Dehai

*ኢድክንያ* ብብጻይ ወልዳይ ተኸስተ ካብ ማንሃይም ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Tuesday, 08 December 2020





ኢድክንያ !!!
ጸረ ሰላም ኣንጻር እፎይታ
መጥፊኢታ ዝሰሓበታ ቃታ
ዝተተኮሰት ብረት ብዘይ ካርታ
ኣብ ብላሽ ዝወደቐት ማሕታ
ጽንተታ ዘበሰረት ናይ መወዳእታ
ናይ ኣቦሓጎታታ ዝወረሰት
ናቶም ናይቶም ቀዳሞት ወሪሳ
ድያብሎስ ጥራሕዩ ዝመሳሰላ
ኣይረሳዕናዮን ናይ ወለዶም
ንስድራና ኣቦሓጎታትና ዝፈደየቶም
ብሂወቶም ከለዉ ከም ገርብ ዝጸልጸለቶም
ሓደ ኢዶምን እግሮምን ዝቖረጸቶም
ኣታ መበቆሎምዩ መሰረቶም
ሕማቕ እምበር ጽቡቕ ዘይመባልዕቶም
ረኤና ንጠላማት ዓለም ክትጠልሞም
ሸዉዓተ ማዕሙቕ ቡንካ ተቐቢሮም
ኢድኩምያ !
ትማሊ በተ ጾሎታትና ኣበሳቢስኩም
መቓብር ሰማእታትና ኣዕኒኹም
ንብረት ህዝብና ዝራሰኹም
ሕጂኸ !
ህዝብኹም ብጂምላ ኣብ ጋህሲ
ወዲ ሰብ ዘይፍጽሞ ረኽሲ
ሕጂባ እነኺ ፈቕድኡ ትሕመሲ
ተሓቢእካ ንሽበራ ቶኹሲ
ኣይርከብንዩ ኣብ ጉድጋድ ጮማ ጥብሲ
ኣብኣ ደኣ ተጠላቐዪ ብዘይ ፈዋሲ
መሰነይታ ቀብሪ ካቱሻ ነስመራ
ዕድመ ዉግእ ንዓለማዊ መሓንከራ
እምቢ ንፈልጦ እንዲናቲ ሽጣራ
መጸዋዕታኺ ናይ ክፍኣት መዓንከራ 
ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ሓራ
ጠፊኣትሉዛ ዝጠመዘት ዕባራ
ሓሶታን ክፍእታን ሒዛ ተቐቢራ
ኣብ ደበቢት እንተዓስኪርኪ
ህዝባዊ ግምባር ዘይፈልጦ ከይመስልኪ
ካቡ ኣሳሊዩ ኢዩ ኣዲስ ኣእቲዩኪ
እንተደልዩ ኣብኡዩ ዘጥፍኦ ህላወኺ
ንግብረ ሽበራ ዳግማይ እንተተበጊስኪ
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና 
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ ተኸስተ
ማንሃይም



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events