Dehai

ሓተታ: ዘመተ ምዕብላዂ ሓቂ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 16 December 2021

ሓተታ: ዘመተ ምዕብላዂ ሓቂ

 ሓሙስ 16 ታሕሳስ

ዘመተ ምዕብላዂ ሓቂ

ብ10 ታሕሳስ 2021፡ ሓደ ካብ መራሕቲ ጃንዳ ወያነ፡ ኣብ ማዕከን ዜና ናይቲ ክልል መደብ ቋንቋ ትግርኛ ቀሪቡ፡ ኣመሪካውያን፡ ወያነ ካብ ትግራይ ወጺኡ ነቲ ውግእ ናብ ካልኦት ከባቢታት ከልሕሞን ኣዲስ ኣበባ ብምእታው ምስ ካልኦት ፓርቲታት ልፍንቲ ክፈጥርን ይድርኽዎም ምንባሮም ብምግላጽ፡ ነቲ ብህልቂት ህዝቢ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ዕቡድ ወተሃደራዊ ዕንደራ፡ ብድሕሪት ኮይኖም ዝድፍእዎ ዝነበሩ ወገናት መን ምዃኖም ግርም ገይሩ ኣቃሊዑዎ።

እቲ መግለጺ፡ ጃንዳ ወያነ፡ ንባዕሉ ግዳይ ናይቲ ብቡራኬ ኣመሪካን ኤውሪጳን ዝፈጸሞ፡ ፋይዳ ዘይተረኽቦ ዕንደራ ከምዝኾነ፡ ንህዝቢ ትግራይ ንምእማን ዝዓለመ እዩ።

እዚ፡ ሓድሽን ዘገርምን ዜና ኣይኮነን። ብብዙሕ መለክዒታት፡ ኣቐዲሞም ብእተጋህዱ ፍጻመታትን እውን ተደጋጊሙ ዝተረጋገጸ ስለዝኾነ።

ከም ዝዝከር፡ ኣብ 2018፡ ወያነ ብቑጥዐ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ስልጣን ምስ ተባረረ፡ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኤርትራ ሰላምን ምሕዝነትን ክፈጥር ምንቃዱ፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትስፉው ምዕራፍ ኣቐልቂሉ እዩ። እቲ ብኣገዛዝኣ ወያነ ምሒር ዝተዳህከ ህዝቢ ትግራይ’ውን ከም ኣካል ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ዝተፈጥረ ሰላም ብዙሕ ክረብሕ ምሉእ ዘይጉዱል ዕድል ነይሩዎ።

እንተኾነ፡ “ዘራጊ ከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ” ከምዝበሃል፡ ኣብዚ ዞባ ብሓፈሻ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሶማልን ድማ ብፍላይ ዝተፈጥረ ምሕዝነት ‘ንረብሓና ኣይኮነን’ ዝበሉ ኣመሪካን መሻርኽታን፡ ነቶም ስልጣኖም ተመንዚዖም ናብ መቐለ ዝሃደሙ መራሕቲ ጃንዳ ወያነ፡ ብዋጋ ህዝቢ ትግራይ፡ ነቲ ሓድሽ ምዕባለታት ክቘጽዩን ክዘርጉን ቀጠልያ መብራህቲ ወሊዖምሎም።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበረ ኣለክሳንደር ሮንዶስ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ጋዜጣ ከምዚ ክብል ነቲ ዝሓደሮም ስግኣት ኣነጺሩዎ ኣሎ።

 “ናይ ወያነ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ናብ ቀደሙ ተመሊሱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ መንግስቲ ክሳብ ዘይቆመ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ፈጢሮሞ ዘለዉ ኪዳን ደልዲሉ፡ ንምብራቓዊ ገማግም ቀርኒ ኣፍሪቃ ክቆጻጸሮ ተኽእሎ ኣሎ።”

ብዘይካ’ዚ፥ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ዝተቓልዐ፡ ቅድሚ ግጭት ትግራይ፡ ማለት ብ30 መስከረም 2020 ዝተዳለወ ምስጢራዊ ሰነድ ወያነ ብግደኡ፡ ምዕራባውያን ናይ ቻይና ጽልዋ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሻቕሎት ፈጢሩሎም ምህላው፡ ምስ ግዜ ድማ ኣብ ምእዙዝነት ሓድሽ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትእምማን ስለዘጉደሉ፡ ኣማራጺ ከናድዩ ተገዲዶም ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ወያነ ነዚ ኩነታት’ዚ መዝሚዙ፡ ምስ ምዕራባውያን ጥቡቕ ምትእስሳር ፈጢሩ ከምዘሎ ይገልጽ።     

መራሕቲ ወያነ እምበኣር፡ ብፍቓድን ኣይዞነትን ምዕራባውያን እዮም፡ ብ3 ሕዳር 2020 ለይቲ፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ሰሜናዊ እዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓደጋ ወዲቖሞ።

ድሕሪ’ዚ ናይ ቅብጸት ስጉምቲ’ዚ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ፡ ህዝብታት ኣምሓራን ዓፈርን ድማ ብፍላይ፡ ዝወረደ ከቢድ ሰብኣዊ ቕዝፈትን ዕንወትን ‘ኣብ ምንቲ ምንታይ!’ ዘብል፡ መግለጺ ዘይርከቦ ዘሕንኽ ዛንታ ዕብዳን እዩ። ዘሕንኽ ጥራይ ዘይኮነ ብሕጊ እውን ዘሕትት እዩ።

ወያነ ንህዝቢ ትግራይ ለኪሙ ኣብ ዓዘቕቲ ምስ ተሸመመ፡ ምዕራባውያን ንተዓዛቢ ብዘርመመ መገዲ ከዕብድብዱ ዝተራእዩ እምበኣር ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። እቲ ብቐዳምነት ዘሻቐሎም ጉዳይ ድማ፡ ጀማሪ ኲናት መን’ዩ? ደራኺ’ኸ? በቲ ወሪዱ ዘሎ ገዚፍ ህልቂትን ዕንወትን’ከ ተሓታቲ መን’ዩ? ዝብል ስዒቡ ክመጽእ ዝኽእል ግቡእን ሕጋዊን ሕቶ እዩ።

ክንዲ ዝኾነ ገበናዊ ውጥኖም ንምኽዋልን ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን ተታሓሒዞሞ ካብ ዘለዉ ዘመተታት ሓደ፡ ግጭት ትግራይ፡ ብ3 ሕዳር 2020 ዝጀመረ ዘይኮነ፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅድሚኡ ንነዊሕ እዋን ዝተዳለውሉ ኲናት ምዃኑን ባዕላቶም ከምዝጀመርዎን ዘእምን ልቢ-ወለድ ዛንታ ፈጢርካ ንማሕበረሰብ ዓለም ምድንጋር እዩ። በተን መጋበርያኦም ዝኾና ሚድያታት፡ ከም በዓል ኒውዮርክ ታይምስ ዘቕርብኦ ዓንቀጻት፡ ከምኡ’ውን ከምቲ ኣብ ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ዝቐረበ መጽናዕታዊ ወረቐት ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ጸብጻባትን ትንታነታትን እናፈነዉ ነቲ ፍሉጥ ሓቂ ክዕብልዂ ይሃልኩ ኣለዉ።

እቲ ብማዕከናት ዜና ምዕራብ፡ ካብ መጀመርታ ናይቲ ግጭት ጀሚሩ፡ ብጻዕቂን ብዝተወሃሃደን ኣገባብ፡ ክጋዋሕ ዝጸንሐ፡ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝበሃል ህልቂት፡ ናይ ኲናት ገበን፡ ዕንወትን ዘረፋን፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም፡ ምዕናው መዓስከራት ስደተኛታት ወዘተ. ዘርእስቱ በብዓይነቱ ናይ ምስይጣን ዘመተን ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢና ዝብላ ትካላት ዝቐርብ ዝነበረ ሓቅነት ዘይብሉ ክሲታትን እምበኣር፡ ብቐንዱ ነዚ ዓቢ ገበን’ዚ ንምኽዋል ዝዓለመ እዩ ነይሩ።  

እንተ’ቲ መጥቃዕቲ ብመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝጀመረ፡ ወይ ድማ፡ ወያነ ነብሱ ንምክልኻል ተገዲዱ ናብ ኲናት ከምዝኣተወ ከእምን ዝፍትን ሕሱር ትንታነ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ክቕብሎ ዝኽእል ኣይኮነን። ዓለም ብዓለሙ ጽቡቕ ገይሩ ዝፈልጦ ውሑድ ሓቅታት ምጥቃስ ጥራይ ኣኻሊ እዩ።

 ወያነ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምግላፉ፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ሰሜናዊ እዚ፡ ንክልተ ዓመት መመላእታ ጀሆ ሒዙ፡ ኣሃዱታቱ ኮነ ኣጽዋሩ ከየንቀሳቕስ ከልኪልዎ ነይሩ እዩ።

 መንግስቲ ኢትዮጵያ ካልእሲ ይትረፍ ሓለፍቲ ሰራዊት እውን ክቐያይር ይኽእል ኣይነበረን። ወያነ ተቐይሮም ንዝመጹ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ከምዝመለሰ ዘይፈልጥ የለን።

 ሓደ ሲሶ ካብ ፈደራል ሰራዊት ኢትዮጵያ ወያነ ምንባሮም፡ ወሰንቲ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ድማ ብትግራዎት ዝተታሕዘ ምንባሩ፡ መራሕቲ ወያነ ባዕሎም ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ከይሓነኹ ብቐጻሊ ክዛረብሉን ክጅሃርሉን ጸኒሖም እዮም።

 ወያነ ኣብ ርእሲ’ዚ ብደረጃ ፈደራል ሰራዊት ዝነበሮ ወሳኒ ቦታ፡ ካብ ፍቓድን ኣፍልጦን መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጻኢ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቚጸሩ፡ ናይ በይኑ ፍሉያት ሓይልታትን ምልሻታትን እናሰልጠነ፡ ብኣጉል ታሪኽን ጃህራን ንህዝቢ ትግራይ እናረሳሰነ፡ ንውግእ ክዳሎ ምጽንሑ ኩሉ ዝዕዘቦ ዝነበረ እዩ።

“ግጭት ትግራይ ኣቐዲሙ ዝተወጠነ እዩ፡ ወያነ ተገዲዱ’ዩ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ስጉምቲ ወሲዱ” ዝብል ናይ ሓሶት ዘመተ እምበኣር፡ እቶም ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሎም፡ ብዋጋ ህዝቢ ትግራይ፡ እኩይ ዛዕባኦም ከተግብሩ፡ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ገዚፍ ህልቂትን ዕንወትን ዝደረኹ ወገናት፡ ገበናቶም ንምኽዋል ዘካይድዎ ዘለዉ ሓቂታት ናይ ምዕብላዂ ዘመተ እንተዘይኮይኑ፡ ንማንም ከደናግር ኣይክእልን። ብግናዕ ኢድ ብርሃን ጸሓይ ምኽዋል ስለዘይክኣል!


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events