Dehai

ኣልማዛዊ ኢዮቤል ምጅማር ሓርነታዊ ብረታዊ ገድሊ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 01 September 2021

ኣልማዛዊ ኢዮቤል ምጅማር ሓርነታዊ ብረታዊ ገድሊ

መስከረም 2021 


መግለጺ ህዝባዊ ግንባር

30 ዓመታት ኣብ ሓርነታዊ ገድሊ፡ 30 ዓመታት ከኣ ኣብ ገድሊ ምዕቃብ ናጽነትን ምህናጽ ሃገርን ሓሊፉ፡ መበል 60 ዓመት ኣልማዛዊ ኢዮቤል ነብዕል ኣሎና።ኣብ’ዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ መጀመሪያ ንምርግጋጽ መሰል ርእሰ-ውሳኔን ናጽነትን፡ስዒቡ ድማ ንምዕቃብ ሃገራዊ ናጽነትን ምህናጽ ሃገርን ዘካየዶ ናይ 60 ዓመታት ገድሊ፡ ብኽቡር መስዋእቲ ኣማኢት ኣሽሓት ዝተሃንጸ ታሪኽ ምዃኑ ምስትውዓል ይግባእ።

ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔኡን ናጽነቱን ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ምኽፋሉ ሕላገቱ ከም ህዝቢ እዩ። ሓደ ውሑድን ድሩት ዝዓቕሙን ህዝቢ፡ ኣንጻር በብእብረ ብርእሰ-ሓያላን ኣሜሪካን ሕብረት-ሶቬትን ዝተደገፈን ዝጸንዐን መግዛእቲ ኢትዮጵያ መኪቱ፡ጾር ሓርነታዊ ቃልሲ ን30 ዓመታት ክስከም ምብቅዑን ምዕዋቱን መርኣያ ናይቲ ዝኸፈሎ ኣዝዩ ክቡር ዋጋን ዓይነቱ ከም ህዝብን እዩ። ሓርነት ዘይብሉ ግዙእ ህዝቢ ሂወት ዘለዎ ህዝቢ’ዩ ክብሃል ስለዘይክኣል፡ ከም ህዝቢ ህያው ንክኸውን ከኣ ንሓርነቱ ዝሕተት ዋጋ ክኸፍል ስለዘለዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽፈል ከፊሉ ሓርነቱ ብምጭባጥ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋገረ። እዚ ናይ ናጽነትን ምህናጽ ሃገርን ሓድሽ ምዕራፍ ግን፡ናጽነት ትርጉም ንኽህልዎ ኣንጻር ሓድሽ ብድሆታትን ቀጻሊ ተጻብኦታትን ጸኒዕካ ምምካትን ምስዋእን ምዕዋትን ስለዝሓተተ፡ ኣብ’ዚ እውን ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ንምክልኻልን ንምህናጽን ከም ብሓድሽ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ክኸፍል ተቐሲቡ’ዩ። ናጽነት ንምርካብ፡ ናጽነት ብምዕቃብ ሃገር ንምህናጽን ራህዋን ፍትሕን ንምንጋስን፡ከም ኩሉ ብሉጽ ዕላማታት ዋጋኡ ኣዝዩ ክቡር ብምዃኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ዝደልዮን ዝግብኦን መዓርፎ ንኽበጽሕ መኸትኡ ጸኒዑ ክቕጽል ነይርዎ። ሓርነት ብፍርቂ ዋጋስለ ዘይርከብ፡ ሓርነት ናይቶም ክካላኸሉላን ክዕቅብዎን ብቕዓት ዘለዎን እጀታ ስለዝኾነት፡ኣብ ታሪኽ ኣብ ፍርቂ መንገዲ ምእላይ ከኣ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ስለዘይኮነ፡ ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ 30 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ዝሓተተ ካልኣይ ገድሊ ቀጺሉ፡ ኣብ ድርኲዂት ሓድሽ መድረኽ ተበጺሑ ኣሎ።

ታሪኽ 30 ዓመታት ገድሊ፡ 30 ዓመታት መኸተ፡ ኩሉኹሉ ጉዕዞ 60 ዓመታት ንምምጻእን ምዕቃብን ናጽነትን ምህናጽ ሃገርን፡ ብደምን ረሃጽን፡ብቅኑዕ መስመርን ብቑዕ ኣወዳድባን፡ ብስትራተጂያዊ ኣመራርሓን ንጹር ራእይን፡ ብእምነትን ተስፋን፡ብፍልጠትን ተበላሓትነትን. . ዝተነድቀ ዝናዊ ታሪኽ እዩ። ነዚ ታሪኽ’ዚ ዝሰርሐ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ግንባርን፡ነቲ ዘይክኣል ዝተባህለ ናጽነት ኤርትራ ዝክኣል ዝገበረ፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ፡ ነቲ ዘይከውን ዝተባህለ ምዕቃብ ናጻ ሃገር ክዉን ዝገበረ፡ንመጻኢ’ውን ነቲ ዘይክኣል ዝመስል ናይ ራህዋን ልምዓትን ፍትሕን ሃገር ምህናጽ ዝክኣል ክገብሮ ዘኽእሎ ብቕዓት ይውንን’ዩ።

ኣብ ታሪኽ ዓወት ህዝብታትን ሃገራትን ጽሕፍቶ ዘይኮነስ ውጽኢት ብቑዕ ራእይን ውዳቤን፡ እምነትን ተስፋን፡ቃ ልስን ስራሕን ስለዝኾነ፡ ከም ኣብ ዝሓለፈ ኣብ መጻኢ’ውን ባህግታትናን ዕላማታትናን ንኽሰምር ናብኡ ዘብጽሓና ሓያል ሓድነትን ውሳቤን፡ ቅኑዕ መስመርን መሪሕነትን፡ ጽንዓት ኣብ ዕላማ ከምዘድልየና ንጹር’ዩ።ኣብ’ዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት 30 ዓመታት ብቐንዱ ብሰሪ ንሃገራዊ ህላዌናን ናጽነትን ዒላማ ዝገበረ ግዳማዊ ተጻብኦታት ምህናጽ ፍትሕን ልምዓትን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ማዕረ ልዑል ትጽቢትናን ጥሙሓትናን፡ ተወፋይነትናን ዓቕምናን ከም ድሌትና ክሰልጠና’ኳ እንተዘይክኣለ፡ ብግዳማዊ ተጻብኦታትን ጸቕጥታትን ከይተሰነፍና፡ ናጻን ቅኑዕን መስመርና ዓቂብና፡ ብናይ ኣቋራጭ ፍታሓት ከይሰዳዕና፡ናብ ናይ ሓዋሩን ነባርን መዓርፎ እናኣማዕደና ብጽንዓት ስለእተቓለስና፡ ነቲ ካልኣይ ምዕራፍ ገድሊ ዝኾነ ግዳማዊ ወራርን ብዙሕ ዝመልክዓቱ ተጻብኦታትን ብጽንዓትን መስዋእትን ስዒርና ኣብ ዞባና ኣብ ድርኲኺት ሓድሽ ምዕራፍ ሰላምን ምትሕግጋዝን በጺሕና ኣሎና።

እዚ ንኣትዎ ዘሎና ሓድሽ መድረኽ ግን፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት ጎሊሑ ከምእተራእየ፡ዞባውን ኣህጉራውን ተጻብኦታትን ዕንቅፋታትን ስለዘለዎ፡ዓቕምታትናን ብቕዓታትናን ኣማዕቢልናን ኣሐይልናን መኸተና ክንቕጽል ግድን እዩ። ዘቤታዊ ሰላምን ልምዓትን ኤርትራ ምስ ሰላምን ልምዓትን ዞባና ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ንህዝባዊ ግንባር ካብ እዋን ሓርነታዊ ገድሊ ኣትሒዙ ንጹርን ሓደ ካብ መሰረታዊ ኣዕኑድ ስትራተጂኡን እዩ ነይሩ። ንኣብነት ኣብ’ቲ ብ1985 ዘውጽኦ ‘’ህግ፡ ዝምድናኡ ምስ ደሞክራሲያውያን ምንቅስቓሳት ኢትዮጵያ’’ ዝብል ኣገዳሲ ንርሑቕ ዝጠመተ ናይ ፖሊሲ ሰነድ፡ነዚ ሕጂ ዘጓንፍ ዘሎ ዝተጠናነገ ፖለቲካዊ ብድሆታት ትንቢታዊ ብዝመስል ንጹርነት ኣስፊርዎ ነይሩ’ዩ። ኣብ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ከኣ፡ ህዝባዊ ግንባር ንዞባዊ ምትሕግጋዝን ምውህሃድን ዘለዎ መትከላዊ መርገጺ ዝገልጽ ፖለቲካዊ ውሳኔ ኣጽዲቑ ነይሩ።

ዞባዊ ምትሕግጋዝን ምውህሃድን ንኤርትራ ስልቲ ዘይኮነስ ዘይቅየር ስትራተጂ ስለዝኾነ፡ ነዚ ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ ዝተኸስተሓድሽ ተስፋ ንምብርዓን ዝደልዩ ብውሽጢ፡ ኣውራ ኸኣ ኣንጻር ጆኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታቶም ጌሮም ዝርእይዎ ግዳማዊ ሓይልታት ዕብለላ ስለ ዘለዉ፡ህዝብታትን ሃገራትን ዞባና ምእንቲ ሓባራዊ ረብሓታቶምን ዝሓሸ መጻኢኦምን ክምክቱ ግድን’ዩ። ኣብ’ዚ መኸተ’ዚ ኤርትራ ማእከል – ስሕበት ምዃና ድማ ናይ ኣጋጣሚ ኣይኮነን።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ብኹሉ፡ ብቅሉዕ ወራራት፡ ቁጠባዊ ማሕነቕቲ፡ስነኣእምሮኣዊ ኲናት፡ ፍልሰት መንእሰያት፡ ንሰብኣዊ መሰላት ፖለቲካዊ መሳርያ ዝገበረ ናይ ምስይጣን ዘመተታት፡ ተፈቲና ኤርትራ ካብ ረመጽ ወጺኣ ኣላ።

እዚ ኩሉ ገድልን መስዋእትን ትርጉምን እሴትን ዝህልዎ ግን፡ፍትሕን ራህዋን ደሞክራሲን ዝሰፈና፡ ነቲ ዝተኸፍለላ ክቡር ዋጋ ዘይተዕብር ሓራ ሃገር ምስ እትህነጽ ጥራይ’ዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ እቲ እንኮ መንገዲ ቀጻልነት ታሪኽ ብምርግጋጽ ታሪኽ ምስራሕ ጥራይ’ዩ። ንዝሓለፈ ሃገራዊ ታሪኽና፡ ነቲ ካብ ቀጽሪ ናጽነት ናብ ሓራካ፡ናብ ጀብሃ፡ ናብሻዕቢያ፡ ናብ ዋርሳይ ዘሰጋገረ ሃገራዊ ታሪኽና ከም መሰረትን መወከሲን ብምውሳድ፡ ቀጻልነቱ፡ ማለት ናይ ክብርታት፡ ዕላማታት፡ መትከላት፡ ተመክሮታት፡ዓቕምታት፡ ብቕዓታት ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ መድሕን ዝኸውን ብቑዕን ማዕባልን ሃገራዊ ትካላት ክንሃንጽ ኣሎና። ህዝባዊ ግንባር ማእከል ስሕበት ሃገራዊ ፖለቲካ ኮይኑ ምቕጻሉን ምድልዳሉን ከኣ፡ናይቲ ዘላቒ ምዕባሌ ክመርሕ ዝኽእል ድልዱል ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስርዓት መሰረት እዩ።

ኣልማዛዊ ኢዮቤል ክንጽንብል ከሎና እምበኣር፡ ንባሕቲ መስከረም ከም ኣውድ-ዓመት መብጽዓ መጠን፡ መብጽዓታት ሰውራና ብምኽባር፡ ሓርነትና ዓቂብና፡ ንኤርትራ ከም ፍትሕን ልምዓትን ራህዋን ዝሰፈና ሃገር ንኽንሃንጻ መብጽዓና ከነሐድስ ግቡእ’ዩ። ህዝባዊ ግንባር ከኣ፡ ብወራርን ተጻብኦታትን ንዝተኾል ፈዕድላት ብዝኽሕስ ናህርን ኣድማዕነትን ብምሉእ ዓቕሙ ንምህናጽ ኤርትራ ብምስራሕን፡ ሕድሪ ዝቕበልን ታሪኽ ዝቕጽልን ዝሰርሕን ብቑዕ ተካኢ ወለዶ ብምዂስኳስን ታሪኻዊ ተልእኾኡ ክፍጽም እዩ።

ሕድሪ ባሕቲ መስከረም፡ ስልጥንቲ ኤርትራ ብምህናጽ ክንፍጽም ኢና! 

ሰማእታትና ብስራሕ ይደበሱ!

ዓወት ንሓፋሽ!

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሒን

መስከረም 2021 

ኣስመራ




6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events