Dehai

‘‘ሓሳውን - ቆርበትን ፡ እናሓደረ ይፎክ!!" - ብሚኪኤል ሓጎስ

Posted by: Yared Tesfay

Date: Friday, 05 March 2021

‘‘ሓሳውን . . . ቆርበትን ፡ እናሓደረ ይፎክስ!!’’

ሚኪኤል ሓጎስ

ኤርትራ ውሑድ ህዝቢ ግን ከኣ ዘሐብን ታሪኽ ዘለዋ ሃገር ብምዃና፡ እቲ ቀንዲ ምስጢር ዓወት ናይዚ ውሑድን በይኑ ኣንጻር ብዙሕ ጊንጢታት ገጢሙ ዝተዓወተን ህዝቢ እንታይ ምዃኑ ንቡዙሓት ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ይኾኖም ይኸውን`ዩ። ከም መቀጸልታ ዘቤታዊ ፕሮግራምን ፖሊሲታትናን ዝኾነ ናይ ወጻኢ ፖሊሲናን ዝምድናታትናንውን ሃገራዊ ረብሓናን ብዝሕሉ መንገዲ ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ዞባናን ዓለምንምስራሕ፡ ምስ ኩሎም ህዝብታትን መንግስታትን ዞባናን ዓለምን ኩሉ መዳያዊ ምትሕብባር ብምምዕባል ክምስረት ከምዘለዎ ብምእማን ዓሊምካ ምስራሕ ፡ ነቲ ናይ ውሽጢ መደባት ልምዓት ዝድርዕ ብሓደ ሸነኹ ምትሕብባርን ናይ ወጻኢ ሽርክነት ምሕያል በቲ ኻልእ ድማ ተጊሁ ምስ ምጽማም ሓድነት ምክእኣልን ሓዊሱ ይጋዓዝ ምህላው`ዩ ከም ህዝብን ሃገርን ንኹሎም ኣብ ልዕሊኤኡ በብእዋኑ ክመጹ ዝጸንሑ ቀይድታት ክበትኮምን ክዕወተሎምን ዝጸንሐን ዘሎን።  

እዚ ኣብዚ ሓድሽ መድረኽ ከም ሃገርን ህዝብን ሃንቀው እንብሎ ከምቲ ሕልሚ ሰላምን ናጽነትን ጋህዲ ዝገበርና፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ንዝነበሩና ኩሎም ዞባውን ዓለማውን ብድሆታት ልዑል መኸተናን ተጸዋርነትን ጽባሕ ጋህዲ ንክኸውን ፡ ብኹሉ ዓይነት መኸተታት ዘበርዓንና ንጽባሕ ጋህዲ ዝገብርናን፡ ሎሚ ድማ ነቲ እንሓልማ ተባሃጊትን ተወዳዳሪትን ኤርትራ ንምህናጻ ኣብ ናይ ሓባር ስራሕን ዲፕሎማስያዊ ጽምዶን እንርከብ ዘሎና። እንተኾነ ግን ን ምርጫና ክዕንቅፉ ፡ ምስሊና ክድውኑ ፡ ኣንፈት መጻኢና ክዝውሩ ዘንቅዱ ገና ኣብ ጻዕረ-ሞት ዝርከቡ ዘለዉ ውሑዳት ኣይኮኑን። እቲ ንነዊሕ እዋን ንዓናን ነዚ ዞባን ተጻይ ኮይኑ ክጋልብ ዝጸንሐ ፋሉል ስርዓት ወያነ ምስ ሓብሓብቱ ፡ ኣብ ኣጋ ዕርበቱ ከም ሓርገጽ ኣብ ጻዕረ ሞት ፈንጠርጠር ይርከቡ ኣሎው። ኣብ ዘመነ ኣሽካላል ፡ ወፍሪ ዕውር ዝርያኦም ብ ውሑዳት ትራፍያ ናይቲ ጃንዳን ሓብሓብቱን፡ ከስርሑና ይኽእሉ እዮም ብዝበልዎም ትምዩናት ወረ ናብ መሾንቆቃ ከእትዉና ፡ ብዝለመድዎ ፈትልታት እከይ ውዲታቶም ክኣሳሱሩና ከይደቀሱ ዝሓድሩ ዘሎው። እምባኣር ነዚ ዝስዕብ ትምይኑ ድራምኦምን፡ ሓሶቶምን ከም ጸሓይ ቀትሪ በጣዕጣዕ ዝበሉ ኣግሃድቲ ሓቅታትን ብምንጽጻር ነዚ ዓንቀጽ`ዚ ከስዕብ።

እቲ መንቀሊ ትልሚ ዛንትኦም ከምዚ`ዩ ዝብል ። እቲ ኣብ ኣክሱም ኢትዮጲያ፡ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጃምላዊ ህልቂት ሰላማዉያን ሰባት፡ ድራማ ክስራሓሉ ድሕሪ ምቅናይ፡ ብዓርቢ ዕለት 26/02/21 "ኣምንስት ኢንተርናሽናል" "መርትዖ"ዝተሓረሞ ጸብጻብ ወጺኡ ኣሎ፡ምዉጽኡ ጥራይ ዘይኮነ ኽኣ፡ ንባዕሉ እቲ ጽሑፍ "ፍስሃ ተኽለ" ዝተባህለ ትግራዋይ፡ ኣባል እቲ ማሕበር ተነዲቁ ዝወጸ ምኻኑ`ዩ

ነቲ ብጨዉ ቀትሪ ዝተፈጸመ ናይ ማይ-ካድራ ትራጀዲ፡ ኣብ ርእሲ ሰራዊት ሰሜናዊ እዚ ኣብ ዓራቶም ከለዉ ዝወረደ ዘስካሕክሕ ቅትለት ካብ ተራ ምኹናን ሓሊፉ ንፈጸምቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቀርቡ ኣብ ክንዲ ምስራሕ ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ወያነ ዝተወስደ ሕጊ ናይ ምእራም ስጉምቲ ኣህጉራዊ መልክዕ ንምትሓዙኣብ ልዕሊ ብጻዕቂ ሰለማዊ ህዝቢ ዝነብረሉ ከተማታት ኤርትራ ዝፈጸሞ ደብዳብ ኣስታት 16 ሮኬታት ከም ገበን ኩናት ከየልዓልካ ጎሲኻ ሓሊፍካ ንሰራዊት ኤርትራ ብደይ መደይ ኮነ ኢልካ "ምእታዎም ትሑዝ ጌርካ ንምኹናኖም" ነዚ ብዝተፈላለየ ስንዕናዕ ኣሳእልን ሓበሬታን ክጉስጎሰሉ ዝቀነየ ናይ ሓሶት ጃምላዊ ህልቂት ኣቶኪርካ ዝወጸ ስኑዕ ጸብጻብ ካብቲ ሓቂ ንምእላይ ዝጥቀምሉ ድርብ መዐየሪ ፖሎቲካ ወያነን ፖሊሲታት ምዕራብን`ዩ ።

 ብ ኣፈኛ ፕሮፖጋንዳ ወያነ ኣብ ዲያስፖራ `ኣሉላ ሰለሙን` ዝተባህለ ፡ ኣብ ኣሜሪካ ብዝነብሩ፡ዝተኣከበላን ዝተዋሃህዱን ወሃብቲ ምስክርነት ተጠቂማ ጋዜጤኛ ኣሶሼትድ ፕረስ Carra Anna ኣብ ናይ ዕለት 18 የካቲት 2021 ዝጽሓፈቶ ዓንቀጽ መበገሲ ናይቲ ኣብ ናይ ዕለት 13 የካቲት 2021 ብኣሉላ ሰለሙን ኣብ ናይ ውልቁ ፌይስቡክ ሕሳብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ብምብጋስ`ያ ኣዳልያቶ። መልእኽቲ ኣሉላ እንታይ ይብል ነይሩ ተመሊስካ ምርኣዩ ይካኣል`ዩ። ካብ ኣብ ወጻእ ሃገር ዝቅመጡ ሕሱር ምስክርነት ወሲድካስ ያኢ ፡ ምስሊ ሰራዊትና ክትድውን ምፍታን ፡ ኪኖ ኮንቱ ጸለመን ፍኹሰት ምዕራባውያን ትካላትን ሜድያን ፡ ግዜ ምርካብን ካልእ ዝፍየዶ ቁምነገር የብሉን።

ኣምንስት ኢንተርናሽናል ከም መረጋገጺ ነጥብታት ኢሉ ኣምጺእወን ዘሎ "መርትዖ" እዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነጥብታት እየን፡፡ ኣዝዩ መስሓቅን መስደመምን ነጥብታት ፡-

1. "ካብ' ቅትለት ንዝደሓኑ፡ 41 ሰባት ቃለ-መሕትት ጌርና"፡ ይብል ኣምንስት።

ን ምኻኑ እዞም ሰባት፡ ኣበይን መዓስን ኮይኖም ኢዮም ቃለ-መሕትት ኣካይዶምሎም..? ንሱዳን ዝሃደሙ? መን'ዩከ ኣምጺእዎም፡  መን`ወዲብዎም..? ብዙሕ ሕቶ ዘለዓዕል ኢዩ።

Ø ገለ ካብ`ቶም ኣምንስት ካብ ከተማ ኣክሱም ብተሌፎን ዘዘራረብናዮም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝበሎም ሰባት፡ እዚ ቀሺ ወልደማርያም ዝተባህለ መታለሊ`ዩ። ቀሺ ወልደማርያም ሓቀኛ ስሙ ሚካኤል በርሀ ዝተባህለ ኣባል ጸጥታ ወያነ ኮይኑ "ቀሺ ካብ /ክርስቲያን ኣክሱም እየ ኣብኡ እየ ነይረ` ነዚ ዝምስክር ዘለኹ ኢሉ ዘደናግር ዝሃቦ ሓበሬታ ሂቡ ፡ ነዚ ተጠቂሞም ድማ ኣምንስት ነዚ ኣቅሪቦሞ ዘልው ጸብጻብ ኣቅሪቦሞእዚ`ሰብ` ግን ኣብ ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ቦስቶን ዝነብር ሚኪኤል በርሀ ዝተባህለ ካድር ወያነ ምዃኑ ተቓሊዑ ኣሎ። መዓስ ኣብ ኣኽሱም ነይሩ እዩ`ኸ ከም ምስክርነት ተወሲዱ? ኣብቲ ዝኾነ ምንቅስቃስ ነፈርቲን ኣገልግሎት ቴሌፎንን ዘይነበረሉ መዓስ`ዩ ካብ ቦስቶን ንኣኽሱም ኣትዩ ካብ ኣኽሱም ናብ ቦስተን ዝወጸ? ን ምኻኑ መን`ዩ ሚኪኤል በርሀ?

 

·      ሚካኤል በርሀ ከም ቀሺ ወልደማርያም ኮይኑ ፍሉይ ተልእኾ ካብ ህውሓት ተቀቢሉ ክንቀስቀስ ዝጸንሐ ፡ ካብ 1980ታት ኣባል ሰራዊት ህዉሓት ዝነበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቦስቶን //ኣሜሪካ ዝነብር፡ ኣብ ሓደ ናይ ካቶሊክ /ክርስቲያን ቀሺ ኮይኑ ዝስሊ፡ ኣብ ሓደ ሕክምና (Boston Medical Center) ድማ ከም ተርጋሚ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ጌና ናይ ስለያ ስርሑ ዘይገደፈ ፡ ምስ ኣሉላ ሰለሙን ትግራይ ሜድያ ሃውስን ፍሉይ ምትእስሳር ዘለዎን ህዝቢ ንካህን`ዩ ዝሰምዕ ተባሂሉ (ከም ቀሺ ተመሲሉ) ካብ ምባል ኣብ እዋን ናይ ሓሶትን ጸለመን ፕሮፖጋንዳ ሓበሬታ ንምቅባል ናብ ተሌቪዥን ትግራይ ሜድያ ሃውስ ዝቀርብ ኣባል ስለያ`ዚ ጁንታ`ዩ። ሓድሽ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘረጋገጾ`ውን ጳጵስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ/ክራስትያን ኢትዮጲያ ኣብ ኒዮዎርክ ኣባ ጴጥሮስ ፡ እዚ ከም ካህን ን ነብሱ ብምጽዋዕ ክንቀስቀስ ዝጸንሐ ሚኪኤል በርሀ ቀሺ ኣይኮነ ኣማኒ`ውን ኣይኮነ ብምባል መግለጺ ሂቦም ኣሎው። እቶም ጳጵስ ኣብቲ ዝሃብዎ ሓበሬታ ወሲኾም ፡ ሚኪኤል በርሀ ኣብ ኣኽሱም ነይረ ምባሉ ኣዝዩ ኣሰንቢዱንን ኣቆጢዑንን`ዩ ፡ እዚ ሰብ ኣብ ሆስፒታል ቦስቶን ከም ተርጋሚ ዝሰርሕ ዘሎ ካብቲ ቦታ ዘይተንቀስቀሰ ኣኽሱም ነይረ ኢሉ ምስክርነት ምሃቡ ኣዝዩ ከምዘቆጥዖም ገሊጾም ኣሎው። ኣምንስት ሕጂ`ኸ እንታይ ትብሉ? ልዕሊ ጳጳስ ካቶሊክ ምኻን ኣየድልን እዩ።

 

Ø መንግስቲ ኢትዮጲያ ብመገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኡ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ`ውንመንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም ኣብ መዓስከር ስደኛታት ሱዳን ከም መሰኻኽር ተባሂሎም ዝተገልጹ ሰባት፡ ኣብ ማይካድራ ልዕሊ 700 ሰባት ቀቲሎም ዝሃደሙ ኣባላት ወያነ ምዃኖም ገሊጹ ዘሎ። ስለ`ዚ፡ ምንጪ ናይ` ጸብጻብ ካድረታትን ወተሃደራትን ወያነ ምዃኖም ዘየጠራጥር ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ካብ ወግዓዊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ከይተወከሰ ዳኣ ኣምንስት ከመይ ኣቢሉ`ዩ ካብ ገበነኛታት ሓበሬታ ተቀቢለ ኢሉ  ጸብጻብ ዝሰርሕ?

Ø ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ካብ ዝርከቡ ትግራዎት ብ ተሌፎን ሓበሬታ ረኺብና ተባሂሉ። ን ምኻኑ እቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ዝተባህሉ ኣብ ዕለታት 9-11 ሕዳር 2020 ካብ ምዕራብ ትግራይ  ከባቢ ወልቃይትን ሕሞራን ብ ሰራዊት ፌደራል ምስተታሕዛ`ዶ ኣይኮኑን መሬት ሱዳን ሃዲሞም ዝኣተዉ፡ መዓስ`ዮም ኣኽሱም ነይሮም? ኣኽሱም`ኳ ድሒራ ንሶም ኣብ መሬት ሱዳን እንከለው ዕለት 18 ሕዳር 2020 `ዶ ኣይኮነትን ሓራ ዝኾነት? ዳንሻ ማይካድራ ወልቃይት ሑመራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኢትዮጲያ ምስ ኣተዋ`ዶ ኣይኮኑን ሳምሪ ዝተባህሉ ዕጡቃት ወያነ ሰለማውያን ሰባት ናይቲ ከባቢ ቀቲሎም ሱዳን ዝኣተዉ። ከመይ ኣቢሎም እዮም እዞም ሰባት ቀዲሞም ቅድሚ ኣኽሱም ምትሓዛ ሰለማውያን ሰባት ቀቲሎም ዝሰገሩ ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ኮይኖም ብዛዕባ ዘየፈለጥዎን ዘይነበርዎን ፍጻመ ምስክርነት ዝሃቡ። ዓይንኹም ክፈቱ ኣምንስት።  `ባዕሎም ቀተልቲ ባዕሎም መስከርቲ`? ዘስደምም እዩ።

 

2. ሰራዊት ኣብ ዘይምኽኑይ ቅትለትን፡ ንሰላማዊ ዝኸዉን መከላኸሊ ኣብ ግምት ከየእተወ፡ ካልእ ኣብ ሰፊሕ ዝምታን ኣትዩ ይብል ጸብጻብ ኣምንስት፡፡ (Troops carried out extrajudicial executions, indiscriminate shelling and widespread looting) ኣባሃህልኡ፡ ዋላ ዉን ዕጥቃዊ ጎንጺ እንተኣጋጠሞ፡ ከም "ቬትሮ መከላኸሊ" ንሰላማዊ ሰብ ዝከዉን ክጥቀም ኔርዎ እንበር፡ ጠያይቲ ስለዝተተኮሶሉ፡ ብኣልማማ ግብረመልሲ ጠያይቲ ክኣትዎም ኣይነበሮን፡ እዚ ከም ሓደ መረጋገጺ ከም ጭብጢ ወሲድካ፡ ንባህሪያት ሰራዊት ኤርትራ ዝገልጽ፡ ካልእ ዝተዘረፈ ንብረት ዉን፡ ነቲ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ብሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተፈጸመ ዘረጋግጽ ኢዩ ኢሉ። ኣዝዩ መአርመም ምጉት። ኣይትገረሙ፡ መርትዖ ኢሉ' ዘርዚርዎ ዘሎ።

3. ሳልሳይ መርትዖ ኢሉ ቀሪብዎ ዘሎ፡ ብናይ ሳተላይት ደረቕ ኣሳእል ዝተወስደ መቃብርን፡ ምምስሳል ቦታ ፍጻመን እዩ (Satellite imagery analysis shows evidence consistent with new burial sites) ምስ' ሓደ ክልተ ዝረኸብናዮ ቪድዮን ደረቅ ስእልን (ናይ መን ቦታን ሕብረተሰብን ምኻኑ ዘይፍለጥ) "Geolocation" ንቦታ ፍጻመን ኣሳእል ሳተላይትን፡ ንሓድሕዱ ኣረጋጊጽና፡ መቃብራት ዉን ኣብ ክልተ ቦታ ኣብ /ክርስቲያን ርኢና፡ እቲ "ቁጽሪ ግዳያት" ብርግጽ ዘየረጋገጽናዮ ህልቂት፡ ብሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተፈጸመ ኣረጋጊጽና፡ ይብል እቲ ዝወጸ ጸለመ ኣምንስት ኢንተርናሽናል።

እዞም እኩባት ገበነኛታት እንታይ ይብሉን ይገብሩን ኣለዉ እኳ እንተዘይገረመና፡ ንምስይጣንና ንምኹንናን፡ ነቲ "800" ሰላማዉያን ተቀዚፎም ዝብል እሞ፡ ከም ዋዛ ዋዛ "Joke" ዝመስለና ዝነበረ ተራ ሓሶት፡ ብወርቂ ዝመስል ናይ ሓሶት ሓቂ ለኽዮም፡ ኣብ ኣህጉራዊ መቃን ክሽቅጡሉ ላዕልን ታሕን ይብሉ ምህላዎም እዩ

ጸኒሑ ዝተገልጸ ሓቂ ግን ከምዚ`ዩ፡ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከም ም/ኣማሓዳሪ ኮይኑ ተመዲቡ ዘሎ፡ ኣቶ ሙሉእብርሃን ሃይለ፡ ኣብ ተለቪዥን ሃገሩ "ETV" ቀሪቡ፡ ህዉሓት ፈለማ ህዝባዊ ሰረት ከም ዘይብላ ምስ ተረድአት፡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ጎና ከሰልፎ ዝኽእል ኩሉ ዓይነት ድራማ(ህዝቢ እንተተደናገጸላ ካብ ምባል) ምስርሓ ገሊጹ ኣሎ።(ካብ ቃለመሕተት ETV ዝተግብረሉ ዝተውስደ ነጥቢ`ዩ)

ሓደ ካብ' ዝገርም ድማ፡ ኣብ ኣኽሱም /መቅደስ እንዳ ማርያም ንዝበዓል ዝነበረ ዓመታዊ በዓልኣማኻንዩ ተኣኪቡ ዝነበረ ኣዚዩ ብዙሕ ህዝቢ ኣኪባ፡ "ሰራዊት ሻዕቢያ ይመጽእ ስለዘሎ፡ ኣዴታትን ዓቅሚ-ሄዋን ዝበጻሕክን ደቃ-ኣንስትዮን፡ "ኮንዶም" ኣብ ኢድክን ግድን ሕዛ፡ ምኽኒያቱ ግድን ክዕምጽኹን እዮም!" ክትብል ዘሐንኽ ጎስጓስ ከም ዝገበረት`ውን ኣቶ ምሉእብርሃን ኣብ ቃለመሕተቱ ወሲኹ ኣረዲኡ ኣሎ። እወ ፡ ወያነ ግድን ኮንዶም ሓዛ `ምባላ እምባኣር ነቲ ዘሕፍርን ዘነውርን ስዒባ ዝፈጸመቶ ተግባራት ጾታዊ ዓመጽ ንኽትፍጽም ድሮ ከም መደብ ሒዛቶ ምንባራ ዘረድእ ጭቡጥ ኣብነት እዩ።

Ø ካልእ ሓቂ ፡ ኣብ እዋኑ ኩሉ ይከታትሎ ከምዝነበረ፡ ብዓል ሕዳር ጽዮን ኣክሱም 21/11/2013 ብቆጻጽራ ኢትዮጲያ ዕለት 29 ሕዳር 2020 ብፈረንጂ ብዘይ ናይ ጸጥታ ጸገማት ከምዝተባዕለ ካልእ ተመሳሳሊ ሃይማኖታዊ ብዓል ኣብቲ ከተማ`ን ድሕሪ ዕለት 30/11/2020 ከም እተባዕለ ፡ ኩሉ ብሰላም ከምዝሓለፈ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጲያ  ዜና ሰሪሔናል ነይረን`የን። እዚ ኣብ ብዓል ሕዳር-ጽዮን መዓልቲ ፡ ከምዚ ዓይነት ገዚፍ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ተፈጺሙ ዝተባህለ ቅትለት ዳኣ በየን ዝመጸ እዩ? ከመይ ኢሉ ክስገር ዝኽእል? ከመይ ኢለን`የ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጲያ ከይተዛረባሉ ክሓልፋ ዝኽእላ? ወይስ ካልእ ማርያም ጽዮን ኣኽሱም ኣብ ክልል ትግራይ ኣሎ እዩ?

እዚ ኩሉ ክገብርዎ ዝጸንሑ ድራማ እምብኣር፡ ብስንዕናዕ ኣሳእልን ተንቀሳቃሲ ቪድዮን ዝካየድ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ኮነ ተባሂሉ ናይ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝፈረየ ብዓሰርታት ደርዘናት ዝቁጸር ኣልባሳትን ተኸዲኖም ሰራዊት ወያነ ብስም ሰራዊት ሻዕቢያ ቅትለት፡ ዘረፋ፡ ዓመጽ፡ ዝፈጸሙዎ በደል ገዲፍካ ማለት`ዩ። ኣብ እዋኑ ጽባሕ ፍጻመ ምጅማር ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት ፡ ወያነ ናይ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣልባሳት ኣስፍያ ን ምልሻታታ ከተልብሶም ምድላዋት ከምዝገበረት መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣቃሊዑ ምንባሩ ምዝካር`ውን ኣገዳሲ እዩ። ነታ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሳልሳይ ወራር ፍጹም ዘዕነውዋ ቤተ/ክርስትያን ዓዲ-ቀይሕ ብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ደጊማ ዝተሃንጸት ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘዕነውዎ ስእላ ተጠቂሞም ፡ ሻዕብያ ቤ/ክርስትያን የዕንዩ ዝብል ኣረሜናውያን እከይ ፕሮፖጋንድኦም ዘርጊሖም . . ክንደይ`ሞ ክትብሎ። እቲ ቀደም ዝላደናሉ ፍልሊ እስላምን ክርስታያንን ክነግድሉ ፈቲኖም . . ክፍኦም ጸብጺብካ ኣይዋዳእን`ዩ። 

ወያነ ፡ ናይዚ ከምዚ ዓይነት ድራማ ክኢላ'ያ። ክገርመና የብሉን። ንዓና ን ኤርትራውያን ሓድሽ ነገር ስለዘይኮነ። ኣብነት ናይዚ ፡ ሓደ እዋን ዝገበረቶ ዘአርምም ተግባራታ ክንርኢ፡፡  መርበብ ሓበሬታ ዊኪሊክስ እዩ ኣቃሊዕዎ ፡- ``ኣብ 2010 ዝተቃለዐ ፡ ወያነ ኣብ 2006 ዝፈጸመቶ ምስጢራዊ እኩይ ተግባራታ። ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ባዕላ ቦንብ ከምዝፍንጀር ጌራ ፡ ኤርትራኣል-ሸባብን ከሲሳ`` ምንባራ ፡ ንሰነዳት ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣሜሪካ (ማዉስ - CIA) ጠቂሱ ዊክሊክስ ኣብ እዋኑ ኣቃሊዑዎ ዝነበረ ፍጻሜ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ሕሱምን ሰይጣናዊ ተግባራትን ናይዛ ጃንዳ እዩ። ብዘይካ`ዚ ውን ወያነ ኣብ ናይ ቃልሲ ዘመና ፡ ኣድህቦ ዓለም ክትረክብ ንምባል ኣብ ልዕሊ ህዝባ ነበርቲ ሓውዜን ዝገበረቶ ደብዳብን ፡ ህዝባ ብብዝሒ ተሰዲዱ ናብ ሱዳን ከምዝግዕዝ ዝገበረቶ ፍጻሜ `ውን ታሪኽ መዝጊብዎ ዘሎ ሓቂ እዩ።

ካልእ ፡  ጭቡጥ መርትዖ ዘለዎ ጉዳይ ፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ፡ ህዉሓት ሕጊ ንምኽባር ኣብ ልዕሊኣ ብ ፌደራል ናይ ምቅራም ስጉምቲ ክውሰደላ ምስ ጀመረን ፡ ስዕረታ ዘይተርፍ ምኳኑ ምስ ተገንዘበትን፡ ልዕሊ 10-ሽሕ እሱራት ገበነኛታት እታ ክልል ከም ኣኽላባት ፈቲሓ ናብ ህዝቢ ፈንያ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ትካላቱን ከቢድ ዘረፋን ዕንወትን ከምዝፍጸም ጌራ ኣላ። 300-ካብኦም ብምኽንያት ፖለቲካ ዝተኣስሩ፡ ንክትርሽኖም ንዓቢ-ዓዲ ተምቤንደይባ ክንሳ ፡ ብጸረ መጥቃዕቲ ሰራዊት ፈደራል ትንፋስ ምስ ሰኣነት ግን ፡ ጉድጓድ ኩዒታ፡ ከይረሸነቶም ምስ ብዙሕ ኣጽዋራን ዕጥቃን ገዲፋቶም ሃዲማ`ያ። ካልእ ክጥቀስ ዘለዎ ጭቡጥ  ጉዳይ`ውን  ፡ ወያነ ንብዙሓት ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት`ቲ ክልል ዝርከቡ ፡ ብምልሻታታ ቀቲላ ፡ ኣብ ኩናት`ዉን ኣገዲዳ ኣእቲያቶም ፡ ን ገለ ድማ  ብስለላን ፖለቲካዊ ኣመላኻኽታን ዝተኣስሩ፡ ገለ ድማ ኣንጻር ገዛእ ርእሶም ክምስክሩ ስለዘይደለዩ ፡ ኣኪባ ብጃምላ ኣህሊቃቶም ኣላ። እዚ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣብ ሰዓቱ ብ መጽናዕቲ ተስንዩ ብዝርዝር ብዝምልከቶ ኣካል ሓደ ብሓደ ናብ ህዝብን ዝምልከቶ ኣካልን ዝበጽሕ`ዩ።

ስለዚ፡ እዚ ዳርጋ ሰለስተ ዕቁድ ዓመታት ዝላደናሉ ሓሶትን ፍብረኻን እዛ ጃንዳ ክቃላዕ ኣለዎ። ነዚ ክህንድስዎ እንከለዉ ከም ድራማ መዛሕ/ናክታ ክንወስዶ ዝጸናሕና ብገለ መላፍንቲ ውድባትን ኣህጉራውያን ትካላትን እዛ`ጃንዳ ዝኾና ከም ቁምነገር ይውሰድ ምህላው`ዩ። ኣብነት ናይዚ እቲ ወትሩ ንሓሶት ከይኣረጋገጸ ከም ቅኑዕ ወሲዱ ጸብጻባት ዘውጽእ ኣምንስት ኢንተርናሽናል ብ26 የካቲት 2021 ጽሒፉ ዘውጾኦ ጸብጻብ ንሽሙን ተኣማንነቱን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ምኳኑ ገና ኣይተገንዘበን ዘሎ። ማዕረ እዚ ግን፡ እቲ ዋጋን ተኣማንነትን ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለምና`ውን ማዕረ ክንደይ ኣብ ሕማቅ ደረጃ ከም ዘሎ ዘመላኽት፡ ነዚ ጸብጻብ ብቀሊሉ ዝተፈላለየ ኣርእስቲ ሂበን ዜና ይሰርሓሉ ምህላወንን እዩ። ነዘን ብዝመጸን ከየርጋገጻ ሓድሽ ሓድሽ ፡ መርትዖ ዝተሓረሞ ሚዛናዊ መርገጽን ምእካብ ሓበሬታን ከይገበራ ክሕንክራን ከጋውሓን ከይደቀሳ ዝሓድራ ማዕከናት ዜናን ውድብ ኣምንስት ኢንተርናሽናልን `Truth is regarded by lies during the wartimes’ ክንብሎም ንደሊ። ነቶም ተሃዊኾም ከየጽንዑ ሓቂ ዝቀብሩ ድማ ዋናታት ሓቂ ከምዚ`ዩ መልሶም `ሓቂ ጉድ ረኺባ   ጉድ ርኢና ጉድጋድ ከእትውዋ  ከም ባሊና ሓቂ ግን ኣይክትድበንን` ጉድጋድ ኾዓቲኣ እዩ ዝኣትዋ !`

 ኣብ ገበን ዘይወዓለ ሰራዊትና ንምጽላም፡ ሰብን ሓውሲ ዝብእን ከይፈለኻ ህዝቢ ኣሕፊሽካ ንምድንጋር ዝግበር ሃቐነ ኣይግድን ይኣክል ዓሎቅ ! ይኣክል ዝርያ ! ይኣክል ናይ ሓሶት ዘመተ ! ክንብል ንደሊ። እንተ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ደራሪዝኪ ዓይንኺ ፡ ውዳቅኪ ኣለልይ ክንብላ ንደሊ ምኽንያቱ ሓሳውን ቆርበትን  እናሓደረ ስለዝፎክስ። እንተ ትዕግስትና ግን ሕጂ`ውን ደረት-ትርኢቱ ኣድማስ ከብድና ባሕሪ ልቦናና ሰማይ ኣንዊሕና እንጥምት ህዝብን ሃገር ኢና` ርካሽ ፖሎቲካኹም ከነሳሲ ግዜ የብልናን ክንብሎም ንደሊ።

ኣብ መደምደምታ ፡ ኣንፈት ጉዕዞና ከየጥፋእና ምስ ጎረባብትናን ሃገራት ከባቢናን ኣብ ሓባራዊ ረብሓታትን ምትሕግጋዝን ዝምርኮስናይ ጽቡቅ ጉርብትናን ሰላምን ዝምድናታት ምምስራት  ቀዳማይ ዕላማና ኮይኑ ፡ ሰላም ምርግጋእን ዝምድናታትን ዶባት ስለዘይውሰን፡ ኣብ ሃገርና ነቲ ንጹር ፖሎቲካዊ መስመርናን ድሕሪ ነዊሕ ሓርነታዊ ቃልስናን ምዕቃብ ሉኡላውነትን ዝያዳ ውሕስነትን ብናይ ሓባር ዕብየትን ክውሓስ ምእንቲ ሕጂ`ውን ምስተን ታሪኻውያን መሻርኽቲ ሃገራት ከባቢናን ዓለምን ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ናይ ሓባር ምዕባለ ምቅሉል ኣበርክቶ ንምግባር ክንሰርሕ ምኻንና`ውን ደጊምና ነረጋግጸሎም።




6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events