Dehai

ዕላማ ዕላማ ዘይብሉ

Posted by: Tesfamicael Yohannes

Date: Friday, 09 April 2021

ዕላማ ዕላማ ዘይብሉኸ እንታይ ማለት ኢዩ? እቲ ኣርእስቲ ሲግንጥር፤ ስዒቡ ዝቐረበ ሕቶ ሲግንጥር፤ መእተዊ የብሉ መዉጽኢ የብሉ፣ ግዜ ንምብኻን ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኢዩ ኢልካ ምተደምደመ። ኣይኮነን። ኣይትጋገዪ። እዚ ጽሑፍ ዕላማ ኣለዎ። ዕላማ ናይዚ ጽሑፍ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዲጂታል ወያኔ ተዳልዩ መንእሰያት ክርሸኑን ሬሳኦም ንገደል ክድርበይ ከሎ ዘሪኢ ቪዲዮ ስለዝዘርግሑ ነየናይ ዕላማ ንምዉቃዕ ዝዓለመ ኢዩ? ዕላማኡኸ ወቒዑዶ? ዝብል ሕቶታት ብምልዓል ንምትንታን ኢዩ። ነዚ ሓተታ ዝሕግዙ ኣብነታት ምጥቃስ ኣገዳሲ ክኸዉን ኢዩ። ሐደ ተኽሊ ኽቦቅል ከሎ ዕላማ ኣለዎ። ወዲ ሰብ ክፍጠር ከሎ ዕላማ ኣለዎ። ኩሉ ፍጡር ዕላማ ኣለዎ ኢልና ነሕጽሮ። ንምንታይ ዕላማ ኢልና ግን ኣይንሕተት። ምኽንያቱ ክንህዉትት ዉዕልና እንተሓደርና መልሲ ኣይንረኽበሉን ኢና። ፈላስፋታት ንመዋእል ተፋልሞምሉ መልሲ ዘይተረኽበሉ ሕቶ ኢዩ። ብስነፍልጠት ይኹን ብእምነት ኩሉ ፍጡር ዕላማ ኣለዎ ምባል ተቐባልነት ኣለዎ። ስለዝኾነ ከኣ ኢዩ ንኹሉ ፍጡር ኣኽብሮት ዘሎና። እምበኣር እንድሕሪ ንኹሉ ፍጡር ዕላማ ስለዘለዎ ተቐቢልናዮ ዕላማ ዘይብሉ ፍጡር ተቐባልነት የብሉን። ኣብነታት ከቕርበልኩም። መኪና ብእድ ወዲ ሰብ ኢያ ትፍጠር። ዕላማ መኪና ንምጉዕዓዝ ኢዩ። ዘየተጎጋዕዝ መኪና ግን ዕላማ ዕላማ ዘይብላ ትብሃል። ዕላማ ዕላማ ዘይብሉ ካልእ ኣብነት ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። ሓደ ግዜ ወሎ ኣብ ዝብሃል ቦታ ኣብ ኢትዮጵያ ብግዜ ደርጊ ጥምየት ኔሩ። ካብ ምዕራብ ሃገራት እኽሊ ሓገዝ ምስ መጸ ኣብቲ ግዜ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ብዓል ስልጣን እቲ ሕዝቢ እኽሊ ናይ ሓገዝ ሱቕ ኢሉ ካብ ዝበልዕ ስራሕ ኣስርሕዎም ኢሉ ሓድሽ መንገዲ ሱቕ ኢሉ የኹዕቶምን የጽርጎምን ኔሩ። ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ስራሕ ግን ናብ ዝኸዶ ዘይብሉ ናብ ዕጹው ጎቦታት በጺሑ። እቲ ናይ ጥሜት ግዜ ሓሊፉ ጋዜጠኛታት ዕላማ ናይቲ መንገዲ ንምፍላጥ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብልሉ ዝነበሩ እዋን ነቲ በዓል ስልጣን ኣደላልዮም ምስ ረኸብዎ ንምንታይ ዕላማ እቲ መንገዲ ከምዝተሰርሔ ሓቲተሞ። ነቲ ናይ ረዲኤት እኽሊ ዕላማ ነቲኦም ዝጠመዩ ንምዕንጋል ኢዩ። እቲ መንገዲ ግን ካብ ብኾፎም ዝበልዑ ሰሪሖም ይብልዑ ኢልና ኢና ኢሉ። ካብዚ ኣብነት እቲ ተቐባልነት ዘለዎ ዕላማ ናይቲ እኽሊ ንዘጠመዩ ምዕንጋል ስለዝኾነ ተቐባልነት ኣለዎ። ተቐባልነት ዘይብሉ ዕላማ እቲ መንገዲ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ዕላማ ዕላማ ስለዘይብሉ። እቲ መንገዲ ንምንም መዓላ ኽትግልገለሉ ዘይትኽእል ከንቱ ኢዩ ኔሩ። ካብዚ ብምቕጻል እዚ ብዲጂታል ወያኔ ዝተዳለወ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቪዲዮ ዕላማ ዕላማ ዘይብሉ ኢዩ። ጽባሕ ንግሆ ንምንታይ ነቲ ቪዲዮ ኣዳልኽሞ ተባሂሎም ክሕተቱ ከለዉ ኣቃልቦ ዓለም ክንስሕብ ኢልና ኢና ኢሎም ክምልሱ ኢዮም። በዚምኽንያት ከኣ ኢየ ዕላማ ዕላማ ዘይብሉ ዝበልክዎም።

Best regards
Tesfamicael Yohannes Teckle
Oslo, Norway


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events