Dehai

ካብ ዜሮ ናብ ሓደ - ዘሚኪኤል ገብረገርጊሽ

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Sunday, 15 November 2020


ካብ ዜሮ ናብ ሓደ
          ,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,
ከመዩ ንገሩና ፍትሒ
ብዝላ ክንበጽሖ ከይ ከፈልና በጽሒ
ብእልሞ ብህሎ ፡ ብሕንጣጥ ነግሒ
ተኮይኑ ዕዳጋ ፍትሒ
ኣይምኸለስናን ሂወትና ፡ ከነመቅር ጸብሒ።

 ዝደጋገም ዜማ ፡ ዝቀያየር ቃላት
 ፈጣራ ተኮይኑ ማዕርነት ደቂ ሰባት
ብጾምን ጸሎትን ተደፎእና ምነበርና
ብጥሙዩ ከርስና መሬት ምጠብጠብና።

ሜላታት ደቅሰብ ስቕሎን ጥናጎ
ንምንቦሮም ዝርህጹ ምንባርና አሕዲጎም
ኣብ ዜሮ ክንነብር ዝውስኩና ዜሮ
ኣይንድምሮ ኣይነግድሎ
ኣቡኡ ኮይኖም ዝጂምሩልና ኣስተምህሮ
ልዕሊ 0 ኣስካላና ክንሰብሮ
ኣብ ሓደ ከይንበጽሕ ዝጥብጥቡና ብቅብጣሮ።

ንዘበነ ባዶ ብባዶነት ክንለምዶ
ከብድና ክስበር ኣስካላ ከይንለምዶ
ሞባእ ክዕድሉና  ብላይ ሞቕሺሾም
ዘመና እና ዘመቱ ተመሊሶም 
መዝሙር ኣመሎም ከድግሙና
ንስሞም ክንልምን ላዕላይ ሰማይ ከይዕጸወና
ኣብ ኩፉት ገዛና እናዓጸውና ።

ድርሳነ ክፈኣቶም ደሪሶም
ብስርቆ መቕሺሽ ሽውሃትና ዓቢሶም
ኣይትቕተሉ፡  ኣይትጽሉኡ
ጎይታ ኣይፈትዎንዩ ከሙኡ
ብጸጋም ዝጸፈዓኩም የማን ኣድግምዎ
ኣፈቤትኩም ክፈቱለ ሽሻይ ቀሪብኩም ኣቃድስዎ

ኣብ ዜሮ ከንብሩና እና ቆሮጹ ስግሙና
ጸባ ሓንቲላም ክንስና ሽሕ ከኸኑማ
ንሶም ጻሕሎም ከብሱሉ ፡ ንሕና ክንዳፋእ ክምዕዱና 
ዳስ ኩናት እና ሃነጹ ከነመስግን ቀተልትና

ከመይ ኢዩ ባ ፍትሒ

ትማል ኣሰር ርጋጽኩም
በሰላ ህራምኩም
ከነሕዊ ቃንዛና
ክንደፍኖ  ጉድጛድና
ምስጋናኹም ተሓሲምና
ተጸዋዊዕና ብሕጋ
ክንድሕን ካብ ሓደጋ
ካብ ዜሮ ነቂልና ሓደ ምሰልና ከፊልና ዋጋ
ኣይሕሰብንዩ ንሱ
ከምበሓድሽ ተበገሱ
ንሱ ንሕና ስለዘይ መረቕናዮ
ኮንቱ ኮይኑ ጉሒፍናዮ

ክትብሉና ,,ከኣ ሎሚ
ሱግምና ንቕድሚት ቆጺሩ፡ ዘበነ ዜሮ ምስ በልናዮ ዓሚ።

 ወለዶ ክደናገር
 ክብተኽ መስመር
 ንትማልና ኣሉ ክትብሉዎ
 ትማልኩም ክትደግሙና
 ከናለ ክፋእኩም ክድብደብ
ክንጸባጸብ ብድንቁርና
ጸሉዩ ደጊምኩም ሃይማኖት ክትፍንጂሩልና።

ገና ከይጸረየ ከብዳ
ባሩድ እና አህፈፈ 
ድምጽታት ክፋእኩም፡ መቃሉሑ እና መለሰ
ዝዛረየ ማይ ሓጺን እናዝፈፈ
ንትማልኩም ዝሰዓረ ከይሓለፈ፡

በሉ ሎምስ ቆጺርና ኢና
ሓደ ሓሊፍናዮ ይጽነሓለይ ከይበልና
ሰላም ክንቅምር
ብዋጋ ደመ ረሃጽና

ንዝምር ብማርሺ ፍጥነትና
ንውስኽ ናህሪ ትማል እና ኣግሳዕና።

ዘሚኪኤል  ገብረገርጊሽ
12/11/2020  ካብ ዜሮ ናብ ሓደ,,,,።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events