Dehai

**** እንበር ሰንዓ**** ብገዲም ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ) ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 12 April 2019

****  እንበር ሰንዓ****

ጠቂዖም ኣለሓሒሞ
ዘጠመቕዎ ፥ዘይቅዱስ ስሞም
ከበባን ክርደናን ፥ዘሳሲ ጉባኤኦም
ፈረሕረኽ ዶ በሉ ፥መስጣና ወሪድዎም

     ስሞም እኳ ኣይጠዓመ፣ስም ልቕብቃብ 
ሰብ ስሉስ ኪዳን ፥ ውሽጦም ትካብ ምካብ
 ዳር ንርኢ ኣለና ፥ሕምስምስ ክብሉ
ስልጣኖም ክገማማዕ፥ሓድሕድ ክቃለሉ

      ሕሰዳ ዘበገሶ ፣ጎይተቶም ከሳስዩ
ኪዳን ዝበልዎ፥ከም ክዳን በልዩ
ኣበይ ደኣ ኣለዉ ፥ሰብ ሰንዓ ፎርም
ግምዕምዕ ዶ ኢሎም ፥ኣብ ታኼላ ሽምም

      ሓድነትና ክዘርጉ፥ከሳውሩ እንባጋሮ
ናጤባ ዶ ወሪድዎም ፥ናዕቢ ፋኖ ቄሮ
ኣበይ ደኣ ሃጠሙ ፥ ማለሊት በሽር የመን 
ውሕጅ"ዶ ቦቂጽዎም ፥ዘመንና ኮይኑ ዘመን

    ቅድስቲ መሬት ዝጻባእ፥ቀሲኑ መዓስ ይሓድር
ኣብ ቢያት ዶ"ተቐቢልናያ ፥ከፊልናላ እንዲና በራውር
ደም ሓላላት ዝዛረላ፥ብሉጻት ዝሓተተት ሃገር
ሕልሚ እዩ ፥ብሰብ ሰንዓ ፎርም ክትድፈር

     ኣበይ ደኣ "ሎ ኪዳኖም፣ምንህንህ ዶ ኢሉ
ግዚኦም ክዕርብ ፥ኣባና ረፋድ ወጋሕታ ኮይኑ
 ፍሕሶ ተንኮል ገመድ ፥ኣብ ክሳዶም ውዒሉ 
ሰብ ሰንዓ ፎርም ፥ ስምኩም ውን ንሱ "ዩ ፋሉ

       ውሽጦም ክሕመስ ፥ሰላምና ረጉኡ
ዕድመ ስልጣኖም ፥እናረኣይዎ ሃጊጉ
ዘመን ተቐይሩ ፥ዓይርናዮ ንግዜ
ለካ ጻማ ኣለዎ ፣ብጽማመ ዝተጓዕዘ
            
        ዓወት ንሓፋሽ
ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
  ጀርመን - 11/4/2019



6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events