Dehai

ጠንቂ ድኽነት ኣብ ኣፍሪቃ፤

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 25 October 2021

እቶም ዱኹማት መራሕቲ ሃገራት ዓለምና ኣፍሪቃ ወሲካ፤ ሃገሮም ከመሓድሩ ልቸንሳ ካብ ምዕራባውያን ይሓቱ ዘገርምዩ።  ኣብታ ውሽጢ ልቸንሳ ዝሓዘት ሰታሪት ( ፖስጣ) ዝበልናካ ግበር እዚ ዕማኾ ተቐበል ዝብል መምርሒ ተቐቢሎም ኣብ ሜሬት ሰጊዶም ተምበርኪኾም የመስግኑ።  ህዝቦም  ሰሪሑ ወይ ሓሪሱ ከይበልዕ ሓሊኾም ተጸባይ ምጽወታ ጌሮም ኮፍ የብልዎ። ህዝቢ ሃብቲ ሃገሩ ክዝመት ከሎ ከምዘይፈልጥ ይገብርዎ። ከም ባህሊ ሰሪጺ ካብ ዉሉድ ናብ ዎሎዶ ክወራረስ ይነብር። ኣፍሪቃ ናይ ድኽነት ሰንካ መራሕታ እዮም።  መራሕቲ ኤርትራ ካብዚ ሓራ(ነጻ) ምኹዋኖም ዓቢ ጸጋዩ።  እዚ ኩሉ ንዘበናት ከጋጥመና ዝጸንሔን ዘሎን ጸገማት ስለ ዝኣበስና ኣይኮነን፣ ነብስና ባዕልና ክንክእል ስሉ ዝበልና ጥራሕዩ። ሎሚ ራኢይ መንግስትና ርእሰ ምርኮሳ ከም ደበና ሰናይ ክረምቲ ኣብ ልዕሊ ጎረባብትና ሃገራት ከይተሓጽረ ብህድኣት የስፋሕፍሕ ኣሎ።  እንበኣር እዚ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብኣሜርካን ሰዓብታን ዝግበር ዘሎ ምትእቴታው ነዚ ቁዱስ ስነ ሓሳብ ንምግተእ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ እዩ።

ገብረንጉስ መስመር 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events