Dehai

Shabait.com: "ሳዋ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ መንእሰያት ብዝያዳ ኣገዳሲት እያ” ተመረቕቲሳዋ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ መንእሰያት ብዝያዳ ኣገዳሲት እያ” ተመረቕቲ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 19 March 2022

ሳዋ፡ ጐድኒ-ጐድኒ እቲ ንልምዓትን ምክልኻልን ሃገር ዘለዋ ኣበርክቶ፡ ብውልቂ እውን ብዙሕ ብልጫታት ከምዝረኸቡላ፡ ከም ኣካል መበል 34 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ናይ ሽድሽተ ኣዋርሕ ግቡእ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠናታት ቀሲሞም ብ13 መጋቢት ምስዝተመረቑ ኣባላት ኣብያተ-ትምህርቲ ሞያ፡ ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ - ካብ ወጻኢ ዝመጽኡ መንእሰያት ገሊጾም።

    ሃገራዊ ግቡኣ ንምፍጻም ካብ ካናዳ ዝመጽአት መንእሰይ ሚልካ ሚኪኤል ደበሳይ፡ ሳዋ ምስ ብዙሕነትን ባህልን ህዝቢ ኤርትራ ክትላለ፣ ርእሰ-ምርኰሳን ተጻዋርነትን ከተማዕብል  ከምዝሓገዘታ ድሕሪ ምጥቃስ፡ “መደበር ሃገራውነት፡ ዲስፕሊን፡ ጽንዓት፡ ፍቕሪን ሓልዮትን ኰይና ረኺበያ” ኢላ።

    “ኤርትራ ኣብ ሳዋ ስለእትረኽባ፡ ናብ ሳዋ ምውራድ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ መንእሰያት ብዝያዳ ኣገዳሲ እዩ” ዝበለ ድማ፡ ካልእ ካብ ካናዳ ዝመጽአ መንእሰይ ሚኪኤለ ዮውሃንስ ጐንጨ እዩ። 

    ኣብ ሳዋ ኣብ ዝጸንሓሉ ፍርቂ ዓመት፡ ባህልን ታሪኽን ሃገሩ ክፈልጥ ሰፊሕ ዕድል ከምዝረኸበ፣ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ፡ ምትሕልላይን ተጻዋርነትን ከምእተማህረ ሓቢሩ።

    ሓዳር ከይዓንቀጸን፡ ከክልተ ቈልዑ መምስ ስድራ-ቤታተን ገዲፈን ብድሌተን ንሳዋ ዝወረዳ፡ ተመሃሪት ቤት-ትምህርቲ  ንግዲ% ኣስመራ - መንእሰይ መርከብ ተወልደን ተመሃሪት ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ መንእሰይ ሃና ኣብርሃምን ብወገነን፡ ከም ዜጋታት ብሳዋ ምሕላፈን ዝስመዐን ሓበን ብምግላጽ፣ ብስድራ-ቤተን፡ ሰብኡተንን ማእከል ስልጠይፍና ሃገራዊ ኣገልግሎትን ንዝተገብረለን ገፍን ምትብባዕን ኣመስጊነን።

Shabait.com
•••••••••••••••••
   *


•••••••••
https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4892871157434552&id=100001351497949&sfnsn=scwspmo

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events