Dehai

ጁንታ ደረቐኛ መስሓቕ ዓለም ኮይና።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 05 July 2021

ሓደ ፈኸራን ጃህራን  ዘብዝሕ በዓል ሽጉጥ ሰብኣይ መሮር (በረኻ) ምስ ወፈረ ሓደ ዓንተር ሽጉጡ ወሲዱሉ ጥራሕ ኢዱ ንገዝኡ ተመሊሱ።  ወያ ሰበይቱ ሽጉጥኩም ድኣ ኣበይ ኣላ ኢላ ሓቲታቶ። ወሲዶምለይ እብላ።  እዛ ሰፈራ ድኣ ብኸመይ ተሪፋ ምስ በለቶ፣ ሰፈር ሽጉጠይ እንተ ወሲዱዋ ድኣ ሞትካ ዘይትብልኒ በላ ይበሃል።  እዚኣ ንጁንታ ትገልጽ  እኽልቲ  ምሳሌ እያ። ማእለያ ዘይብሉ ኣጽዋር ሒዛ ፈደራል ሰራዊት ኣጥቂዓ፤ ተቖሽሚዳ  ጃለ ኮይና ብሙርኩስ ንመቐለ ተመሊሳ። መስሓቕ ዓለም። ጁንታ ንምግላጽ ብዙሕ ምጽሓፍ ኣየድልን’ዩ። እዚኣ ምሳሌ እኽልቲ እያ።

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና                                 ዓወት ንሓፋሽ
ገ/ንጉስ መስመር




Sent from Yahoo Mail for iPhone

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events