እቲ ሓቂ ብሕቅነቱ
እቲ ጽንዓት በቲ ጽንዓቱ
እቲ መኸተ በቲ መኸትኡ
ኣይህዉትትነየ ከምቶም ዝሃዉተቱ
ከም ዝሩግ ንፋስ ኣይበንንየ
ከም ዝሩግ መዓንጣ ኣይህዉንንየ
ከም ተስፋ ዝጸንቀቐ ኣይቀብጽንየ
ኣይፈታሕኩን ዕጥቀይ ጥዉዮ ነጸላይ
ኣይተቓመርኩን በታ ክብርቲ ባንደራይ
ከመይ ገሩኸ ክቕበሎ ሕልናይ
መዓልታዊ ዝቀያየር ሕብሮም
ንመቃጽርቲ ምሳና ተወሎዶም
ቁጽርና ይግለጽ ሓዊስካ ንዕኦም
ዉዕሎ ኣልቦ ክሕደት ምስክሮም
ህጣሞም ዘጥፍኡ ከም ዝበለየ በልዮም
ጥቕዒት ዝሓለፈ ንምኽዳም
ስኒትናን ሓድነትናን ንምዝርግ ምቅድዳም
ንዕንወት ኤርትራ ንህዝብኻ ምሽማም
ትግራይ ምጋሽ ንማለሊት ንምኽዳም
ዘይትገብሮ የብላን ዝበልዔት ከብዲ ጉዳም
ንትግራይ ምጋሽ ታሪኽካ ንምብላል
መንዩታ ጀነራልየ ኢሉ ዝኩሕሓል
በቶም ዝወደቑ ዝረኸቦ ስለዘሎ
ኣፉን ኢዱን ግዳ ዘይእክብ ካብ ኩብላሎ
ነየናይ ዕድመ እንታይከ ተሪፍዎሎ
ብመድሃኒት ለይትን መዓልትን ዝሕሎ
ሕጂዶ ይሓይሽ ኩሉ ፎእ ክብሎ
ሕስረት ዓዲሙ ሓኺኹ ዝነበሮ ዉዕሎ
እምበር መስዋእቲ ንጹሃት ደኣ መን ክብልሎ
እቲ ዉፉይን ቅኑዕን ዉዕሎ
ነዛ ሃገርን ንህዝብን ዝኸፈሎ
ንኹሉ ክብልሎ ኢዩ ነንዝሓልሞ
ንበዓል ክፍኣት ኣብኣ ከጥሕሎ
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማታት
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ ተኸስተ(ማንሃይም)