Dehai

ህግደፍ ( ህዝባዊ ግንባር ደሞክራን ፍትሕን)

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Friday, 15 September 2023

እዞም ናይ ጁንታ ለሓስቲ ሸሓኒ፡ ህግደፍ  ህግደፍ  ህግደፍ፡ እናበሉ ማዓንጥኦም ክሳብ ዝወጽእ ዝግዕሩ፡ ፈውሶም እኮ ቀሊልዩ ኔሩ። ዝልመጽ ሻሓኒ ትቕርበሎም ኣፈም ይዓብሱ። ህግደፍ ግን ዝልመጽ ሻሓኒ ኣይህብን'ዩ። ዘንቕሕ ትምህርቲ እዩ ዝህብ። ንቕሓት ንኣእሙሮን መንፈስን ዘብልሕ። ንሃገራውነትን መንነትን ዘደልድል። ንቃልስን መስዋእትነን ዘኽብር። ታሪኽ ከይተበረዘን ከይሃሰሰን ክነብር ዝገብር። ነዚ ኣሚኑ ዝቕበል ብሻሓኒ ዘይኮና ንህቦ ማዕረና ኣብ ሞሶብና ክሳተፍ ብኣኽብሮት መርሓባ ኢልና ንቕበሎ። ምኽንያቱ እምነትና ጻዕርና ተግባራትናን ምአትከልናን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ስለ ዝኾነ፡ መጽዋትን ተመጽዋትን ኣብ ሃገርና ንከይህሉ ዕላማ ህግደፍ'ዩ። ኣብ ህግደፍ ኮንካ ምቕላስ፡ የኹርዕ፡ የሔብን፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብ ሃገራዊ እጃም ትሳተፍ ስለ ዘሎኻ ናይ ሕልና ዕግበት የሕድረልካ። ህግደፍ ስም ሰብ ኣይኮነን መትከል (መርገጽ)ዩ። ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን ስለኡ ንቃለስ ንስዋእ።


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events