Dehai

መንእሰያት ኤርትራውያን ተማሃሩ ሕልሚ ተጽባእትና ክትሰብሩ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Friday, 21 July 2023


ኤርትራውያን መንእሰያት ተማሃሩ!
ፍልጠት ከተጥርዩ ጻዓሩ፡
ነዚ ግዜ ነቒሕኩም ርብሑሉ፡
ዕድል ኣይነብርን'ዩ ኮምኡሉ።

ተማሃሩ ፍልጠት ስነቑ፡
እሙሮኹም ዝኣኽሎ ኣዕጥቑ፡
ጽባሕ ብዘይረብሑ ከይትናዓቑ፡
ግዜ ኣስተውዕሉሉ ተጠንቀቑ።

ሸፋቱ ፖሎቲካ ከየዳህልሉኹም፡
ካብ ቅኑዕ መስመር ከየውጽእኹም፡
ኣነ ንዓደይ ይኹን ማሕላኹም፡
ጽንዑ ኣብ ሃገራዊ እምነትኩም።

መንእሰይ ከይሓብሉኻ እዞም ተዃሉ፡
ሃገር ባዶ ተሪፋ ሞይታ ዝብሉ፡
ልምዓት ከይርእዩ ዓይኖም ዝሓውለሉ፡
ንጥፍኣት እንተዘይኮይኑ ንሰላም ዘይምህልለሉ።

ጀጋኑ ቦምባ ይድርብዩ ናብ ጸላእቲ፡
ዓወት ይሓፍሱ ሃብታም ምህርቲ፡
እንተቶም ዕሱባት ከደምቲ፡
ሞያ ዘይብሎም ኣእማን ደርበይቲ፡
ኣቦታት ኣደታት ምፍጋእ ተቖጺሩ ስልቲ፡
ሕማቕ ኮምኡ'ዩ ምአርገም ተገኒዙ ሞዋቲ።

ኩሉ ዝተማህረ ኣይምሰልኩም ለባም፡
ምስኡ'ዩ ዘሎ ናይ ምድሕርሓር ሕማም፡
ኣብነት ኣሎ ዶክቶር በረኸት /ሃ/ስ ጓህማም፡
ከሓዲ ሃገሩ ህዝቡ ጠላም።

እዚ'ዩ መንእሰይ ተምሃር ዘበለኒ፡
ሰብ መሲሉካ ከይትጽጋዕ ምስ በድኒ፡
ካራሜለ መሲሉካ ከይትቑርጥም እምኒ።
ጽባሕ ንግሆ ኣየብዚ ኣይብቲ ከይተዕነኒ፡

መስርዕ ኣትሕዞ ዲሌታትካ፡
መስርዕ ኣትሕዞ ባህግታትካ፡
ግዜ ሃቦ ከይትጻወት ብዕድላትካ፡
ሰማእታት ዝተኸፍላ ሃገር ኣላትካ፡
ግደኻ ምህናጻ'ዩ ግዜ ከየባኸንካ።

መንእሰይ ኣይትመላለስ ምስዞም ዓዋሉ፡
ሚዛን ኣይትሃቦም ነቶም ቶዃሉ፡
ግዚኻ ወርቂ'ዩ ተጠቐመሉ፡
ኣኺሉ'ዩ እዋን ሃገር ትሃነጸሉ፡
ወይልኡ ከዳዕ መዕለቢ ዘይብሉ።

ዕድመ ንመንእሰያትና ኣብ ኩሉ ቦታታት፡ ጽፍሕታት፡ ክፍልታት፡ ሃገራት፡ ስለ ሰላምን ብልጽግናን፡ ድሕነት ሃገርናን ዝቃለሱ ዘለዉ።

WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events