ ከኣ ካብ ምክሻሕ ከምልጥ ግን ናይ ግዜ ሕቶ እምበር ዘበት እዩ።

 

ኣብ መደምደምታ ክትርድኡለይ ዘለኩም ነገራት ግን፣ ኣዚ ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ኣጉዶኡ ከፊቱ ስለምንታይ ብዛዕባ ኤርትራን ተጨኒቑ ዘርባዕባዕ ኣናበለ ይዛረብ? ኣይኮነን እቲ ሕቶ። ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ እየ ኢሉ ማንነቱ ኣነጺሩ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ክዛረብን ኽጽሕፍን ይኽእል እዩ። ከምኡ ምስ ዝገብር ድማ ንሕና ኤርትራውያን ክንገጥሞን ክንብድሆን ድሉዋት ኢና። ግን ናይ ሓሶት ስም ተጠሚቑ ዝያዳ ካውኡ ዝኸፍኤ ደረጃ`ውን ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ከንሱ "ኤርትራዊ እየ" ኢሉ ብሓሶት ብስም ሃገርና ክሽቅጥ ገበን እዩ፣ ኣይነፍቅደሉን ከኣ።

 

ኣዚ ዎደሓንኩም፣ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን!

ብርሃነ መስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቀሺ]

 
Bild könnte enthalten: 1 Person, Selfie und Nahaufnahme

ሓቀኛ ታሪኽ ናይዚ በጊዕ መሰል ቶኹላ ዓጋመ ውነቱ የሕፊሩዎ ኣነ ኤርትራዊ እየ ዝብል ዘሎ ኣይኮንካን ትግራዋይ ኢኻ ይብሎ ኣለኹ ።


ሽም: ተመስገን ሳጋ (ዒሉ) ዝተማሃረሉ ቦታ (ቃሃዝ) ወይ ቀይሕ ባሕሪ
ሽም ኣቦ: ኪሮስ 
ሽም ኣደ : ኣረጋሽ ዜግነት ኢትዮጵያዊት ትግራወይቲ ኮይነን ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ናጽነት ልዕሊ ሳላሳ (30) ዓመት ስለዝገበራ ኣዋጅ ናይኤርትራ ድማ ልዕሊ ሳላሳ ዓመት አብ ኤርትራ ዝገበረ ወዲ ዝኮነ ሃገር ይኩን እንተ ደልዩ ኤርትራዊ መንነት ክሕዝ ይፍቆዶ እዩ ዝብል ስለዝነበረ ነዚ ዕድል ተጠቂመናሉ ።


ዜግነት : ኣቦይ ኪሮስ ኢትዮጵያዊ ትግራዋይ ኮይኖም ካብቶም ዘረባ ትግርኛ ናይ ኤርትራ ዘይመለኹ ፉሉጥ ትግራዋይ እዮም ። ነቲ ኤርትራ ዝሃበቶም ዕድል ዜግነት ናይ ማሓዝ መሰል ኣነ ትግራዋይ እየ ብምባል ተሓሲሞሞ እዮም ።


ዓይነት ስራሕ አቦይ ኪሮስ: ኣብ ኣባሻዉል ማይ ኣፍረስ ሓሰር ብምሻጥ ዕንጨይቲ ከምኡውን ንህቢ ገዚእካ ብመክሰብ ምሻጥ በዚኤን ስራሕ ንተመስገን ዳዕበዩ ኣምሂሮሞ ።


ስራሕ ወላዲት ተመስገን ኣደይ ኣረጋሽ: ስዋ ብምሻጥ ይፍለጣ: ብዝሒ ውላደን 4 ኣወዳት እዮም ሓዲ ደርጊ ቢሄራዊ ውትህድርና ምስ ዎሰዶ ኣብ ውግእ ብሻዕብያ ተቀቲሉ ሞይቱ ሹሙ ድማ ሞኮነን እዩ ዝባሃል ዝነበሮ ስራሕ አብ ማይ ኣፍራስ ሰራሒ ጫማ ፈረስ ። ካላኣይ ወደን ንጊዚኡ ሽሙ ረሲዔዮ ኣብ ሶማል ምስ ከደ ሞይቱ ተባሂሉ ሬሱኡ ዘይተመልሰ: ኣባ ሓንቲ ጋል ኮይኑ ጓሉ ሰይቲ ሄርሞን ደራፋይ አሰሳይት ትብልካሴት ዝሓተመ ሰበይቱ ዘላ ።


ሳልሳይ እዚ ሕጂ ኤርትራዊ እየ ዝብል ዘሎ ተመስገን እዩ ተመስገን ምስ ምንኣሱ ሓዉ ካብ አቦይ ኪሮስ እዮም ዝውለዱ ብሓጺሩ አደይ ኣረጋሽ ካብ ክልተ አሰብኡት ከክልተ ወሊደን ማለትእዩ ።


አብዚ ሕጂ እዋን ኣደይ ኣረጋሽን ቀዳማይን ካላኣይን ሰብኡተን ዝነበሩን ምስቀዲመ ዝጠቀስኩዎም ክልተ ደቀንን ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም እዮም ነብሲ ይምሓር።


ዝተረፉ ተመስገን ምስ ንእሽተይ ሓዉን እዮም ፣ ተመስገን ኣብ 90ዓታት 12 ትምህርቲ ወዲኡ ብዘይ ቁምነገር እንጀራ ኣዲኡ ዳበለዕ ኮፍ ኢሉ እዩ ኔሩ ምስ ምምጻእ ናይ ሻዕብያ ግን ዳግማይ ፈተና ተፈቲኑ መእተዊ ነጥቢ ናይ ቲታኤ ( መሰልጠኒ መምሃራን) ረኪቡ ብምምህርና ሰራሕ ቀጺሉ ። እቲ ዝገርመኩም ግን ሃገራዊ ኣጎልጉሎት ብንእሽተየይ እየ ከይደ ክብልኮሎ እዩ አስደሚሙኒ ፣ መምህራን ምዓስ ድዮም ከቲቶም ትዝኩሩ እንተኮይንኩም አብ ምውዳእ ሳልሳይ ወራር 13 ዙርያ ኣብ ጋሕቴላይ እዮም ታዓሊሞም ሽዑዑ ካኣ ውግእ ተወዲኡ እዩ ኣየርከበሉን : እሱግን ከምተሸማሸመ እዩ ዘዕልለና ዘሎ ። ብዝኮነ ዘረባይ ከሕጽሮ ፣ ተመስገን በቡኡን በዲኡን መበቆሉ ጩው ዝበለ ትግራዋይ እዩ ዋላ ክንዲ ቅርኒብ ዓይኒ እትከውን ኤርትራዊ ዘርኢ የብሉ ። አብ ምምህርና እንከሎ ግን ምስ ሓንቲ ኤርትራዊት ታዓራሪኹ ተመርዔም ኣብ አሜርካ ከምዘለዉ ይፈልጥ ። ተመስገን ኪሮስ ናይ ሕጂ ተመስገን ካሕሳይ ማለት እዩ ኣስመራ ተወሊዱ ኣባሻውል ማይ ኣፍራስ ቀበሌ 10 ዝባሃል ዝነበረ ከምዝዓበየ ይምስክር ፣ ብዝያዳ ክትሓቱኒ ትክእሉ ኢኹም ክምልሰልኩም እየ ። ተመስገን ንዓይ ብሎክ ስለ ዝገበረኒ ንክበጽሖ ኣንቢብኩም ሸር ግበርሉ ።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events