ሓደ ፈኸራን ጃህራን ዘብዝሕ በዓል ሽጉጥ ሰብኣይ መሮር (በረኻ) ምስ ወፈረ ሓደ ዓንተር ሽጉጡ ወሲዱሉ ጥራሕ ኢዱ ንገዝኡ ተመሊሱ። ወያ ሰበይቱ ሽጉጥኩም ድኣ ኣበይ ኣላ ኢላ ሓቲታቶ። ወሲዶምለይ እብላ። እዛ ሰፈራ ድኣ ብኸመይ ተሪፋ ምስ በለቶ፣ ሰፈር ሽጉጠይ እንተ ወሲዱዋ ድኣ ሞትካ ዘይትብልኒ በላ ይበሃል። እዚኣ ንጁንታ ትገልጽ እኽልቲ ምሳሌ እያ። ማእለያ ዘይብሉ ኣጽዋር ሒዛ ፈደራል ሰራዊት ኣጥቂዓ፤ ተቖሽሚዳ ጃለ ኮይና ብሙርኩስ ንመቐለ ተመሊሳ። መስሓቕ ዓለም።
ንጁንታ ንምግላጽ ብዙሕ ምጽሓፍ ኣየድልን’ዩ። እዚኣ ምሳሌ እኽልቲ እያ።
ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና ዓወት ንሓፋሽ
ገ/ንጉስ መስመር