Date: Saturday, 08 October 2022
ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ፡ ጃንዳ ወያነን ኣማለድቱን፡ ግጭት ትግራይ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ሓሊፉ፡ ኣካል ናይ’ቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻርን ንምዕብላልን ዝካየድ ውድድር ርእሰ-ሓያላን (ኣመሪካ፡ ሩስያን ቻይናን) ምዃኑ፣ ወያነ እንተተሳዒሩ ድማ ንኣመሪካን መሻርኽታን ዓቢ ስግኣት ከምዝፈጥር ንምእማን ዝዓለመ ሓድሽ ቃና ከጋውሑ ይስምዑ’ለዉ።
ወያነን ኣሳሰይቱን ኣቐድም ኣቢሎም፡ ግጭት ትግራይ ምስ ጉዳይ “ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት” ብምትእስሳር፡ ብመንገዲ “ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ኢና” ዝብላ ትካላትን መጋበርያታት ማዕከናት ዜናን ዘጋውሕዎ ዝነበሩ ኣእዛን ማሕበረሰብ ዓለም ዘደንቆረ ኣውያት ክሰምዕ ንዝጸንሐ፡ እቲ ዘመተ ብሓንሳብ ናብ ካልእ ኣንፈት ምቕያሩ ክገርሞ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለታት ንዝከታተል ግን፡ ኣብ’ዚ መወዳእታ ሰዓት ግጭት ትግራይ ኣህጉራዊ መልክዕ ንምትሓዝ ዝደረኸ ስግኣት ምርዳእ ኣየጸግሞን።
ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ዘመተታት ኮነ እዚ ሓድሽ ቃና፡ ዕላማኡ ብቐንዱ፡ ሓቀኛ ጠንቂ ናይ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ጸገም ብምዕብላዂ፡ ወያነ ዝፈጸሞ ገበናትን ከም ሳዕቤኑ ኣብ ህዝቢ ትግራይን ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያን ዝወረደ ዕንወትን ዓባቢጥካ፡ ንወያነ ካብ ተሓታትነት ምድሓን’ዩ።
እንተኾነ ብግናዕ ኢድ ብርሃን ጸሓይ ምኽዋል ዝከኣል ኣይኰነን። ጠንቂን ኣመዓብብላን ግጭት ትግራይ፡ ብፕሮፖጋንዳዊ ምዕብላዂ ክሕባእ ዘይክእል እምብዛ ንጹር’ዩ።
ስለዝዀነ፡ በዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ጸጥታውን ሰብኣውን ቅልውላውን ናይ ኲናት ገበንን ተሓታቲ፡ እዚ ዓንዳሪ ጉጅለ ጥራይ’ዩ። ግጭት ትግራይ እምበኣር ምስ ጂኦ-ፖለቲካዊ ውድድር ርእሰ-ሓያላን ዘተኣሳስር ምኽንያት የብሉን።
ንዞባዊ ጉዳያት ብዝምልከት፡ ፖሊሲ መርገጺ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ንጹርን ዘየሻሙን እዩ። ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን፡ ማእከል ዓለማዊ ጥሙሓትን ውድድራትን ኮይኑ ብምጽንሑ፡ ህዝብታት ዞባና እምብዛ ተጎዲኦም’ዮም። ንህዝቢ ኤርትራ መሰል ናጽነቱ ብምግሃስ፡ ነዊሕን ደማዊን ኲናት ዘስዓበ ጂኦ-ፖለቲካዊ ስትራተጂ ኣካል ናቱ’ዩ። ምትእትታው ዓበይቲ ሓይልታትን ሕንከራ መሻርኽቶም ዞባውያን ጎብለላትን፡ ነቲ ልክዕን ዝግባእን እጃም ህዝብታትን ሃገራትን ናይዚ ዞባ ንልዕሊ 80 ዓመት ጓንዩዎ’ዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ፡ “ዞባና መዐንደሪን መወዳደሪን ባይታ ዓለማውያን ሓይልታት ክኸውን ኣይግባእን” ዝብል ንጹር’ዩ።
ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ምውሓስ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ካልእ ዞባዊ ጉዳያት እውን፡ ዋላ ኣብ ዘቤታዊ ሽግራት ውልቀ-ሃገራት፡ “ፈጽሚን ፍታሕን ብቐንዱ ብሰብ ጉዳይ’ዩ” ዝብል መትከላዊ ኣረኣእያ ኣለዋ። ካብዚ መትከል’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ንምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታት ኮነ ምእህጓር ዘቤታዊ ጉዳያት ኩሉ ሳዕ ኣኽሪራ ምስ ተቓወመት’ያ። ግዳማዊ ምትእትታው ዘላቒ ሰላምን ጸጥታን ዘረጋግጽ ከምዘይኮነ ጽኑዕ እምንቶ ኣለዋ። ኣብዚ ዞባ ዘሎ ኣራግጽ ዓበይቲ ሓይልታት ኣብቂዑ፡ ልኡላውነት ህዝብታትን ሃገራትን ናይዚ ዞባ ክብረት ክዋህቦ’ዩ ድሌት ኤርትራ። ሃገራት’ዚ ዞባ ከኣ፡ ሰላምን ጸጥታን ዞባአን ናይ ምውሓስ ሓላፍነት ባዕለን ክስከማ፡ ኣብኡ ከይተሓጽራ እውን፡ ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ዞባአን ብናይ ሓባር መረዳእታ ኪጸምዳ፡ ሓባራዊ ጸጋታተን ተመላሊኡ ዝሰርሓሉ ኣልያ (መካኒዝም) ክፈጥራ ትብህግ።