Dehai

ኣብ ሃገራት ሱዳንን ሊብያን ኢትዮጵያን [መዳጎኒ ትግራይ] ካልኦትን ኣብ ስቓይን መግረፍትን ዝርከቡ፣ ኣደዳ ጭውያን መሸጣን ስንክልናን ሞትን ኮይኖም ዘሎዉ ኣሕዋትናን ኣሓትን፣ ኣማራጺ ግብራዊ ፍታሕ! ....

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Wednesday, 19 April 2023

ኣብ ሃገራት ሱዳንን ሊብያን ኢትዮጵያን [መዳጎኒ ትግራይ] ካልኦትን ኣብ ስቓይን መግረፍትን ዝርከቡ፣ ኣደዳ ጭውያን መሸጣን ስንክልናን ሞትን ኮይኖም ዘሎዉ ኣሕዋትናን ኣሓትን፣ ኣማራጺ ግብራዊ ፍታሕ! ....

÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷

 

    •=>>> ንተመሳሳሊ ዕላማ ብዕለት 1 ሰነ 2022 ዓም ኾቦጃ ዝተጻሕፈትን፣ ሕጂ ቀቅድሚ ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ብዛዕባ ኣብ ሃገረ-ሱዳን ዝቕመጡ ዝነበሩ ግዳይ ፍልሰት ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ብስሞም 'ንዕኦም ንምድሓንን ድምጺ ንኹኖም' እናበልካ ዝኸይድ ዝነበረ ፋይዳ ዘይብሉን መሸቐጥን ምስሉይን ጐስጓሳት ገለ ብምትዕርራይን ገለ መኣረምታ ብምግባርን፣ ምስ' ዝኸይድ ዘሎ ህዉጽ ኩነታት ትኸይድ' ኢለ ስለ ዝኣምንን ጠቓሚት ምኽሪ'ውን ስለ ትኸውን |ንሰማዒ እዝንን ንዝርዳእ ኣንደበት ዝውንኑ ቅኑዓት ሰባት| ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ፣ እንደገና ክልጥፋ ወሲነ።

 

    ሰንሰለታዊ ሕጥበ-መላግቦ ጽሕፍቲ ናይ ቅድም...ጥራይ ምስቲ ጽሑፍ ዝኸይድ ኣብ መወዳእታ' ጽሕፍቲ ዘሎ ተንቀሳቓስን ደረቕን ስእልታት ተዓዘብዎን ረኣይዎን።

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=694252521653183&id=100032053243939&sfnsn=scwspmo

 

    •π√> ሓቂ መጀመርታ መራር እያ፣ ውዒላ ሓዲራ ግን ምቅርቲ'! ስለዚ ክበሃል ዘለዎ ዝኾነ ነገር፣ ብተኻእለ መጠን ብጭብጢ ዝተሰየን ብስነ-ፍልጠታዊ ስነ-ሞጐትን ብዘይ ሕብእብእ ብግልጺ ክበሃልን ክጸሓፍን ኣለዎ!!!

 

    ኣሹንኳይ' ንኣብ ሽግርን ስቓይን ኣደዳ ከም ከብቲ ሸየጥቲ ደቂ ሰባት ኣረሜናዊ ተግባራት ተዋፊሮም ዝሰርሑ ኢድ ወዲቖም ኣብ ኣፋፈት ሞት ዘሎዉ ንኤርትራውያን፣ ሰብኣውነት ዝውንን ኩሉ ፍጡር ወዲ-ሰብ ንማንም ኣብ ሽግር ዝወደቐ ከምኡ ሰባት'ውን ድምጺ ክኾኖምን ክጣበቐሎምን እንተ ኽኢሉ'ውን ክሕግዞምን፣ ባህርያውን ግዴታውን ኣድማሳውን እዩ።

 

    እንተኾነ ግን እቲ ዝበሃልን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅን ጭብጥን ኣዝዩ ይፈላለ እዩ። እዞም ኣብ ትግራይ ኮኑ ሱዳንን ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ግዳያት ስቓይን ዓመጽን ጃምላዊ መቕተልትን ኣረሜናዊ ግፍዒ ወንጀለኛታትን ጥሩፋት ሓረድቲን ቀንጸልትን ናይ እምነት ምስልምና ዝኽተሉ -ሰብኣውያንን ኣረሜናውያን ደርጎኛ ነጨ-ለባሽ ተረፍ መረፍ ን፣ ሸቐጥቲን ሸየጥቲ ደቂ ሰባት ግዳያት ዝኾኑ ኩሎም ኽቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስም ዝግበር ረሳሕ ቦለቲካዊ ሸፈጥን ንግድን፣ ንመጥፊኢኦም ንውልቃውን ጉጅለኣውን በለጽን ገንዘብ ንምኽዕባትን ንነናይ ገዛእ ርእሶም ሕዱርን ስሱዕን ሸውሃት ንምርዋይ ብስሞምን ስቓዮምን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ከንቱ ሸቐጥን ፈተነን፣ ካብ ልቢ ዘይነቐለ ዕሙት ስሚዒታዊ ናይ ዕስለ "ናይ ሓርገጽ ንብዓትን" ምስሉይነት፣ ኣትሪረ ይቃወሞ ጥራይ ዘይኮነስ ይቃለሶ!

 

    መፍትሒ ናይ' ሽግር ድማ፣ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ሰብ ስድራ ቤትን መጽለልን ህዝብን ብዓቢኡ ድማ ናጻ ሃገርን ስለ ዘለዎም፣ ካብ ፋይዳ ዘይብሎ ሆየ ሆየን ጫውጫውታን ከምታ ብዓለምለኻውን ውዱብን ኣገባብ ኣብ ግዜ ለበዳ ተላባዒ ናይ ስርዓተ- ምስትንፋስ ሕማም [CoViD-19] ንዋያዊ ኣበርክቶ ብሓላፍነትን ተባዕ ስጉምትን ዝግበርና፣ ካውኡ ንላዕልን ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ በቢዓቅሙ ዝሳተፎን ተራኡ ዘብርክተሉን ውጽኢታዊን ግብራውን ምእኩልን ሕጋውን ተሓታትነት ዘለዎ ስራሕ ክስራሕን፣ ሃገሮም ገዲፎም ንኽበታተኑን ኽጠፍኡን ዘይኮነስ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣብ ኤርትራ እግሮም ስጋብ ዝኽተኽሉ ብቐጻሊ ከም ዝሕገዙ ምግባር እዩ።

 

    ንሱ ድማ ከም ኣብ ትግራይ መጥፍኢን መሸቀጢን መዓስከራት ተጸበይቲ ኮይኖም፣ ዝተኣከበን ዘዝመጸ ገንዘብን ካብ ኢዶም ናብ ኣፎም ከም ቆሎ ስገም ክበልዑዎን ክሕሽሽዎን ዘይኮነስ፣ ኣብ ኤርትራ ብዝተፈላለያ መንግስታውን ሃገራውያን ማሕበራት ተወዲቡን ተማእኪሉን፣ ነቲ ብቐጻሊ ዝውሕዝ ሓገዛት ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰርሑሉ ማህሕበራዊ ኮማት ማእከሎትን ንኣሽቱን መምስርሕን ሰንዓን ዶዃኩንን ምህናጽን፣ ንሓረስቶት ድማ ተጸበይትን ጽግዕተኛን ምእንቲ ከይኮኑ፣ ንመትከል እግሮም ጤለ-በጊዕን ኣሓን ኣብዑርን መሳርሒ ሕርሻን ክሕገዙን ኣብ ቅልጡ ናይ ግዜ መቓን ርእሶም ክኢሎም ንሕብረተ-ሰቦምን ሃገሮምን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ክገብሩ ምግባር እዩ።

 

      እንተዘይ ኮይኑ፣

 

    •> ኤሮጳውያን ዶባተን ረጊጠን እየን፣ ንምሳለ ኣብ ግሪኽ ተጓሒፎም ዘለዉ ዓሰተታት ኣሽሓት "ዘይ ሕጋውያን ስደተኛታት" ኣውኡ እናተሳቐዩ ንኽነብሩ፣ ካብ ኢዶም ናብ ኣፎም ዝበጽሕ ትኳቦ እናመጠዉ፣ ከም ቀዋሚ ተኣሰርቲ ጅሆ ሒዞሞ ወርቃዊ ግዚኦም ከም ዘቃጽሉ ጌሮሞም ኣሎዉ። ኣብ ቱርኪ'ውን ልዕሊ 3.7 ሚልዮናት "ዘይ ሕጋውያን ስደተኛታት" ናብ ኤውሮጳ ምእንቲ ከይፍልሱ [ከይመጹ] ንመንግስቲ ቱርኪ ኣውኡ ክሕዘሎም [ኣነ ከም ጉቦ እየ ዝብሎ] ዓመታዊ 3.7 ቢልዮን ኤውሮ ከም ጉንዖ [መማለዲ ጉቦ] ንብኤርዶጋን ጣይብ ዝምራሕ ዓቃባዊ እስላማዊን በርጌሳውን ሕውስዋስ መንግስርቲ ቱርኪ ፈሪሖም ብዘሕፍር ኣገባብ ይምጥውዎ [ ይህብዎ] ኣለዉ።

 

    ብተወሳኺ ኤውሮጳ እዚ ለበዳ ሕማም ዘስዓቦ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕንወትን ሞትን ተጸሚዳ፣ ናይ "ዘይሕጋውያን ስደተኛታት=ናይ ቁጠባ ፈለስቲ"] ንቦሎቲካዊ ረብሕኦም ክሽቅጥሎምን ንመግስታት ኣፍሪቓ ጸቕጥታትን ክገብሩሎምን ክድውንዎምን እንተ ደልዮም ድማ፣ ካብ ሲኦላት ሃገሮም ተጨቚኖም ባርያታት ኮይኖም "ዝተሰዱ ንዲሞኽራሲ ዝቓለሱ ዝተኣስሩ" እናበሉ ደስ ዝበሎም ናይ ሓሶትን ምስልይናን ኣስማት እናጠመቑ ጥራይ ዘይኮኑስ፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝፍጠሩ ቅልውላውን ኲናትን እንደገና ናፍታ ጨሚሮም ሓዊ ብምውላዕ የምበድብድዎን ሃገራት የፍርሱን ትሕተ-ቕርጸን የዕንዉን እምበር፣ ዘላቒ ፍታሕ ፍጹም ኣየምጽኡሎምን እዮም!

 

    ሕጂ' ኸኣ 24 ለካቲት 2022 ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኡክሬንን ዝተወልዐ ኲናትን ገናውን ዝቕጽል ዘሎ ምኽንያት፣ ኣስታት 10,000 000 ሚልዮን ኡክራናውያን ሃገሮም ገዲፎም ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ካልኦት ሃገራትን ፈልሶምን ተሰዲዶምን ኣለዉ! እቲ ፍልሰት'ውን ቀጻሊ እዩ። ተምሃሮን ነበርትን ኡክሬን ከምኡ'ውን ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ | እስያን ኣፍሪቃን | ንኤውሮጳ ክሃድሙ ብኡክሬናውያንን ብኤውሮጳውያንን ዓሌታዊ ዝሰረቱ ፈሊኻ ምኽልካልን -ሰብኣዊ ውርደትን ድማ ንስኻትኩም ምሉእ ዓለም ብግብሪ ተዓዚብዎ እዩ። ስለዚ ኣብዚ እዋን' ንገባቲት ኣማሪካን ኮራኹራ ኣምሰሉ ኤውሮጳዊ ሕብረትን |ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳን ምባል ይሓይሽ| ንሰለይቲ | AInt. Human Right Watch etc. | ኣብ ጎደናታት ወጺእካ ንኸተምስል እንተለመንካን እንተ ጨደርካን፣ ንሳቶም ካልእ ዋኒንን ጉዳይን ስለ ዘለዎም ብጥራጥካ ኸማን ኣይክስሕቁን እዮም!

 

    •> ኣሜርካ ንባዕላ ልዕሊ 12>13 ሚልዮን መቐመጢ ፍቓድ ዘይብሎም ካብ ደቡብን ላቲን ኣሜርካን ብዝያዳ ካልኦት ክፍለ ዓለማትን "ናይ ድኽነትን ቁጠባን ስደተኛታት" ኣሎዉ። መሰልን ካብቲ መንግስቲ ከም ዝኾነ ተራ ሰብ ዝረኽብዎ ጥቕሚ'ውን የብሎምን። እዚኣቶም፣ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘይብሎምን መሰሎም ዝተገፈ፣ ንኽነብሩ ግን ብኣዝዩ ውሑድ ገንዘብ ኣሜርካውያን ቁሊሕ ኢሎም ዘይርእይዎን ዝፍንፍንዎን ከቢድ ጉልበታዊ ስራሕ ተሓቢኦም ዳርጋ ከም ባሮት ንኽሰርሑ ይግደዱ። ኣብ ሃገረ- ሜክሲኮ ደቡባዊ ሃገር ደቡብ ኣሜርካ'ውን፣ ካብ ደቡብን ላቲን ኣሜርካን ካልኦት ክፍለ-ዓለማት ከም ኣፍሪቃን እስያን ዝመጹ ግዳያት ድኽነት ጥራይ ዘይኮኑስ ገንዘብ ዘለዎምን ከይተረፉ፣ ግን ናብ 'ሃፍታም ሃገር ኣሜርካ' ክኣትዉን ክነብሩን ዝደልዩ፣ እንተሰለጦም ዕድላቶም ክርእዩ ዝጽበዩ ልዕሊ 200.000 ሽሕ ህዝቢ [ቆልዓ ሰበይቲን ትሕተ-ዕድመን መንእሰያትን ዓበይትን ስድራ ቤታትን ከይተረፈ] ኣሎዉ። ኣብ ካልኦት'ውን ተመሳሳሊ እዩ። ኣሜርካ'ውን ኣሹንኳይ' ነዞም ናብ ሃገራ ኽውሕዙ ኣብ ዶባታ ተጸጊዖም ጭንን ዝብሉ ዘሎዉ ንዋይ ንምርካብን ጽቡቕ ንምንባርን ዝሓልሙ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ፍልሰተኛታት፣ ኣብ ውሽጢ ሃገራ ንዓመታት ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድን ብዘይ ሰብኣዊ መሰልን ዝቕመጡ ዘለዉ ልዕሊ 11 ሚልዮን ዝኾኑ ደቂ ሰባት ከማን ቁራጽ ሕጋዊ ወረቐት ክትህቦም ፍቓደኛ ኣይኮነትን።

ስለዚ፣ ኣብ ደገ ወጺእካ ዋላ ሽሕ ግዜ ዓንገረር በል ኣስማት "መለኮታትን ስዉርን ቅሉዕን ባዕዳዊያን ሓይልታትን" ከም ማሪታዊ ኣምልኾ ኣሚንካ ሽግርካ ክፈትሑልካ ለምን ጸውዕ ከምኡውን ንዓኻ ዘሕፍር ኣንጻር ስነ-ልቦናኻን ባህልኻን ኽቡር ታሪኽካን ኣእዊ፣ ዝሰምዓካ ሃገር ፍጹም የሎን፣ ፋይዳ'ውን የብሉን ጥራይ ዘይኮነስ ዘላቒ መፍትሒ'ውን ኣይኮነን። ኣብ' እዋን' ኾቦጃ |ጸዓዱ| ኮነ ካልኦት ቁሊሕ ኢሎም'ውን ኣይጥምቱኻንን ኣይግደዱልካንን'ዮም። እቲ ግብራዊ መፍትሒ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ኮይኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣብ ሽግር ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከካብ ዘለዉዎ ሃገራት ብልኡኻቱ ጌሩ ክሓቶምን ንኽመልሶም ክጽዕርን ነቲ መስርሕ ክጅምሮን ኣሎዎ።

 

      •> ሕሉፍ ትዕዝብተይ ግን:

 

    => ቅድሚ ሓያሎይ ዓመታት ልክዕ ከምዚ ናይ ሕጂ ኩነት ምስ ኣጋጠመ፣ ብነፋሪት ካብ ሊብያ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ኤርትራውያን ኔሮም እዮም። እዞም ሎሚ ንመንእሰያት ኤርትራ ንምጥፋእ ሓንሳብ "መርከብ ክንገዝእ ገንዘብ ኣዋጽኡ" ኣብ ካልእ ግዜ ድማ ንረሳሕ ቦለቲካ ንምጥቃምን ገንዘብ ለወሃት ኤርትራውያን ንውልቃውን ጉጅላውን ዋኒኖም ብሓሶት ንምእካብን ንምኽዕባትን ቁራብሻኦም ንምሕባጥን "ንብዓት ሓርገጽ" ዝነብዑን ዝቑዝሙ ዘለዉ ገለ ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን፣ "ስለ ምንታይ ጨውዮም ናብ ኤርትራ መሊሶሞም" ኢሎም ከጉርዑን ክውጭጩን ሰሚዕንናን ተዓዚብናን ኢና።

 

    ኣብ ሓደ ሁሞት'ውን ከምኦም ካብ ሊብያ ናብ ኤርትራ ብነፋሪት ክምለሱ ከለዉ፣ ነቶም ኣብረርትን ሰራሕተኛታትን ብኻራ ኣፈራሪሖም ነታ ነፋሪት ግብረ-ሽበራውያን ከም ዝገብሩዎ ኣብ ካርቱም ሱዳን ከም ትዓልብ ጌሮም እዮም። ነዚኣቶም ድማ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎም ኣምሰሉን መደናገርትን ሸቀጥትን ጉጅለ ዕንኪላሎ ደለይቲ ጸብሒ፣ ንዕኦም ከም "ጀጋኑ" ቆጺሮም ነዛ መሬት ኣይትጽርና ብዝመስል ብታሕጓስ ተፈንጪሖም ክጭድሩን ክስዕስዑን ተዓዚብናዮም ኢና!

 

    ስለዚ እዚ ኣቕሪበዮ ዘሎኹ ግብራዊ ፍታሕ'ዞም ኣብ መሬት ውርደትን ስቓይን ዓመጽን ሞትን ሱዳንን ሊብያን ትግራይን ካልኦት ሃገራትን ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ ናብ ኤርትራ ዓዶም ክምለሱ ኣብ ቦትኡ ኾይኑ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ከም ተዓዘብናዮ ግን፣ ኩሎም እኳ እንተዘይበልኩ ብተዛማዲ ፍቓደኛታት ኾይኖም ናብ ዓዶም ዝምለሱ እንተ ሃልዩዮም ውሑዳት እዮም። ምኽንያቱ ክብገስን ክፈልስን እንከሎ፤ ኣብቲ ጉዕዞ ስቓይን ምጭዋይን ከም ከብቲ ምሻጥን ምቕጥቃጥን፣ ብዓቢኡ ድማ ሞትን ከም ዘሎ እናፈለጡ ስለ ዘንቀደዱን [ዝወሰኑን] ስለ ዝኣትዉዎን፣ ናብ ኤውሮጳን [ካውኣተን ድማ ናብተን ዝሃብተማን ካብ ካልኦት ሃገራት ንኤርትራውያን ከም ጉንዖ ብቐሊሉ ዋላ ግዚያውን ንተወሰነ ዓመታት መቐመጢ ጭራም ወረቐት ዝምጥዋ መንግስታትን] ኣማሪካን፣ ምስኡ ዝኸይድ ዋና ምኽንያት ድማ ኣብ ኣንደበቶም $ ስለ ዝሰኣሉን ዝቐረጹን፣ ዋላ ትንፋሶም ትሕለፍ ብተዛማድን መብዛሕትኡን ንዓዶም ንኽምለሱ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። ብዝያዳ ድማ በዞም ካብ ሃገር ፈሊሶም [ሃዲሞም] ብኡ መስርሕ ምቕጥቃጥን ስቓይን ሓሊፎም ካብ ሞት ንእስክላ ኣምሊጦም ናብ ኣውሮጳን ኣማሪካን ዝመጹ ኤርትራውያን፣ ሎሚ እቲ ዘሕለፍዎ ኩሉ ሽግራት ሓቢኦም ገለ ካብኣቶም ብስም ተቛመርትን ዕንኪላሎን ተኣኻኺቦም ብስሞም ንኽሽቅጡን ገንዘብ ንኸኻዕብቱን፣ ዘይ ጭበጥን ዘይ ግብራዊ ተስፋ እናሃቡ ብመራኸቢ ብዙሓንን መሳኹትን ኣብ ፈቐዶ ጽርግያ ወጺኦም ብዛዕብኦም ክግዕሩ ምርኣይ ልሙድ እዩ። እዞም ናይ 20 21 ኽፍለ-ዘመን ሓሰውትን መታለልትን ዘመድ ኸብዶምን ጉጅለታትን ውልቀ-ሰባትን፣ ኣብ ጉዕዞን ኣብ መሳቐዪ መዓስከራት ተዳጒኖም ዝሳቐዩን ከም 'ኣቕሓ' ኣብ ዕዳጋ መሸጣ ዘለዉን መሳኪን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኤርትራውያን፣ ኣንጻር ጥቕሞምን ድሕነቶምን ንዓዶም ከም ዘይምለሱን ብግልጺ ይሰርሑ ኣሎዉ።

 

    ብተወሳኽን ብዝያዳን ድማ፣ "ካብ ዓደይ ወጺአ እንክብቅዕ ከም ዕላማ ናብ ዝሓሰብክወን ሃፍታማት ሃገራት ከይበጻሕኩን ሳንቲም ከይሓዝኩን ጥራይ ጁባይ እንታይ ክገብር' ንዓዲ ዝምለስ? ስድራይን ደቂ ዓደይን ከባብየይን' እንይታይ ክብሉኒ?" ኢሉ ስለ ዝሓስብን እንተ ተመሊሱ'ውን ሕንከትን ሕፍረትን ስለ ዝስምዖ እዩ።

 

    እዝን ካልእ ወዲ ኸምዝን ድማ ነቲ ሽግር ንኸይፍታሕ ይሓላልኾ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሽግሮምን ስቓዮምን ኣብኢሱ [ኣግዲዱ] ንኽናዋሕ፣ ነታ መተካእታ ዘይብላ እንኮ ሓንቲ ኽብርቲ ህይወቶም'ውን ኣደዳ ሞት ጌሮም ንሓዋሩ ንኽስእንዋ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ።

 

    እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭብጢ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ኮይኑ፣ "ካብ ጉይይ ምውዓል፣ ክሳድ ምሓዝ" ወይ ድማ "ካብ ሽሕ መደረ፣ ሓንቲ ቁም ነገራዊት ፍረ" ከም ዝበሃል፣ ከምዛ ዝበልክኹም ግብራዊትን ውጽኢታዊትን ስራሕ ምግባር ግን፣ እቲ እንኮ ኣማራጺ እዩ። ነዚ ይቕበልዎ' ኣይቅበልዎን ግን፣ ኣብ' መስርሕ ዝርአ ኾይኑ፣ እንተ ዘይ ተቐቢሎሞ ግን ተሓተትቲ ሽግራቶምን ስቓዮምን ከም ሳቤኑ ዝመጽእ ሞት'ውን ንሳቶም ይኾኑ። ስለ ምንታይ' ንድሕነት ህይወቶም ዘውሕስ ናይ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ግብራዊ ምኽርን ሓገዝን ስለ ዝነጸጉ!

 

    እዚ 'ደሓንኩም፣ ኽቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!

 

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

https://www.facebook.com/berhane.habtemariam.52/posts/pfbid02spiXnKKeJ96dCFxYggnmVtqQQmoTDygBqLz3x2Nzc5ksCAMd7pdYi8seJxrZSMaEl


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events