Dehai

ጸለመ ዎይጦታት ከም ትኪ ይበንን፡

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Sunday, 11 April 2021

ተሓጺቡ ዘይጸሪ ዓለባ የለን፡ ሓጻቢ እንተረኺቡ።
መብዛሕትኡ ሕማማት ተፈዋሳይ እዩ፡ ሕሙም ሕማሙ እንተዘይሓቢኡ።
ዘይእረም ጌጋ የለን፡ ጉጉይ እንተዘይከኒቡ።
ዎይጦታት ግን ዝገበርካ ጌርካ ኣይጸርዩ፥ ኣይፍወሱ፥ኣይእረሙ።
ምኽንያቱ እሙሩኦም በቲ ዝንቡዕ ኣተሓሳስብኦም ስለ ዝመረተ።
ኮምኡ ስለ ዝኾኑ ክኣዮም ኣብ ግዜ ውድቀት ጁንታ ምስ ተረፍ መረፍ ሰዓብታ ኮይኖም ንምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ዘይስሙ እናሃቡ ከጸልሙ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ዘለዉ። ልቢ እንተዝህልዎም ነዚ ኣብ ኣፋፈት 30 ዓመት በዓል ነጻነትና ብቲቪ ኤረ ዝፍኖ ዘሎ ዘስደምም ቅያታት ተጋደልትን መስዋእትን ሰሚዕም ኣብ ነብሶም ክምለሱ ምተገብኤ። መበል 30 ዓመት በዓል ነጻነትና ብዘጋጥሙ ዘለዉ ጸለመታትን ክስታትን ኮምኡውን ኮቪድ-19 ብዘየገድስ እናመከትና ብድምቀት ከምነብዕሎ ዘጠራጥር የለን።

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና፡
ዓወት ንሓፋሽ።


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events