Dehai

ግጥሚ - እቲ ሓቂ ብሓቅነቱ - ግጥሚ ብብ/ወልዳይ ተኸስተ (ማንሃይም-ጀርመን)

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 09 October 2020


እቲ ሓቂ ብሕቅነቱ
እቲ ጽንዓት በቲ ጽንዓቱ
እቲ መኸተ በቲ መኸትኡ
ኣይህዉትትነየ ከምቶም ዝሃዉተቱ
ከም ዝሩግ ንፋስ ኣይበንንየ
ከም ዝሩግ መዓንጣ ኣይህዉንንየ
ከም ተስፋ ዝጸንቀቐ ኣይቀብጽንየ
ኣይፈታሕኩን ዕጥቀይ ጥዉዮ ነጸላይ
ኣይተቓመርኩን በታ ክብርቲ ባንደራይ
ከመይ ገሩኸ ክቕበሎ ሕልናይ
መዓልታዊ ዝቀያየር ሕብሮም
ንመቃጽርቲ ምሳና ተወሎዶም
ቁጽርና ይግለጽ ሓዊስካ ንዕኦም
ዉዕሎ ኣልቦ ክሕደት ምስክሮም
ህጣሞም ዘጥፍኡ ከም ዝበለየ በልዮም
ጥቕዒት ዝሓለፈ ንምኽዳም
ስኒትናን ሓድነትናን ንምዝርግ ምቅድዳም
ንዕንወት ኤርትራ ንህዝብኻ ምሽማም
ትግራይ ምጋሽ ንማለሊት ንምኽዳም
ዘይትገብሮ የብላን ዝበልዔት ከብዲ ጉዳም
ንትግራይ ምጋሽ ታሪኽካ ንምብላል
መንዩታ ጀነራልየ ኢሉ ዝኩሕሓል
በቶም ዝወደቑ ዝረኸቦ ስለዘሎ
ኣፉን ኢዱን ግዳ ዘይእክብ ካብ ኩብላሎ
ነየናይ ዕድመ እንታይከ ተሪፍዎሎ
ብመድሃኒት ለይትን መዓልትን ዝሕሎ
ሕጂዶ ይሓይሽ ኩሉ ፎእ ክብሎ
ሕስረት ዓዲሙ ሓኺኹ ዝነበሮ ዉዕሎ
እምበር መስዋእቲ ንጹሃት ደኣ መን ክብልሎ
እቲ ዉፉይን ቅኑዕን ዉዕሎ
ነዛ ሃገርን ንህዝብን ዝኸፈሎ 
ንኹሉ ክብልሎ ኢዩ ነንዝሓልሞ
ንበዓል ክፍኣት ኣብኣ ከጥሕሎ
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማታት 
ዓወት   ንሓፋሽ
ወልዳይ   ተኸስተ(ማንሃይም)



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events