Dehai

ሓጸርቲ ጽሑፋት

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Friday, 30 December 2022

* እቶም ዝገብሩ ኣይጀሃሩ ኣይፍክሩ፡ ኣይዛረቡ ኣየዕገርግሩ፡ ኣይጭነቑ ኣየማርሩ፡ ኣይህወኹ ኣይንድሩ፡ ብህድኣት ስርሖም ይገብሩ፡ ዓወቶም ሚእቲ ብሚእቲ የበስሩ። እዚ ምጀካ ሻዕብያ ዝገብሮ የለን።

* እቲ ትማል ከምዝሓለፈት፡ ሎሚ ከምትሓልፍ፡ ጽባሕ ከምትመጽእ ዘየስተውዕል፡ ነብሱ ብልክዕ ዘይፈልጥ'ዩ። ምኽንያቱ ካብ ትማሊ ኣይተማህረላን፡ ሎሚ ኣይሰርሓላን፡ ንጽባሕ ኣይተዳለወላ። 
ኣብ ክንዲ ጉድለቱ ተረዲኡ ዝእረም፡ ንኻልኦት ክወቅስን ክኸስስን ይስማዕ። ኣብ መወዳእታ ናይ ጭንቀት ግዙእ ኮይኑ ኣብክንዲ ንግዜ ዝጥቀመሉ፡ ግዜ ይብለጸሉ።

* ካብ ሰብ ዝጸልኣካ፡ ዝጸርፈካ፡ ዝንዕቀካ፡ ኩፉእ ዘውርየልካ፡ ዝንጽለካ፡ ዝኸፍኤ ሕልናኻ ክጸልኣካ ከሎዩ። ሕልና ዘይብሉ ሰብ ብኹሉ ጽሉእዩ። ሕልና ዘለዎ ቅሱን ሕጉስ ፍቱውዩ'ሞ ሕልናና ዘቕስን ስራሕ ንሃገርና ንድራሓላ።

* ተበለጽቲ ከም ጠበቕ እንተመሰልናሎም ኩፉእ ኣይመስለንን። ጠበቕ ዝቑለብ እንተረኺቡ ርእሱ ሓፍ የብል፡ እንተሲኢኑ ምስ ሜረት ልሕግ ይብል።
ተበለጽቲ ከኣ ኮምኡዮም፡ ራህዋ ምስ ዝሰምዑ ቅልቅል ቅልቅል ይብሉ። መድረኽ ምስ ዝተርር ከኣ ሜረት ከም ዝወሓጠጦም ዕርብ ይብሉ። 
ኣብዚ ሕጂ እዋን ጁንታ ሱራ ዝተነቕለትሉ ንርእዮ ዘሎና ምቅልቓል ናይ ተበለጽቲ ንስቕትኦም ዝድምስስ ኣይኮነን፡ ግን ንክእረሙ ይሕግዝ ይኸውን እንተድኣ ተበላጺ ባህርያቶም ሓኺኾም።

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events