Dehai

ፍርዲ ጠላማ ኣብ ኣፋፈት ሕጊ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Friday, 18 December 2020

እቶም ጸረ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ሸሓኒ ጃንዳ እናልመጹ: ብርካ እናተሳለሙ: ኣብ ሳእና ዝሰገዱ: ሓይልታት ምክልኻልና ከይስውድ ከይዓጥቕ ሃገርና ክትእገድ መሽረፈት ዘንበድበዱ ሓሹላት: ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ህላወ ሃገርና ከህስሱ መንነትና ከብርሱ ዝተዓስቡ: ሓንሳብ መንፈሳውያን ክመስሉ: ብኻልእ ወገን ሩኹሳት ኣውራጃውያ ካብኡ ሓሊፎም ኣግኣዛውያን ኣንድነታውያን ተሻራሕቲ: ሎሚ ከይሓነኹ ኣብዚ ጎናዒቶም ጃንዳ ትበርሰሉ ዘላ ሰዓት እቲ ሉጋም ዘይኑበሮ ለውላው መልሓሶም ዝቕምርር ዘሎ ይመስል። ሕጂ ዘብዘብ ንመቐለ የለን። ኣብ ኢትዮጵያ ኮንካ ሸርዳዕዳዕ ኣይተረኽበን። ኩሎም ነዛ ሃገርና ኤርትራ ሃገረ ሰማእታ ዝኸሓዱ ከካብ ዘለውዎ ተለቒሞም ጉቡእ ፍርዶም ዝወስዱሉ ግዜ 90/100 ተቃሪቡ ዘሎ ይመስል። ምድረ ገነት ዝበሃል የለን። እስትራተጂ ሻዕብያ ዓቃል ድኣንበር ንጠላማት መሓሪ ኣይኮነን። ግዜ ይወስድ እንበር ዝፍጸመሉ ዕለት ኣይስሕትን።  ነቶም ብልሹዋት ደም ጀጋኑ ሰማእታትና ከንቱ ቖጺርኩም ዘራኸስኩም ጣዕሳ ዝብል ናይ ንስሓ ኣምር ሓሊፋኩም እዩ ንፍርዲ ጥራሕ ተጸበዩ።  ወረጦ ሻዕብያ ኣብ ሃገር ኣኽሪጡ ዘሎ ይኹን ኣብ ደገ ከተውጽኦም/ ኤን’ያ በብሓደ። 

ሰማእታትና ወትሩ ኣብ ልብና:
ዓወት ንሓፋሽ:
ገብረንጉስ መስመር:


Sent from Yahoo Mail for iPhone

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events