Dehai

“ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱስ ቆርበት በጊዕ ኣንጽፉለይ በለ” ወይ ድማ “ንዘይፈልጦስ ሜስ የጥርጦ”

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 27 August 2016

ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱስ ቆርበት በጊዕ ኣንጽፉለይ በለ ወይ ድማ ንዘይፈልጦስ ሜስ የጥርጦ
 
ብርሃነመስቀል ሃብተምርያም
 
ወርሒ ነሓሰ ዕለት 15, 2016
 
ንዓይ ኾነ ንሚልዮናት  ኤርትራውያን ዘገርምን ዘስደምምን እዞም ገለ ፍጮ ተወላዶ ኤርትራን ምሁራትን ኢና በሃልቲ በቲ ዓሌታዊን ከዳሚን ገዛኢ ደርቢ ወያነ ትግራይ ብኸብዶም ተገዚኦምን ተዓሲቦምን ደቅሱን ተስኡን እንተበሎም ዝድቅሱን ዝትስኡን ተኣከቡ እንተበሎም ከምዛ ንኸልቢ ስጋ እናርኣኻ ደድሕሬካ ዞኽዞኽ ተብሎ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ሳንጥኦም ተሓንጊጦም ስለምንታይ ንምንታይ ዓላማ ዝብል ሕቶ ከይሓተቱ ቱስ ቱስ ዝብሉን ናብ መቐለ-ሃዋሳ-ኣዲስ ኣበባ ዝሕምበቡን እዮም!!! እዞም ምሁራት ኢና ንሕና ጥራሕ ንፈልጥ በሃልቲ ግን ብተግባር በሃማትን በሶሮታትን እታ ኣብ ቅድሚኦም ዘላ ቛንጣ ስጋ ደኣ እያ ተወናውኖምን ተገድሶም እምበር እታ ዘይረኣዩዋ ወይ ድማ ክርእዩዋ ዘይደልዩ ብድሕሪት ኣብ ዝባኖም ዘላ ሻፎ ጐመድ` (በትሪ) ብግዝያዊ ጥቕሚ ዓይኖም ስለ ዝዓወሩ ፍጹም ኣይስተብህሉላን እዮም።
 
ገለ ስሱዓትን ጨለታትን ከኣ እሞ ሕሉፍ ሓሊፎም በቶም ከስዓት ጎይቶቶም ኣብ ምዕራብ ክፍለ-ዓለም ብዶላርን ኤውሮን ተዓሲቦም ንኣሽቱን ማእከሎትን ናይ ጥቕምን ምንጪን ንዋይ [ገንዘብ] ትካላት ኣጣይሾም እቲ ሰረት መበቆሎምን ታሪኾምን ረሲዖም ኣብ ምድንጋርን ሓሶትን ጸለመን ሕንፍሽፍሽን ጥልመትን ተዋፊሮም ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንምብትታንን ንሃገር ንምዕናውን ለይትን መዓልትን ይሰርሑ ኣሎዉ። ካብኣቶም ንቑሩብ ቑራቦ ከም ኣብነት ንምጥቃስ ድማ፣ ኣማኑኤል እያሱ ወናኒ ራድዮ ሓሰና-ዮኑስን ሳልሕ ቃዲን-ዓዋተ፣ ኤልሳ ጭሩምን ሰዓብታን፣ ደላሊት ሜሮን እስጢፋኖስን ኣባ ሙሴን፣ ዓንደብርሃን ዶር. ኣሰፋው ንነዊሕ ጊዜ ከም ቁርዲድ ደቂሱ ዝነበረ እሞ ሕጂ ዝተበራበረ ሸንገብ-ወነንቲ ራድዮ መድረኽ ......ወዘተረፈ………ገለውን ምስ ግዜ ከም ደቂ ሕድርትና ውልዕ ጥፍእ ዝብሉ ባእታታትን እዮም። ዝገረም እዩ፣ ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱስ ቆርበት በጊዕ ኣንጽፉለይ በለ ወይ ድማ ንዘይፈልጦስ ሜስ የጥርጦ ከም ዝበሃል፣ ናይዚኣቶም እኩይ ተግባራት ድማ ተመሳሳሊ እዩ። እዚ ናይ ዘመንና ናይ ጥልመትን ጥፍኣትን ሸርሒን ክድዓትን ደቀ መዛሙር ልቑምጽናን በለጽን ግን ንግዚኡ ምናልባት ከም መብልዒ እንጀራ ይጥቀምሉ ይኾኑ እምበር ካብ ሰረቱ ቦኽባኽን ሓሰርንፋይን ስለ ዝኾነ ብግስ ክብል ዝጠፈሸን ዝፈሸለን ናይ ስሱዓት ዶዃክን እዩ። እዩ።
 
……………..ንሎምስ ኣብዚ ይኣኽለኒ መስለኒ። ንዓኹም`ዶ ጠፊእኩም፣ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን። እሞ ከምቲ ለባማት ኣቦታትና ዝብልዎ ንለባም ኣምተሉ ክንደይ ከይስሕቶ፣ ንዓዋን ከኣ ደርጒሓሉ ክንደይ ከይፈልጦእንድዩ በሉ ረዚን ልብን ንሕሉፍን መጻእን ንላዕልን ታሕትን ንቐረባን ርሑቕን ዘመዛዝን በሊሕ ስነ-ኣእምሮ ይዓድልኩም!!! እዚ ወደሓንኩም።
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events