Dehai

***ሕጂ ሊላይ***ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ) ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Wednesday, 23 January 2019

***ሕጂ ሊላይ***

ጡብ መዕበያ ዝነኸሰት ስኒ
ብኽድዓት ብደዐ፥ዘባጨወ ትማሊ
ናብ ዛ መድፈና ፣ ይጽገባ ደኣ ሎሚ
መርገም ወላዲ ፥እንተዘይ ቀተለ የዕነኒ

           ብትዕቢት ተወጢሩ ፤ጽጋብ ዝሰርነቖ
ራስዩን ገቢቱን ፥ዶላራት ጅቡኡ ዝጠርነቖ
ገዚዑ መናዚዑ ፥ድኻ ብጥምየት እንዳ ኣምብሃቐ 
ሕጂ እንደሞ ሓሻካ ይዋእ ፥ዕድመ ስልጣኑ  ተጸንቀቐ

        ደም ንጹሃት መዓስ ይሰድድ ኮይኑ
ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ ፥ክፍደ ኣብ እዋኑ
መሬት ዓደ - ቡኡ ክዝመት ፤ምስ ኣባይ ዝወገነ
ሕጂ  ግርም፥ ዕምሪ ኣኪላ ሊላይ ኮነ

       ትማሊ ተባሂሉ ጥራይ፥ መዓስ ይሕለፍ እቲ ገበን
ደመኛና ዝነበረ ዕሉል ፥ከዳዕ በረኸት ስምኦን
ሕጂ ዶ ይሓይሽ ደኣ ኣብ ሸላ ማሕቡስ ክትዳጎን
ኣንጻር ሃገርካ ዓጢቕካ፣ ልዕሊ ርብዒ ዘመን

      ሕጂ ሊላይ !ስብራ ኮይኑ ሳዕስዒት ኩዳ
ኣማስይኡ ረኺብካያ፥ ናይ ጥልመትካ ፍዳ
ካዕቦን ገበታን ዝገዓርካ ትማሊ፥ ለካ ኑዛዘ እዩ
ምስቶም ቢቢሳውያን፣ብልሳንኩም ዝቃነየ

       ዘምምታ ጎብየ  ደፋእ እንዳበለ
ሰለይ እንበር ዘይነጥር፥ ከም ማንቲለ
ንምሸቱ ከምዘረኻኽበሉ ፥በታ መራር ስላዕ
ቀሚስካያ ዶ ኣንታ ትኳዕ ፥ በረኸት ከዳዕ

        መስጣ ናይቶም ፥ኣብማሕቡስ  ዝሓቐቑ
መስጣ ናይቶም፥ ብገዛእ ሃብቶም ዝተሰርቁ
መስጣ ናይቶም ፥ ንስለ ሉኡላውነት ዝወደቑ
ኤህታ ዶ በጺሑካ ፥ኣንታ መርገም ስንቁ

         ዓደ-ቦኻ ክዝመት ፥ንብረት የሕዋትካ ክራሰ
ብሓሳድ ጉረቤት ደም ዕሸል ሳዋ ፥ደም ይከኣሎ እንዳፈሰሰ
ትልቕልቕ ዶ ኣይነበርካ ፤ዳስ እንዳማትካ ከተሳሲ
ሕጂ ሊላይ ኮነ ረኺብካያ እንበር ናይ ፥ክድዓትካ መልሲ

       ተቐሪምካ እንበር  ኣንታ ቀሪም ወይጦ
ተነቒስካ "ዶ 'ታ ፥ከም እሾኽ በታ ወረጦ
ደም ከምዘይሰድድ፥ ውዒሉ እንተሓደረ
ደቂሱ መዓስ ይሓድር ፥ እቲ ሸያጢ ዓዱ
ሕጂ ሊላይ ብስራት ተቐፊዱ፥ ከብዱ ዝዘመዱ

         ዝግ ጥራይ ንበል፥ ደላይቲ ሕሰምና ሕሰሞም ክንርኢ
ዓለም ክትግልበጦም ፥ካን ከምዛ ሰፍኢ
ገና ክስዕቡ እዮም ፥ኣሰር እቶም ጠረብረብ ዝበሉ
ግዚኦም ኣብቂዑ፡ሰብ እከይ ተግባር  ክፉእና ዝምህለሉ


      ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ)
         ጀርመን
        23/1/ 2019


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events