Dehai

ድጉል ወያነ

Posted by: Brhane Woldu

Date: Friday, 26 February 2021

ኣረጋዊ በርሀ

ድጉል ወያነ

ነዚ መልእኽት’ዚ ዓቢ ግምት ስለዝሃብኩኻ ኣይኮነን ዝጽሕፈልካ ዘለኹ። ኣቐዲመ ነዚ ሓቂ’ዚ ብጋሕዲ ክገልጸልካ እፈቱ። እንተኾነ ግን ብቀጻሊ ኣብ እትገብሮ ዘይእሩም ዘረባኻ፥ ብፍላይ ድማ ንኤርትራ ብዝምልከት፥ ዘይዓቕምኻ ትመጣጠር ከምዘለኻን፥ ዓቕምኻ ክትፈልጥን ገለ ምኽሪ እንተኾነካ ኢለ እየ ብርዐይ ኣልዒለ ዘለኹ።

ነዚ መልእኽተይ ብሓንቲ ኣበሃህላ ኣምሓርኛ ክኸፍት መሪጸ ኣለኹ።

“ትንሽ ኣሻሮ ይዘህ

 ከቆሎ ተጠጋ”

እዛ ኣበሃህላ ንኣኻ ንኣረጋዊ በርሀ ብትኽክል ትገልጽ ኮይና ረኺበያ ኣለኹ። ከብርሃልካ ኢየ፥ ሰዓበኒ።

ንስኻ ብወያነ ተረፊትካ ኣብ ስደት ኣብ ዝተቐመጥካሉ ነዊሕ  ዓመታት ብዘይካ ውልቃዊ ዋኒንካ እዚ ኢልካ ክትጠቕሶ ዝከኣል ጸረ ወያነ ቃልሲ ከምዘይገበርካ ብዙሓት ዝፈልጥዎ ጉዳይ ኢዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጸ፡ ንወያነ ካብ ስልጣኑ ዝገለፈ ለውጢ ብዝፈጠሮ ዕድል፥ ኣብ ደገ ዝነበሩ ተቃወምቲ ውድባት ናብ ሃገር ምስ ምእታዎም፥ ንስኻውን ኣባላት ዘይብላ ገረውረው ትብል “ውድብ” ኣቑምካ፥ ብስም “ተቃዋማይ” በቶም  መስዋእቲ ክኸፍሉ ዝጸንሑ ውድባት ተጎላቢብካ ናብ ሃገር ተመሊስካ። “ትንሽ ኣሻሮ ይዘህ ከቆሎ ተጠጋ” ይብሉኻ እዚ ኢዩ።

ናብ ኢትዮጵያ ምስተመለስካ’ውን ነቲ ለውጢ ንቅድሚት ዘሰጉም ቃልሲ ኣየካየድካን። መዓንጣኻ ስለእንፈልጦ “ስለምንታይ ናብ ትግራይ ኣቲኻ ኣይተቃለስካን’ ኣይንብለካን። ምስኪናይ! ወያነ ብሂወት ኣብ ዝነበረሉ ግዚ ብእምኒ ኣሳጒጉካ። ዋላ ኣብ ትግራይ ምእታው ኣይትኽኣል፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ቦታታት ኢትዮጵያን ተቐማጦ ዝኾኑ ደቂ ትግራይ ክትጉስጉስን ክትውድብን ዘይምኽኣልካ ግን ሱቕ ኢሉ ዝሕለፍ ጉዳይ ኣይኮነን።

እዝከረኒ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጋዜጣዊ መግለጺ ክትህብ ኣብዝፈተንካሉ፡ ብዘይካ ናይ ኣባይ ሚዲያ ጋዜጠኛ ዝመጽኣካ ሰብ ስኢንካ። እተን ካልኦት ዝተፈላለያ መራኸቢብዙሓን ዋላ ሓንቲ ተራ ዘይብልካ ኣምስሉ “ፖለቲከኛ” ምዃንካ ካብ ኩሉ ምንቅስቓስካ ስለዝፈልጣ ግዚአን ከጥፍኣ ኣይደለያን። እቲ ተደናጊጹ ፈውሲ ጨና ክኾነካ ዝመጸ ጋዜጠኛ ኣባይ ሚድያ፥ ሓንቲ መሰረታዊ ሕቶ ሓቲቱካ። “ዋላ ኣብ ትግራይ ኣቲኻ ክትጉስጉስ እንተዘይክኢልካ፥ ስለምንታይ ኢኻ ኣብ ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ንዘለዉ ትግራዎት ክትውድብ ዘይትፍትን?” ምስበለካ፥ “ናይ ወያነ ፕሮፓጋንዳ ስለዝቀደመና ከምኡ ክገብር ኣይከኣልኩን።” ዝብል ድኹም መልሲ ሂብካ።  ኣብዚ ክብሎ ዝኽእል ብዙሕ ነገር’ኳ እንተሎ ኣብኡ ኣትየ ግዜይ ከጥፍእ ኣይደልን። እንተኾነ ግን ኣነ’ውን ሓንቲ እዋናዊት ሕቶ ከቕርብ። “ሎሚኸ?” ትብል ሓጻር ሕቶ።

ሎሚ እቲ “ብፕሮፓጋንዳ ቀዲሙኒ፥ ኣብ ትግራይ ከይኣቱ ብእምኒ ኣሳጒጉኒ” ዝበልካዮ ወያነ (ንስኻ ዝመስረትካዮ ግን ጭራኻ ደጉልካ ካብ ሜዳ ከምትወጽእ ዝገበረካ ውድብ) ብዝወልዖ ሓዊ ተለብሊቡ፥ ናብ መቃብር ወሪዱልካ ኣሎ። ሓንቲ እምኒ ከይደርበኻ ብኮፍካ። ወያነ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ጠፊኡ’ኳ እንተኾነ፥ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፥ ኣብ ትግራይ ድማ ብፍላይ ዝፈጠሮ ሽግርን ዝዘርኦ መርዝን ክንዲ ጎቦ ኣብ ቅድሚኻ ተገቲሩልካ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ብድሕረትን ድኽነትን ዝልለ ሽግር ተገላጊሉ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ከምኡ’ውን ምስ ጎረባብቱ ፥ ብፍላይ ድማ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብሰላምን ስኒትን ክነብር ድቃስ ዘየፍቅድ ዓቢ ስራሕን ጻዕርን ዝሓትት ኢዩ።

እቲ ውድዓዊ ኩነታት ትግራይ ዝጠልቦ እዚ ክነሱ፥ ኣረጋዊ ከም ድጉል ወያነ መጠን ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ንምዝራግ ዘይዓቕምኻ ትመጣጠር ኣለኻ። ካብ ዘረባታትካ ክጠቕስ “ወያነ ንሻዕቢያ ወደባትን ኣፍደገ ባሕርን ኣሕሊፉ ሂቡ፥ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ካብ ናጽነት ዝኸሰበኦ ነገር የለን” ንህሉው ኩነታት ትግራይ ኣመልኪትካ ድማ “ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣትዩ ኣሎ። ዝተፈላለየ ግፍዒ ይፍጽም ኣሎ፥ ወያነ ግዳይ ሱዳንን ሻዕብያን ጌሮምና  ወዘተ ወዘተ” ትብል ኣለኻ።

እቲ ኣብ ንእስነትካ “ኣረጋዊ” ኢሉ ዘጠመቐካ ወያናዊ ርኹስ መንፈስ ክሳብ ክንደይ ንኣእምሮኻ ከምዝደፈኖን ናይ ምዝማድ ክእለትካን ከምዘዘናበሎ እዚ ጽዩፍ ዘረባታትካ ብዘይ ገለ ተወሳኺ ሓተታ ዘረጋግጽ ኢዩ።  ምናልባት ተመሲሉልካ እንተተረዳኣካ ግን ነቲ ሓቂ ከብርሃልካ ኢየ።

ህዝቢ ኤርትራ ንዓለም ብዘደነቀ ጽንዓትን ጅግንነትን ፥ ብኹሉ መዐቀኒ ካብኡ ንዝገጅፉ ብሓያላን ማለት ኣመሪካን ሶቭየትን ዝድገፉ ዝነበሩ ጸላእቱ  ን 30 ዓመታት ገጢሙ ብምስዓር ኣኽሊል ዓወቱ ደፊኡ። ምስ ናይ ረዚን ዋጋኡ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዓወት’ዚ ብቕልጽሙ ይጨብጥ እምበር፥ ከም ስልጡን ህዝቢ እምነቱ ኩሉ ሳዕ ኣብ ሕጊ ብምንባሩ፥ ንፍትሓዊ ሕቶኡ ንናጽነት፡ ሕጋዊ መኸተምታ ክገብረሉ ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ዝተሳተፍዎ ውሳነ ህዝቢ (ሬፈረንደም) ኣካይዱ። ብ99.8% ድምጺ ድማ ሃገራዊ ናጽነቱ ሕጋውነት ኣልቢሱ፥ ልኡላውነት ኤርትራ (መሬታን፥ ባሕራን ሰማያታን)ኣብ ዘይንቅነቅ መሰረት ኣዊሕሱ።

ከምቲ ኣረጋዊ ከም ድጉል ወያነ መጠን ነዚ ሓቂ ምውሓጥ ኣጸጊሙካ ዘሎ፥ ብጾትካ መራሕቲ ወያነ’ውን ነዚ ሓቂ ምውሓጥ ኣብይዎም ፡ኣብ ኣራት ኪሎ ቤተ መንግስቲ ኣትዮም ጽጋብ ምስተሰምዖም፥  ብ1998 ዓ/ም ነቲ ናይ ቃልሲ “ሀሁ’ዘምሃሮምን በትረ ስልጣን ዘጨበጦምን ሻዕቢያ ደምሲሶም ንኤርትራ ክጎብጡ ኣንቂሎም። እንተኾነ ግን  ኣብ ዘካየድዎ 3 ወራራት እቲ  ኣደናጊሮምን ኣገዲዶምን ዘሰለፍዎ ሰራዊቶም ብኣሽሓት ረጊፉ። እቲ ብቢሊዮን ዶላራት ዝሸመትዎ ኣጽዋር’ውን ነበረያ ነበረ ኮይኑ። እቲ ንኩናት ጉልባብ ዝገበርዎ ናይ ዶብ ጉዳይ ናብ መጋባኣይ ምስተመርሐ’ውን ተረቲዖም። ህዝቢ ኤርትራ ንልኡላውነቱ ዳግም ኮሊዕዎ።  ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱን ልኡላውነት ሃገሩን ብምጽዋት ዝረኸቦ ከምዘይኮነ ቁሩብ እንተተረዳኣክ ኢለ ኢየ ብዝርዝር ኣቕሪበዮ። እቲ ዘገርም ድማ ነዚ ናይ መንእሰያት ኢትዮጵያ ኣሰቃቂ ህልቂት ዝተመዝገበሉ ናይ ወያነ ዕንደራ፥ “ጅግንነት ዝተፈጸመሉ” ክትብል ገሊጽካዮ። ኣብ ኩናት ዘይወዓለ በሊሕ ስለዝኾንካ ኢዩ ኣምበር እቶም ኣብኡ ዝወዓሉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ፥  “እቲ ወያነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ  ዘካየዶ ኩናት፡ መንእሰያት ኢትዮጵያ ከምቆጽሊ ዝረገፉሉ ፡ ትርጉም ዘይብሉ፡ ናይ ወያነ ሞት ቀዳማይ ምዕራፍ” እናበሉ ኢዮም ዓው ኢሎም ብምረት  ዝገልጽዎ ዘለዉ።

ኣያ ኣረጋዊ፥ “ሕሱር ማዕረ ነፍሱ የሕስረካ” ከምዝበሃል፥ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩልካ ንሓያላንን ኮራኩሮምን (ሃይለ ስላሰ፥ ደርግ፥ ወያነ) ሓመድ ኣልሒሳ ናጽነታ ዘረጋገጸት! ንልኡላውነታ ብተደጋጋሚ ዘውሓሰት ፥ ብቀጻሊ ኣብ ልዕሌኣ ዝተዋደደ ዝተፈላለየ ናይ ምዕራብ ሸርሕታት ብጽንዓትን ጥበብን ዘፍሸለት፥ ካብ ዝተፈላለየ ድሑር ምፍልልያት ሓራ ዝኾነ ጻዕራም  ህዝቢ፥ከምኡውን ንውሳነ ናጽነቱ ዘየድፍር፥ ካብ ብልሽውናን ነጻ ዝኾነ፥ ሓራ ፖለቲካዊ መስመር ዝኽተል፥ ንጹር ህዝባዊ ራእይ ዘለዎ መንግስቲ ንዘለዋ ኤርትራ ምስ ደቡብ ሱዳን ክተወዳድር ፈቲንካ። ድጉል ወያነ ስለዝኾንካን፡ ማይ ወያነ ብንእስነትካ ስለዝጠዓምካን ፡ከመይ ጌርካሞ ካብ ምዝንባልን ጭንቀተ ኣኣምሮን ክትድሕን። ንኩነታት ብቅኑዕ ንምውድዳር እቲ በጺሐዮ ትብሎ ዱክትርና’ውን ኣይሓገዘካን። ምስኪን!

ንህሉው ኩነታት ኣመልኪትካ ኣብ እትገብሮ ዘረባ “ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣትዩ። ግፍዒ ይፍጽም ኣሎ” እናበልካ ዲጂታል ወያነ ንዝዝርግሕዎ ሕሱርን ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳን ተቃልሕ ኣለኻ። ናይ ሰሜን እዝ ብወያነ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ተፈንዩሉ ናብ ኤርትራ ምስ ኣተወ ሰራዊት ኤርትራ ደጀን ኮይንዎ ኢዩ። ሳላዚ ድማ ኣባላት ሰሜን እዝ ዳግመ- ምውዳብ ጌሮም ንወያነ ብምግጣም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ካብ መላእ ትግራይ ጸራሪጎሞ። ብርክት ዝበሉ ብጾትካ መራሕቲ ወያነ ገሊኦም ኣብ ቁጽጽር ኣትዮም፥ ገሊኦም ድማ ክሃድሙ ምስፈተኑ ብባሩድ ሓሪሮም። ነዚ ንኢትዮጵያ ካብ ብዙሕ ሓደጋ ዘድሓነ ኣበርክቶ ሰራዊት ኤርትራ ብዘይካኻ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዓው ኢሉ ኣሞጊስዎን ኣድኒቕዎን። ንስኻ ግን ነዚ ጎሲኻ ንሰራዊት ኤርትራ ኣብ ምጽላም ኣቲኻ። ከምቲ ንስኻ በቲ ጽዩፍ ዘረባኻ ትብሎ ዘይኮነ፥  ሰራዊት ኤርትራ ካብ ቀደም ክሳብ ሕጂ ብተሪር ዲሲፕሊን ኢዩ ዝፍለጥ። ብዛዕባ’ዚ ትዛረበሉ ዘሎኻ ዝምታን ምዕማጽን ድማ፥ ንውሻጠኻ ፈትሽ።

ብሰንኪ ወያነ ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረ ሽቕለተ ኣልቦነት ብዙሓት መንእሰያት ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ወንጀል ክዋፈሩ ተገዲዶም ኢዮም።  ከም መቐለን ዓዲ ግራትን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት መናሀርያ ሰረቕቲን ዓመጽቲን ካብ ዝኾና ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። እቲ ስርቂ ድማ “ሃንጊ” ብዝብል ማሕነቕቲ ከምዝካየድ መኣስ ሓዲሽ ነገር ኮይኑ። ወያነ ብሂወት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንድምጺ ኣመሪካ ዝኣመሰሉ ማእከናት ዜና ብዛዕባ’ዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ዝምታን ኣመጽን ዘዳለወኦ መደባት ኣብ ኣርካይቨን ኣለካ።

 ኣብ ግዜ ወያነ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፍጸም ምዕማጽ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከምዝበጽሐን፥ ነዚ ንምቅዋም ዝተዳለወ ሰልፊ ብበዓል ጌታቸው ረዳ ከምዝተኸልከለን ዝፍለጥ ኢዩ። እቲ ተፈጺሙ ትብሎ ዘሎኻ ዝምታን ኣመጽን ከምቲ ንስኻ ምስ ዲጂታል ወያነ እናተናበብካ ትብሎ ዘይኮነ ካብ ቅድም ኣብከምዚ ዓይነት ወንጀል ዝተዋፈሩን ፥ ወያነ ካብ መቐለ ቅድሚ ምህዳሙ ካብ ቤት ማእሰርትታት ዝፈነዎም ዓሰርተ ሺሕ ገበነኛታት ከምዝኾነ እቲ ሓቂ ይወጽእ ኣሎ። እዚ ክሳብ ዩኒፎርም ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኣልሜዳ  ፋብሪካ ዓለባ ምስራሕ ዝኸደ ብወያነ ዝተዋደደ መደብ ኣይነበረን ድዩ? ከምቲ  ኣብ ላዕሊ ዝበልኩኻ ኣብ ቅድሜኻ ንዝተገተረ ከምዚ ዝኣመሰል ወንጀላት ወያነ ኣብ ክንዲ ደፊርካ ምቅላዕ ኣብ ዝኾነ ዘልዓልካዮ ጉዳይ ናብ ኤርትራ ምውጥዋጥ እንታይ ኣምጽኦ? መራሕቲ ወያነ ብሂወት ከለዉ በጅቢጅካ ኣይመከትካን ኣይሞገትካን። ዋላ ሬሳኦም ድዩ ዘፍርሓካ ዘሎ? ወይስ እቲ ቅድሚ ካብ ወያነ ምብራርካ ብደረጃ ዝለዓለ ሓላፊ ዘፍሰስካዮ ናይ ንጹሓን ደቂ ትግራይ ደም ኢዩ ዝፈታተነካ ዘሎ? ስኪሶፍሬኒክ ኮይንካ ከይትኸውን ሓኪም ምርኣይ ዘድልየካ እመስለኒ።

ሎሚ ዘየለ ነገር እናፈብረካ፥ ሓላዪ ህዝቢ ትግራይ ንምምሳል ካብ እትገብሮ ፈተነ ትረኽቦ ህዝባዊ ደገፍ የለን። ከምኡውን እቲ  “ኣፍደገ ባሕሪ” ንእትብሎ  ሓተፍተፍ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለቅሓካ እዝኒ የብሉን።ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝሓለፉ ስርዓታት “ብኣፍደገ ባሕሪ” እናመሳመሱ ን 30 ዓመታት ካብዝተኸተለዉ ናይ ኩናትፖሊስ  ዝኸሰቦ ነገር ከምዘየለ ኣጸቢቑ ተረዲእዎ ኢዩ። ብዘይካ ሞት፥ ዕንወትን ጥሜትን ድሕረትን። ሎሚ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብደረጃ ህዝብታትን መንግስትን ተፈጢሩ ዘሎ ሰላምን ርግኣትን ናይዚ መረዳእታ ውጽኢት ኢዩ። ሎሚ ንኤርትራ “ጸላኢትና” ዝብላ ኢትዮጵያዊ የለን፤ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣያኻ መለስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኩናት ዝኣወጀሉ ፓርላማ ከይተረፈ፥ “ኤርትራ  የኢትዮጵያ የክፉ ቀን ወዳጅ” ዝብል ሞገሰ ኢዩ ዝቃላሕ ዘሎ። እቲ ዕንቅፋት ኮይኑ ዝጸንሐ ወያነ ስለዝተኣልየ ድማ፥ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላማዊ ኩነታት ብናይ ሓባር ምዕባለ ተሰንዩ ንቕድሚት ክውንጨፍ ምዃኑ ዘየጠራጥር ኢዩ።ግደፍ ንስኻ ኣረጋዊ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ’ውን ኣይዓግቶን። ንኣኻ ዘምሕረልካ ነዚ ዝሕግዝ ስራሕ ምስራሕ ኢዩ። እቲ ካልእ ሓተፍተፍ ናይ ፖለቲካ ምንዝርና ኢዩ። ካብ ፖለቲካ ምንዝርና ድማ ዝኸሰበ ሓይሊ የለን! እንትርፎ ውድቀትን ውርደትን። ደሓን ኩን።

 

ሰላምን ምዕባለን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን!!

ሰናይ ሳሙኤል


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events